ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/7 ገጽ 29-31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ሰላምን ንጽህናን እታ ጉባኤ ንሓሉ
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ‘ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዚጽዕሩ ኣኽብርዎም’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ኣቱም ሽማግለታት፡ ንሃዋርያ ጳውሎስ ምሰልዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/7 ገጽ 29-31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ኣብ 2 ተሰሎንቄ 3:14 ተጠቒሱ ዘሎ ‘ምልክት ምግባር ’ ብጉባኤ ዝውሰድ ወግዓዊ መስርሕ ድዩ: ወይስ ክርስትያናት ነቶም ስርዓት ዘይብሎም ሰባት ንኸርሕቕዎም ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ዝወስድዎ ስጕምቲ ኢዩ፧

እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ ዝጸሓፈሎም ሓሳባት: ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ‘ምልክት ኣብ ምግባር’ ንጹር ግደ ከም ዘለዎም ኢዩ ዝሕብር። ብድሕሪኡ ግን ክርስትያናት ብውልቀ-​ሰብ ደረጃ ኣብ ኣእምሮኦም መንፈሳዊ ዕላማታት ብምሓዝ ስጕምቲ ይወስዱ። ነዚ ብዝበለጸ ክንርድኦ ምእንቲ ኽንክእል: ነቲ ጳውሎስ ብመጀመርታ ዝሃቦ ምኽሪ ክንምርምሮ የድልየና።

ጳውሎስ: ንሰብኡትን ኣንስትን ኣመንቲ ክዀኑ ብምሕጋዝ ንጉባኤ ተሰሎንቄ ኣብ ምምስራት ሓጊዙ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:1-4) ጸኒሑ ድማ ንኽንእዶምን ከተባብዖምን ኣብ ቈረንቶስ ኰይኑ ጸሓፈሎም። ጳውሎስ ዘድሊ ምኽሪ እውን ለጊሱሎም ኢዩ። ‘ክሃድኡን ዕዮ ርእሶም ክገብሩን በእዳዎም ክዓዩን’ ተላበዎም። ገሊኣቶም ከምዚ ይገብሩ ስለ ዘይነበሩ: ጳውሎስ ወሲኹ “ኣቱም ኣሕዋትና: ነቶም ብዘይ ስርዓት ዚመላለሱ ግንሕዎም: ነቶም ሕሊናኦም ዝዐረቦም ኣፋጥንዎም: ነቶም ድኹማት ደግፍዎም . . . ኢልና ንምዕደኩም አሎና” በለ። ኣብ ማእከሎም “ብዘይ ስርዓት ዚመላለሱ”a ምኽሪ ዘድልዮም ሰባት ከም ዝነበሩ ርዱእ ኢዩ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 1:⁠2-10፣ 4:⁠11፣ 5:⁠14

ገለ ኣዋርሕ ጸኒሑ ጳውሎስ ብዛዕባ መጻኢ ህላወ የሱስ ተወሳኺ ሓሳባት ብምሃብ ነታ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ዝለኣኻ ካልኣይቲ መልእኽቱ ጸሓፈ። ጳውሎስ እቶም ‘ዙረት እምበር ሓንቲ እኳ ዘይዓዩ’ ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ ብኸመይ ክረኣዩ ከም ዘለዎም ተወሳኺ መምርሒ እውን ሂቡ ኢዩ። ተግባራቶም ምስቲ ጳውሎስ ጻዕራም ሰራሕተኛ ዀይኑ ዝገደፎ ኣብነትን ምስቲ ርእስኻ ንምኽኣል ምስራሕ ከም ዘድሊ ዝሃቦ ትእዛዝን ዝጋጮ ኢዩ ነይሩ። (2 ተሰሎንቄ 3:7-12) ጳውሎስ ገለ ገለ ስጕምትታት ክውሰድ ከም ዘድሊ ሓቢሩ ኢዩ። እዚ ስጕምትታት እዚ ዝውሰድ ግን ሽማግለታት ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ ብምምዓድ ወይ ብምምካር ዝኣክል ጻዕሪ ድሕሪ ምግባሮም ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:-

“እምብኣርስ: ኣቱም ኣሕዋትና: ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ ዘይነብር: ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓው ክትፍለዩ: . . . ንእዝዘኩም አሎና። ኣቱም አሕዋትና: ንስኻትኩም ግና ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ። ሓደ እኳ ነቲ በዛ ደብዳበ እዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ: ምእንቲ ኺሐፍርሲ: ምስኡ ኸይትሐብሩ ምልክት ግበሩሉ። ግናኸ ከም ሓው ደኣ ምዐድዎ እምበር: ከም ጸላኢ ኣይትቝጸርዎ።”​—⁠2 ተሰሎንቄ 3:6, 13-15

ስለዚ እቲ ብተወሳኺ ዝውሰድ ስጕምትታት ካብቶም ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ ክትፍለ: ምልክት ክትገብረሎም: ምስኣቶም ምሕባር ከተቋርጽ: ከም ኣሕዋት መጠን ግን ክትምዕዶም ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። ንኣባላት እታ ጉባኤ ነዚ ስጕምትታት እዚ ከም ዝወስዱ ዝገብሮም እንታይ ኢዩ፧ ነዚ ንምንጻር ምእንቲ ክሕግዘና: ጳውሎስ ኣብዚ ኣትኩሮ ዘይገበረሉ ሰለስተ ኵነታት ንርአ።

1. ክርስትያናት ዘይፍጹማት ምዃኖምን ጕድለታት ከም ዘለዎምን ንፈልጥ ኢና። ገና ግን ፍቕሪ ናይ ሓቀኛታት ክርስትያናት መለለይት ስለ ዝዀነት ንኻልኦት ጕድለታቶም ክንርድኣሎምን ይቕረ በሃልቲ ክንከውንን ትሓተና ኢያ። ንኣብነት: ሓደ ክርስትያናት ከምቲ ኣብ መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ዘጋጠመ ስሕት ኢሉ ርሱን ቍጥዓ የንጸባርቕ ይኸውን። (ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠36-40) ወይ ከኣ ሓደ ሓው ብስራሕ ደኺሙ ምስ ወዓለ ተሪር ወይ ዝሃሲ ዘረባ የውስእ ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ፍቕሪ ብምንጽብራቕን ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ነቲ ጕድለት ክንሽፍኖ: ምስኡ ምንባርን ምሕባርን ምስራሕን ክንቅጽል ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 5:⁠23-25፣ 6:⁠14፣ 7:⁠1-5፣ 1 ጴጥሮስ 4:⁠8) ስለዚ እምበኣር: ጳውሎስ ኣብ 2 ተሰሎንቄ እተዛረበሉ ጕዳይ ነቲ ከምዚ ዝዓይነቱ ጕድለት ከም ዘይኰነ ንጹር ኢዩ።

2. ጳውሎስ: ነቲ ሓደ ክርስትያን ምስ ሓደ መገድታቱን ዝንባለታቱን ጽቡቕ ዘይኰነ ክርስትያን​—⁠ንኣብነት ኣብ ምዝንጋዕ ወይ ኣብ ንዋታዊ ነገራት እምብዛ ዘተኵር​—⁠ንዘለዎ ሕብረት ቀይዲ ክገብረሉ ብብሕቱ ዝመርጸሉ ኵነታት ኣይኰነን ዝዛረብ ነይሩ። ወይ ከኣ ሓደ ወላዲ ውላዱ ምስቶም ንስልጣን ወለዲ ዕሽሽ ዝብሉ: ሓደገኛ ጸወታታት ዘዘውትሩ: ወይ ከኣ ንክርስትና ኣርዚኖም ዘይርእይዎ መንእሰያት ዘለዎ ሕብረት ቀይዲ ይገብረሉ ይኸውን። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኣብ ብሕታዊ ውሳነታት እተመርኰሰ ኢዩ። እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ ምሳሌ 13:⁠20 ዘሎ “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” ዝብል ቃላት ዝሰማማዕ ኢዩ።​—ምስ 1 ቈረንቶስ 15:33 ኣረኣእዮ።

3. ካልእ ፍልይ ዝበለ ክብደት ዘለዎ ጕዳይ ከኣ: ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ብዛዕባ ሓደ ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸመ እሞ ዘይተናስሐ ሰብ ጽሒፉ ኣሎ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ዘይናስሑ ሓጢኣተኛታት ካብታ ጉባኤ ክውገዱ ኣለዎም። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ እቲ “እኩይ” ንሰይጣን ክወሃብ ነበሮ። ብድሕሪኡ: እሙናት ክርስትያናት ምስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ እኩያት ክጽንበሩ ኣይነበሮምን፣ ሃዋርያ ዮሃንስ ሰላም ንኸይብልዎም እውን ከይተረፈ ተላብይዎም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 5:⁠1-13፣ 2 ዮሃንስ 9-11) ይኹን እምበር: እዚ ሓሳባት እዚ ነቲ ኣብ 2 ተሰሎንቄ 3:⁠14 ተዋሂቡ ዘሎ ማዕዳ ዘመልክት ኣይኰነን።

ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሰለስተ ኵነታት እተፈልየ ድማ ከምቲ ኣብ 2 ተሰሎንቄ ተዘሪቡሉ ዘሎ ነቶም ‘ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ’ ዝምልከት ኢዩ። ጳውሎስ እዚኣቶም ክመዓዱን ከም ‘ኣሕዋት’ ክረኣዩን ከም ዘለዎም ኢዩ ጽሒፉ። ስለዚ እምበኣር: እቲ ነዞም “ብዘይ ስርዓት ዚመላለሱ” ዝምልከት ግድል: ኣብ መንጎ ክርስትያናት ንዝለዓል ንኣሽቱ ብሕታዊ ጕዳያት ወይ ከኣ ከምቲ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረ ምስ ዘይስነ-ምግባራዊ ኵነታት እተተሓሓዘ እሞ ጳውሎስ ስጕምቲ ዝወሰደሉ ዝኣመሰለ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ክገብርዎ ዘለዎም ክብድ ዝበለ ናይ ምውጋድ ስጕምቲ ኣይኰነን። እቶም “ብዘይ ስርዓት ዚመላለሱ” ከምቲ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረ እተወገደ ሰብኣይ ዝገበሮ ከቢድ ሓጢኣት ኣይፈጸሙን።

እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ “ብዘይ ስርዓት ዚመላለሱ” ሰባት: ብገለ ነገራት ካብ ክርስትና ኣላጊሶም ዝነበሩ ኢዮም። ምምላስ ክርስቶስ ቀሪቡ ኢሎም ብምሕሳቦም ወይ ብምኽንያት ስንፍንኦም ክኸውን ይኽእል ኣይሰርሑን ኢዮም ነይሮም። ብተወሳኺ እውን ‘እናዞሩ’ ህውከት ይፈጥሩ ነበሩ። እቶም ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ምስቲ ጳውሎስ ኣብታ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ዝበሎን ምስቲ ካልእ መለኮታዊ ምኽርን ብምስምማዕ ብተደጋጋሚ መኺሮምዎም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ፍሉጥ ኢዩ። (ምሳሌ 6:⁠6-11፣ 10:⁠4, 5፣ 12:⁠11, 24፣ 24:⁠30-34) ይኹን እምበር: ነታ ጉባኤ ከጽርፍን ናብ ካልኦት ክርስትያናት ከኣ ክመሓላለፍን ዝኽእል መገድታት ካብ ምስዓብ ኣየቋረጹን። ስለዚ ድማ እቲ ክርስትያን ሽማግለ ዝነበረ ጳውሎስ: ኣስማት እቶም ኣሕዋት ከይጠቐሰ: ነቲ ግጉይ መገድታቶም ብምቅላዕ: ነቲ ስርዓት ዘይነበሮ ምምልላሶም ብዙሓት ከም ዘቕልብሉ ገበረ።

ኣብ ርእሲ እዚውን ንኣባላት እታ ጉባኤ ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ ሰባት ‘ምልክት ክገብሩሎም’ ግቡእ ምዃኑ ኣፍሊጥዎም ኢዩ። እዚ ድማ እቶም ኣሕዋት በብውልቆም ነቶም እታ ጉባኤ ንኽትጥንቀቐሉ እተነግራ ግብሪ ዝገብሩ ሰባት ከስተብህሉሎም ከም ዘለዎም ዝሕብር ኢዩ። ጳውሎስ ካብቲ ‘ብዘይ ስርዓት ዝመላለስ ዘበለ ሓው ክፍለዩ’ ከም ዘለዎም ሓቢሩ ኢዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ነቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ክጐስይዎ ማለት ክኸውን ከም ዘይክእል እተረጋገጸ ኢዩ። ከመይሲ ‘ከም ሓው ክምዕድዎ’ ተነጊርዎም ኢዩ። ኣብ ኣኼባታት ምናልባትውን ኣብ ኣገልግሎት ምስቲ ሰብ እቲ ክርስትያናዊ ርክቦም ክቕጽሉ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። እቲ ሓው ንእተዋህቦ ማዕዳ ተቐቢሉ ነቲ ሕማቕ መገድታቱ ክሓድግ ተስፋ ክገብሩ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም።

ካብኡ ‘ዝፍለዩ’ በየናይ መገዲ ኢዮም፧ ኣብ ማሕበራዊ ጕዳያት ከም ዝዀነ እተረጋገጸ ኢዩ። (ምስ ገላትያ 2:12 ኣረኣእዮ።) እቲ ምስኡ ዝነበሮም ማሕበራዊ ጕዳያትን ናይ ምዝንጋዕ ግዜን ምቍራጾም: ስርዓት ዘለዎም ሰባት ንኣካይድኡ ከም ዝጸልእዎ ዘርኢ ኢዩ። ዘይሓፍርን ዘይልወጥን እንተድኣ ዀይኑውን: እንተወሓደ ካልኦት መገድታቱ ኣይማሃሩን ንዕኡ ድማ ኣይመስሉን። ምስናይዚ እውን እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም በብውልቆም ኣብ ዝሃንጽ ነገራት ከተኵሩ ይግባእ። ጳውሎስ “ኣቱም አሕዋትና: ንስኻትኩም ግና ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ” ብምባል መኺሩ ኣሎ።​—2 ተሰሎንቄ 3:​13

እዚ ሃዋርያዊ ምኽሪ እዚ: ነቶም ደቀቕቲ ጕድለታት ወይ ጌጋታት ዝገብሩ ኣሕዋትና ንኸነስተናዕቖም ወይ ንኽንፈርዶም ምኽንያት ከም ዘይከውን እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ግን ንሓደ ብርእዮ ምስ ክርስትና ዝጻረር ሕማቕ መገድታት ዝስዕብ ንምሕጋዝ ኢዩ።

ጳውሎስ እተሓላለኸ መምርሒ ንምፍጣር ዝርዝር ስርዓታት ኣየቘመን። ይኹን እምበር: ሽማግለታት ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ ሰባት ብመጀመርታ ደረጃ ክመኽርዎምን ንኽሕግዝዎም ክፍትኑን ከም ዘለዎም ንጹር ኢዩ። እንተድኣ ዘይተዓዊቶም: እቲ ሰብ ድማ ገና በቲ ሕማቕ መገድታቱ እንተድኣ ቀጺሉ: ናብ ካልኦት ከየስፋሕፍሕ ኸኣ ዘስግእ ምስ ዝኸውን: ነታ ጉባኤ ንኸጠንቅቕዋ ክውስኑ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ብዘይ ስርዓት ናይ ምምልላስ ባህርይ ስለምንታይ ክውገድ ከም ዘለዎ ዘተባብዕ ዝርርብ ክወሃብ መደብ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። ኣስማት ኣይጠቕሱን ኢዮም: ይኹን እምበር እቲ ናይ መጠንቀቕታ ዝርርብ ነቶም ኣወንታዊ ምላሽ ዝህቡ ሰባት ምስቶም ብግልጺ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይስርዓታውነት ዘንጸባርቑ ሰባት ዝነበሮም ማሕበራዊ ርክብ ቀይዲ ንኽገብርሉ ተወሳኺ መጠንቀቕታ ስለ ዝህቦም: እታ ጉባኤ ንኽትዕቈብ ይሕግዛ ኢዩ።

ድሕሪ ገለ ግዜ እቲ ብዘይ ስርዓት ዝመላለስ ሰብ ብመገድታቱ ሓፊሩ ንኽልወጥ ክድረኽ ይኽእል ኢዩ። እቶም ሽማግለታትን ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ካልኦት ኣሕዋትን ነቲ ዝገበሮ ለውጢ ከስተብህልሉ ምስ ጀመሩ: ነቲ ምስኡ ንኸይሓብሩ ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ዝገበርዎ ቀይዲ ከቋርጽዎ እሞ ከም ቀደሞም ክርእይዎ ብሕታዊ ውሳነ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም።

ንምጥቕላል ዝኣክል እምበኣር ሓደ ሰብ ብዘይ ስርዓት ዝመላለስ እንተድኣ ዀይኑ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ሓገዝን ምኽርን ንምሃብ መሪሕነት ይወስዱ ኢዮም። ጌግኡ ዘይርድኦን ኣብ ካልኦት ከኣ ዘይጥዑይ ጽልዋ ምግባር ምስ ዝቕጽልን ግን እቶም ሽማግለታት ንጹር ኣረኣእያ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንጸባርቕ ዝርርብ ብምቕራብ ነታ ጉባኤ ከጠንቅቕዋ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ድማ ምስ ሓደ ኣማኒ ዘይኰነ ኣንጻር ጾታ ዝግበር ምቍጻር: ወይ ካልእ ዘይግቡእ መገድታት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:⁠39፣ 2 ቈረንቶስ 6:⁠14) እቶም ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ዘቕልብሉ ምስቶም ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ ግናኸ ከም ኣሕዋት ክረኣዩ ዘለዎም ሰባት ዝነበሮም ዝዀነ ይኹን ርክብ ደረት ንኽገብርሉ ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ክውስኑ ይኽእሉ ኢዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ ናይ ግሪኽ ቃል ነቶም ሰልፊ ዘይሕልዉ ወይ ስርዓት ዘየኽብሩ ዝነበሩ ወተሃደራትን ነቶም ካብ ትምህርቶም ዘብኵሩ ዝነበሩ ተማሃሮን እውን ተመልክት ነይራ ኢያ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ሽማግለታት ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ ይምዕድዎም: ገና ግን ከም ኣመንቲ ብጾቶም ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ