ፍልስፍና ግሪኽ ንኽርስትና ኣማዕቢልዎዶ ኢዩ፧
“ክርስትና ኣንጻር እቲ ኣረማዊ መበቈል ዘለዎ ባህሊ ግሪኽን ሮሜን እኳ እንተዀነ: ካብቲ ፍልስፍናታቱ ብዙሕ ወሪሱ ኢዩ።”— ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና
ካብ መንጎ እቶም ኣብ ትምህርቲ “ክርስትና” ጉሉሕ ጽልዋ ዝገበሩ ሰባት “ቅዱስ” ኣጉስቲን ብቐዳምነት ዝጥቀስ ኢዩ። ብመሰረት እቲ ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ዝበሎ “እምነት ሓድሽ ኪዳን ምስቲ ኣብ ፍልስፍና ግሪኽ ዘሎ ናይ ፕላቶ ልምዲ ምሉእ ብምሉእ ክተሓዋወስ [ናይ ኣጉስቲን] ኣተሓሳስባ ደራኺ ሓይሊ ነበረ፣ ከምኡውን ውጽኢት ናይዚ ምትሕውዋስ እዚ ናብ ህዝበ-ክርስትያን ማለት ናብታ ኣብ ማእከላይ ዘበን ዝነበረት ናይ ሮማ ካቶሊክን ኣብ ዘመነ ምሕዳስ ዝነበረት ፕሮቴስታንትን ከም ዝመሓለላፍ ዝገበረ እቲ ኣተሓሳስብኡ ኢዩ ነይሩ።”
እቲ ኣጉስቲን ዝሓደጎ ኣሰር ብርግጽ ነባሪ ኢዩ ነይሩ። ዶግላስ ቲ. ሆልደን ፍልስፍና ግሪኽ ንህዝበ-ክርስትያን ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጸለዋ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “እቲ ናይ ክርስትና ትምህርቲ ሃይማኖት ምስቲ ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ኣጸቢቑ ብምትሕውዋሱ 90 ሚእታዊት ናይ ግሪኽ 10 ሚእታዊት ከኣ ናይ ክርስትያን ኣተሓሳስባ ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ከፍሪ ክኢሉ ኢዩ።”
ገለ ምሁራት እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልስፍናዊ ጽልዋ ንኽርስትና ክጅምር ከሎ ኣማዕቢልዎ: ንትምህርትታቱ ኣስፊሕዎ: ከምኡውን ዝያዳ ዘእምን ከም ዝኸውን ገይርዎ ኢዩ ይብሉ። ከምኡ ድዩ ግን ነይሩ፧ ጽልዋ ፍልስፍና ግሪኽ ዝጀመረ ብኸመይን መዓስን ኢዩ፧ ብሓቂ ክርአ ኸሎ: ንኽርስትና ኣማዕቢልዎ ድዩ ወይስ በኪልዎ፧
ነቲ ካብ ሳልሳይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ክሳዕ ሓምሻይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ምዕባለታት ምርኣይ ጠቓሚ ኢዩ። እዚ ኸኣ ነዘን ዝስዕባ ኣርባዕተ ሓደስቲ ስያመታት ብምምርማር ክንገብሮ ንኽእል ኢና:- (1) “ባህሊ ግሪኽ እተሓወሶ ኣይሁድነት” (2) “ክርስትና እተሓወሶ ባህሊ ግሪኽ” (3) “ባህሊ ግሪኽ እተሓወሶ ክርስትና” (4) “ክርስትያናዊ ፍልስፍና።”
“ባህሊ ግሪኽ እተሓወሶ ኣይሁድነት”
እቲ ናይ መጀመርታ “ባህሊ ግሪኽ እተሓወሶ ኣይሁድነት” ምስቲ ድሮ ዝነበረ እምነት ዝጻረር ኢዩ ነይሩ። በቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እተመስረተ ናይ መጀመርታ ሃይማኖት ናይቶም እብራውያን ብትምህርትታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክበላሾ ኣይነበሮን። (ዘዳግም 12:32፣ ምሳሌ 30:5, 6) ይኹን እምበር: ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ እቲ ዝነበረ ናይ ኣምልኾ ንጽህና በቲ ካብ ግብጻውያንን ከነኣናውያንን ባቢሎናውያንን ዝመነጨ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ተግባራትን ኣተሓሳስባን ክብከል ጀመረ። ዘሕዝን ከኣ እስራኤላውያን እቲ ሓቀኛ ኣምልኾኦም ኣጸቢቑ ክሳዕ ዝበላሾ ስቕ ኢሎም ርኣይዎ።—መሳፍንቲ 2:11-13
ዘበናት ጸኒሑ ኣብ መበል ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ጳለስጢና ክፍሊ ናይታ ኣብ ትሕቲ ኣሌክሳንደር ዓቢ ዝነበረት ግሪኽ ምስ ኰነት: እዚ ምብልሻው እዚ ኣጸቢቑ ገደደ: ነባርን ለሓምን ኣሰር ከኣ ገደፈ። ኣሌክሳንደር ንኣይሁዳውያን ኣብ ሰራዊቱ ክኸትቦም ጀመረ። እቲ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ማረኽቶምን ዝነበረ ርክብ ነቲ ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባ ናይ ኣይሁድ ኣጸቢቑ ተንከፎ። እቲ ናይ ኣይሁድነት ትምህርቲ በቲ ኣተሓሳስባ ባህሊ ግሪኽ ተዓብለለ። እቲ ሊቀ-ካህን ዝነበረ ጄይሰን ብ175 ቅ.ኣ.ዘ. ትምህርቲ ሆሜር ንምስፍሕፋሕ ኣብ የሩሳሌም ቤት ትምህርቲ ግሪኽ ከም ዝኸፈተ ይዝረበሉ ኢዩ።
እቲ ዘገርም ሓደ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ሳምራዊ ጸሓፊ: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ታሪኽ ከም ባህላዊ ታሪኽ ግሪኽ ገይሩ ከቕርቦ ጸዓረ። ከም ዮዲትን ጦቢትን ዝበሃል ኣብ መጽሓፍ ኣዋልድ ኣይሁድ ዘሎ መጻሕፍቲ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ስምዒት ዘለዓዕል ናይ ግሪኽ ኣፈ-ታሪኽ ዝገልጽ ኢዩ። ነቲ ናይ ግሪኽ ሓሳባት ምስቲ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖትን መጽሓፍ ቅዱስን ከሰማምዕዎ ዝጽዕሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ዝዓሌቶም ብዙሓት ፈላስፋታት እውን ተቐልቂሎም ኢዮም።
በዚ ዝመጸ ዝያዳ ተፈላጥነት ዘለዎ እቲ ፊሎ ዝበሃል ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ኣይሁዳዊ ኢዩ። ንሰረተ-እምነት ፕላቶ (ኣብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ): ፓይታጎራስ: ከምኡውን እስጦይኮስ መንዚዑ ክጥቀመሉ ጀመረ። ኣይሁድ በቲ ናይ ፊሎ ኣረኣእያ ኣጸቢቖም ተጸልዮም ነበሩ። ብዛዕባ እዚ ናይ ግሪኽ ሓሳባት ናብ ባህሊ ኣይሁድ ምልሓኹ ጸሚቑ ከቕርቦ ከሎ እቲ ኣይሁዳዊ ደራሲ ማክስ ዲሞንት ከምዚ ይብል:- “እቶም ናይ ኣይሁድ ምሁራት በቲ ናይ ፕላቶ ሓሳባት: ናይ ኣሪስቶትል ስነ-ሞገት: ስነ-ፍልጠት ኢኩሊድያን ማዕቢሎም ንቶራህ ብሓድሽ መልክዕ ክትርጕምዎ ጀመሩ። . . . ናብቲ ናይ ኣይሁድ ራእያት ከኣ ናይ ግሪኽ ሓሳባት ከእትዉ ጀመሩ።”
ኣብ መወዳእታ ሮማውያን ንሃጸይ ግሪኽ ብምስዓር ንየሩሳሌም ተቘጻጸርዋ። እዚ ድማ ንዝገደደ ርኡይ ለውጥታት መገዲ ከፈተ። እቶም ንናይ ፕላቶ ሓሳባት ከማዕብልዎን ውህደት ዘለዎ ክገብርዎን ዝጽዕሩ ዝነበሩ ናይ ፍልስፍናውን ሃይማኖታውን ሰረተ-እምነት ሊቃውንቲ ኣብ ሳልሳይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ፍሉጥ ኣንፈት ሓዙ። ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ብሓባር ኒዮፕላቶኒዝም ማለት እተሓደሰ ፍልስፍና ፕላቶ ተባሂሉ ይፍለጥ ኣሎ። እዚ ዓይነት ትምህርቲ እዚ ድማ ኣብ ናይ ክሕደት ክርስትና ዓሚቝ ጽልዋ ነበሮ።
“ክርስትና እተሓወሶ ባህሊ ግሪኽ”
ኣብተን ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ ክፍለ-ዘበናት ከም ኣቈጻጽራ ዘበንና ገለ ምሁራት ኣብ መንጎ ፍልስፍና ግሪኽን ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስን ርክብ ከም ዘሎ ንምርኣይ ብዙሕ ጸዓሩ። እታ ኤ ሂስትሪ ኦቭ ክርስችያኒቲ እትበሃል መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “እቶም ሜታፊዚክስ ዝበሃል ዓይነት ፍልስፍና ዘጽንዑ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቶም ክርስቶስ ቅድሚ ምምጽኡ ዓሰርተታት ዓመታት ይገብር ዝነበሩ ግሪኻውያን ፍልጠት ኣምላኽ ንምርካብ ብድፍረት ግን ከኣ ብዘይ ምስትውዓል ይቃለሱ ከም ዝነበሩ ገይሮም ገለጽዎም። ነዚ ንምርግጋጽ ንየሱስ ምስቲ ዘይጭበጥ ፍልስፍና ግሪኽ: ንክርስትና ኸኣ ምስቲ ባዶ ኣረማዊ ኣተሓሳስባ ከተሓሕዝዎ ነበሮም።”
እቲ ፕሎቲነስ (205-270 ከ.ኣ.ዘ.) እተባህለ ጀማሪ ናይዞም ምሁራት እዚኣቶም: ምሉእ ብምሉእ ኣብ ናይ ፕላቶ ክልሰ-ሓሳብ እተመርኰሰ ኣገባብ ኣማዕበለ። ፕሎቲነስ ነፍሲ ካብ ኣካል እተፈልየት ኢያ ዝብል ኣምር ኣተኣታተወ። ፕሮፌሰር ኢ. ዳብሊው. ሆፕኪንስ ብዛዕባ ፕሎቲነስ ከምዚ በለ:- “እቲ ንሱ ዝፈጠሮ ትምህርቲ ሃይማኖት . . . ኣብቶም መራሕቲ ናይ ክርስትያናዊ ሓሳብ ብርቱዕ ጽልዋ ነበሮ።”
“ባህሊ ግሪኽ እተሓወሶ ክርስትና” ከምኡውን “ክርስትያናዊ ፍልስፍና”
ካብ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዞም ናይ “ክርስትና” መምህራን ነቶም ናይ ኣረማውያን ምሁራት ንኽማርኹ ብርቱዕ ጻዕሪ ገይሮም ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣነጺሩ ካብቲ ‘ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ክርሕቁ’ እንተ ኣጠንቀቐ እኳ: ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መምህራን ኣብቲ ትምህርቶም ካብቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ባህልታት ግሪኽ ሓወሱ። (1 ጢሞቴዎስ 6:20) እቲ ናይ ፊሎ ኣብነት ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስ ናይ ፕላቶ ሓሳብ ምሕዋስ ዝከኣል ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ ዝመስል።—ምስ 2 ጴጥሮስ 1:16 ኣረኣእዮ።
ዝጕዳእ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ግልጺ ኢዩ። እቶም ናይ “ክርስትና” መምህራን ንክርስትና ምስ ናይ ግሪኽን ሮማን ባህሊ ከም ዝሰማማዕ ከርእዩ ጽዒሮም ኢዮም። ክሌመንት በዓል ኣሌክሳንድርያን ኦሪጀንን (ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበሩ) ነቲ እተሓደሰ ፍልስፍና ፕላቶ መሰረት ናይቲ ዳሕራይ “ክርስትያናዊ ፍልስፍና” ተባሂሉ እተጸውዐ ገበርዎ። እቲ ናይ ሚላን ኣቡን ዝነበረ ኣምብሮስ (339-397 ከ.ኣ.ዘ.) “ነቲ ክርስትናን ኣረማውነትን ዝሓዋወሰ ዘመናዊ ናይ ግሪኽ ትምህርቲ ወሰደ። እዚ ኸኣ በቲ ሰዓቢ እተሓደሰ ፍልስፍና ፕላቶ ዝነበረ ኣረማዊ ፕሎቲነስ . . . እተዳለወ ጽሑፋት ኢዩ።” ነቶም ሮማውያን ምሁራት ባህላዊ ክርስትና ከዳልወሎም ጸዓረ። ኣጉስቲን እውን ነዚ ኣብነት እዚ ሰዓበ።
እቲ ምናልባት ሶርያዊ ፈላሲ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል: ኣባል ኣርዮስፋገስ ከኣ ዝነበረ ድዮኒስዩስ (ተምሳል ድዮኒስዩስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ኢዩ) ነቲ እተሓደሰ ፍልስፍና ፕላቶ ምስ ናይ “ክርስትና” ትምህርቲ ሃይማኖት ከሕብሮ ጸዓረ። ሓደ ኢንሳይክሎፔድያ ብዝበሎ መሰረት “ጽሑፋቱ ንዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ኣብ ማእከላይ መዋእል ዝነበረ ናይ ክርስትያን ሰረተ-እምነትን መንፈሳውነትን በቲ እተሓደሰ ፍልስፍና ፕላቶ ኣጸቢቑ ጸልይዎ ኢዩ። . . . እዚ ኸኣ ነቲ ክሳዕ እዚ ግዜና ዝርከብ እተፈላለየ መዳያት ናይቲ ክርስትና ሒዝዎ ዘሎ ሃይማኖትን ኣምልኾን ቅርጺ ከትሕዞ ክኢሉ ኢዩ።” ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ነቲ ‘[ካብ] ጥበብ ዓለምን ከንቱ ምጥባርን ልምዲ ሰብ’ ክርሕቁ ጳውሎስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ቅሉዕ ምጥሓስ ኰን ኢዩ!—ቈሎሴ 2:8
ዘበላሽዉ በከልቲ
“እቶም ክርስትያናት ሰዓብቲ ፕላቶ ንራእያት ቀዳምነት ይህብዎ ምንባሮም: ንትምህርትታት ቅዱሳት ጽሑፋትን ናይ ቤተ-ክርስትያን ልምድን ንምዕቃቡ ኸኣ እቲ ዝበለጸ መሳርሒ ፍልስፍና ፕላቶ ጥራይ ገይሮም ይርእይዎ ምንባሮም” ርዱእ ኢዩ።
ፕላቶ እውን ከይተረፈ ዘይትመውት ነፍሲ ኣላ ኢሉ ከም ዝኣምን ኰይኑ ኢዩ። ሓደ ካብቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ “ክርስትና” ዝኣተወ ፍሉጥ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ኢዩ። ክርስትና ብብዙሓት ህዝብታት ተቐባልነት ከም ዝረክብ ገይርዎ ኢዩ ኢልካ ነዚ ትምህርቲ እዚ ምቕባል ምኽኑይ ክገብሮ ኣይክእልን ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ሕምብርቲ ባህሊ ግሪኽ ዝነበረት ኣቴንስ ክሰብኽ ከሎ ነቲ ብዛዕባ ነፍሲ ዝምልከት ናይ ፕላቶ ሰረተ-እምነት ኣይማሃረን። ዋላ እኳ መብዛሕትኦም ካብቶም ግሪኻውያን ሰማዕቱ ክቕበልዎ ይኸብዶም እንተ ነበረ: ብዛዕባ ትንሳኤ ዝገልጽ ሰረተ-እምነት ክርስትና ኢዩ ዝሰብኽ ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:22-32
ኣንጻር ናይ ግሪኽ ፍልስፍና ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ነፍሲ ኣብ ውሽጢ ሰብ ዘላ ዘይኰነትስ እቲ ሰብ ባዕሉ ምዃኑ ኢዩ ዝገልጽ። (ዘፍጥረት 2:7) ኣብ ግዜ ሞት ነፍሲ ካብ ህላወ ተቋርጽ። (ህዝቅኤል 18:4) መክብብ 9:5 ከምዚ ብምባል ትነግረና:- “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ እሞ: ድሕርዚ ከቶ ረብሓ የብሎምን።” እቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሰረተ-እምነት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኰነን።
ካልእ መስድዒ ኸኣ ምስቲ የሱስ ቅድሚ ሰብ ኰይኑ ናብ ምድሪ ምምጽኡ ምስ ኣቦኡ ማዕረ ኢዩ ነይሩ ዝብል ሓሳብ እተተሓሓዘ ኢዩ። እታ ዘ ቸርች ኦቭ ዘ ፈርስት ስሪ ሰንችሪስ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ሰረተ-እምነት ስላሴ . . . ካብ ሓደ ኣብ ናይ ኣይሁድን ክርስትያናትን ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይነበረ ሓድሽ ነገር ዝመነጨ ኢዩ።” እዚ ምንጪ እዚ እንታይ ኢዩ፧ እዚ ሰረተ-እምነት እዚ “እቶም ብምህሮ ፕላቶ እተዓብለሉ ዓበይቲ ኣብ ክርስትና ኣእትዮም ኣማዕበልዎ።”
ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ: እቶም ናይ ቤተ-ክርስትያን ዓበይቲ ኸኣ በቲ እተሓደሰ ፍልስፍና ፕላቶ ኣጸቢቖም እናተጸልዉ ምስ ከዱ እቶም ስላስያውያን ብዙሓት ሰዓብቲ ረኸቡ። እቲ ኣብ ሳልሳይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ እተሓደሰ ፍልስፍና ፕላቶ: ነቲ ክሰማማዕ ዘይክእል ነገር—ንሰለሰተ ኣምላኽ ሓደ ከም ዝመስል ምግባር—ንኸሰማምዕዎ ኣኽኢልዎም ኢዩ። ብናይ ፍልስፍና ሓሳባት መሰረት ሰለስተ ኣካላት ውልቃውነቶም ከየጥፍኡ ሓደ ኣምላኽ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ገለጹ!
እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቂ ግን ብንጹር የሆዋ ንበይኑ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ: የሱስ ክርስቶስ ካብኡ ዝተሓተ ፍጡር ወዱ: መንፈስ ቅዱስ ከኣ መስለጢ ሓይሉ ምዃኑ ኢዩ ዘርኢ። (ዘዳግም 6:4፣ ኢሳይያስ 45:5፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:4፣ ቈሎሴ 1:15፣ ራእይ 3:14) ሰረተ-እምነት ስላሴ ነቲ እንኮ ሓቀኛ ኣምላኽ ዘሕስር: ንሰባት ዘደናግር: ካብቲ ክርድእዎ ዘይከኣሉ ኣምላኽ ከም ዝርሕቁ ዝገብሮም ኢዩ።
ሓደ ካልእ ግዳይ ጽልዋ እተሓደሰ ፍልስፍና ፕላቶ ዝዀነ ክርስትያናዊ ኣተሓሳስባ ኸኣ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመርኰሰ ሽሓዊ ተስፋ ኢዩ። (ራእይ 20:4-6) ነቶም ኣብ ሽሓዊ ግዝኣት ዝኣምኑ ብምዅናን ዝመጸ ኦሪጀን ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። ነዚ ክርስቶስ ንሓደ ሽሕ ዓመት ከም ዝገዝእ ዝገልጽ ጽቡቕ መሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ሰረተ-እምነት እተጻረሮ ስለምንታይ ኢዩ፧ ዘ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ከምዚ ብምባል ይምልስ:- “እቲ [ኦሪጀን] ዘቘሞ ሰረተ-እምነት ኣብቲ እተሓደሰ ፍልስፍና ፕላቶ እተመስረተ ብምዃኑ . . . ነቶም ኣብ ግዝኣት ሽሕ ዓመት ዝኣምኑ ሰባት ክድግፍ ኣይክእልን ኢዩ።”
እቲ ሓቂ
ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተራእየ ምዕባለታት ሓደ እውን ይኹን ምስ ሓቂ እተተሓሓዘ ኣይነበረን። እዚ ሓቂ እዚ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኵሉ ክርስትያናዊ ትምህርትታት ዘጠቓልል ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:2፣ ቲቶስ 1:1, 14፣ 2 ዮሃንስ 1-4) መጽሓፍ ቅዱስ እቲ እንኮ ምንጪ ሓቂ ኢዩ።—ዮሃንስ 17:17፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16
ይኹን እምበር: እቲ ጸላኢ የሆዋ: ጸላኢ ሓቂ: ጸላኢ ደቅሰብ: ከምኡውን ጸላኢ ዘለኣለማዊ ህይወት: “ቐታል ነፍሲ” ከምኡውን ‘ኣቦ ሓሶት’ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ንሓቂ ንምብልሻው እተፈላለየ መስድዒ መገድታት ይጥቀም ኢዩ። (ዮሃንስ 8:44፣ ምስ 2 ቈረንቶስ 11:3 ኣረኣእዮ።) ሓደ ካብቲ ሰይጣን ንትሕዝቶን ዓይነትን ክርስትያናዊ ትምህርትታት ንምብልሻው እተጠቐመሉ ኣዝዩ ብርቱዕ መሳርሒታት ትምህርትታት ናይቶም ኣረማውያን ዝነበሩ ግሪኻውያን ፈላስፋታት ኢዩ: እዚ ኸኣ ነጸብራቕ ሓሳባቱ ኢዩ።
እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይልሙድ ዝዀነ ምትሕውዋስ ክርስትያናዊ ትምህርትን ፍልስፍና ግሪኽን ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምብራዙ: ነቲ ኣብቶም ትሑታት: ቅኑዓት: ከምኡውን ሓቂ ክማሃሩ ዝደልዩ ሰባት ዝፈጥሮ ዝነበረ ሓይሊ ንምድኻም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 3:1, 2, 19, 20) ነቲ ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ሰረተ-እምነት መጽሓፍ ቅዱስ ንምብልሻው: ከምኡውን ነቲ ኣብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ዘሎ ፍልልይ ደብዛዝ ከም ዝኸውን ንምግባር ኢዩ።
ሎሚ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይቲ ርእሲ እታ ማሕበር ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ኣብ ቦትኡ ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ እቶም ቅኑዓት ደለይቲ ሓቂ ነታ ሓቀኛ ማሕበር ብቐሊሉ ብፍሪኣ ከለልይዋ ይኽእሉ ኢዮም። (ማቴዎስ 7:16, 20) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ነቲ ዘይተበረዘ ማይ ሓቂ ንኽረኽብዎ: ከምኡውን ነቲ ብኣቦና የሆዋ ተዳልዩ ዘሎ ውርሻ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣጽኒዖም ንኽሕዝዎ ክሕግዝዎም ፍቓደኛታትን ቅሩባትን ኢዮም።—ዮሃንስ 4:14፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:19
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
ኣጉስቲን
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ናይ ግሪኽ ጽሑፍ:- ካብታ ብኢዮኒስ ኤን. ዛክሮፖሎስ ብ1957 ኣብ ኣቴንስ እተዳለወት ኤንሸንት ግሪክ ራይተርስ:- ፕላቶስ ፌዶ እትበሃል መጽሓፍ እተወስደ: ፕላቶ:- Musei Capitolini, Roma