ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/9 ገጽ 3
  • ምስጢር ጥዕና ምስኣን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስጢር ጥዕና ምስኣን
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣጀማምራ እቲ ምስጢር
  • ሕማም ዘውርደልና ድያብሎስ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ካብ እኩያት መናፍስቲ ተሓሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንሓይልታት እኩያት መናፍስቲ ተጻረሮም
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • ሓደ ኣባል እታ ስድራቤት ምስ ዝሓምም
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/9 ገጽ 3

ምስጢር ጥዕና ምስኣን

ኦማጂ እትበሃል ንእሽቶ ቈልዓ ውጽኣት ሓመመት። እታ ሃዋ ዝስማ ኣዲኣ ኸኣ ተጨነቐት ከመይሲ ኣብ ዓዲ ትነብር ጓል ሓወቡኣ ኣብ ቀረባ እዋን ብሰንኪ እዚ ሕማም እዚ ጓላ ከም ዝሞተታ ሰሚዓ ኢያ። ንኦማጂ በቦ ዓባያ: ነታ ቘልዓ ናብታ ናይቲ ቀቢላ ጠንቋሊት ክትወስዳ ደለየት። ከምዚ ድማ በለት:- “እኩይ መንፈስ ኢዩ ዘሕምማ ዘሎ። ካብ ሕማም ዝከላኸለላ ክታብ ከይትገብሩላ ኣቢኹም: እነሆ ሕጂ ከሳቕያ ይጅምር ኣሎ!”

ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ዓለም ልሙድ ኢዩ። ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት እኩያት መናፍስቲ እቶም ዘይረኣዩ ጠንቂ ሕማም ኢዮም ኢሎም ይኣምኑ። እዚ ግን ሓቂ ድዩ፧

ኣጀማምራ እቲ ምስጢር

ዘይርኣዩ መናፍስቲ ከም እትሓምም ይገብሩ ኢዮም ኢልካ ኣይትኣምንን ትኸውን። ሊቃውንቲ መብዛሕትኡ ሕማም ብሰንኪ ቫይረስን ባክተርያን ከም ዝመጽእ ስለ ዘረጋገጹ: ሰባት ስለምንታይ መናፍስቲ ኢዮም ዘሕምሙ ኢሎም ከም ዝሓስቡ እውን ይገርመካ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ወድሰብ ብዛዕባ እዞም ብዓይኒ ዘይረኣዩ ሕማም ዘምጽኡ ነፍሳት ዝፈለጠ ካብ ቀደም ጀሚሩ ከም ዘይኰነ ዘክር። ኣብ መበል 17 ክፍለ⁠-​ዘበን ኣንቶኒ ቫን ላቨንሁክ ንማይክሮስኮፕ ምስ ኣመሓየሾ ኢዩ እቶም ብዓይኒ ዘይርኣዩ ነፍሳት ምርኣዮም እተኻእለ። ዋላ ብድሕሪኡ እውን ኣብ መበል 19 ክፍለ⁠-​ዘበን ሉዊስ ፓስተር ብዝገበሮ ምርምር ኢዩ ሕማም ዘምጽኡ ነፍሳት ብኸመይ ከም ዘጥቅዑና ብስነ⁠-​ፍልጠት እተረጋገጸ።

ኣብ መብዛሕትኡ ታሪኽ ወድሰብ ጠንቂ ሕማም እንታይ ምዃኑ ዘይፍለጥ ስለ ዝነበረ: ኵሉ ሕማም ካብ እኩያት መናፍስቲ ኢዩ ዝመጽእ ዝብል ሓሳብ ወሲኽካ ካልእ ፍርሂ ናይ መናፍስቲ ዝገልጽ ብዙሕ ክልሰ⁠-​ሓሳባት ማዕቢሉ ኢዩ። ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ እዚ ክምዕብለሉ ዝኸኣለ ሓደ መገዲ ክገልጽ ከሎ: ናይ ቀደም ፈወስቲ ንሕሙማት ብእተፈላለየ ዓይነት ሰራውር: ኣቝጽልቲ: ከምኡውን ክረኽብዎ ብዝኸኣሉ ዝዀነ ይኹን ነገር ገይሮም ክሕክምዎም ይጽዕሩ ከም ዝነበሩ ይሕብር። ሓድሓደ ግዜ ገለ ካብዚ ኣፋውስ ነቲ ሕሙም የሕውዮ ነበረ። ብድሕሪኡ እቲ ፈዋሲ እቲ እተጠቐመሉ ፈውሲ ብኻልኦት ምእንቲ ከይፍለጥ: ብዙሕ መናፍስታዊ ጽንብልን ካልእ ነገራትን ይገብር። በዚ ኸምዚ እቲ ነታ ፈውሲ ዝፈልጥ ሰብ: ዝሓመሙ ሰባት ኵሉ ሳዕ ናብኡ መጺኦም ከም ዝሕከሙ ይገብር። ስለዚ መድሃኒት ምስጢር ኰነ: ሰባት ድማ ሓገዝ ንኽረኽቡ ንልዕለ⁠-​ባህርይ ዝዀነ ክልምኑ ከም ዘለዎም ተተባብዑ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ባህላዊ ሕክምና ሕጂውን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ይዝውተር ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ሕማም ብመንፈስ ናይ ዝሞቱ ኣባሓጎታት ኢዩ ዝመጽእ ይብሉ። ካልኦት ከኣ ኣምላኽ ሕማም ከም ዘውርደልና እዚውን መቕጻዕቲ ናይ ሓጢኣትና ምዃኑ ይዛረቡ። ብዙሓት እተማህሩ ሰባት ሕማም ብኸመይ ከም ዝመጽእ ምስ ፈለጡ እውን ከይተረፈ ገና ነቲ ካብ ልዕለ⁠-​ባህርይ ዝመጽእ ጽልዋታት ይፈርሑ ይዀኑ።

ጠንቈልትን ብባህላዊ መገዲ ዝሕክሙ ሰባትን ነዚ ፍርሂ እዚ ንኻልኦት ንምምዝማዝ ይጥቀሙሉ ኢዮም። ስለዚ ኣየናይ ኢና ክንኣምን ዘሎና፧ መናፍስቲ ምሕታት ጥዕና ንምርካብ ይሕግዝዶ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢዩ ዝብል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ