ሕማም ዘውርደልና ድያብሎስ ድዩ፧
ሕማም ክህሉ ኣይነበሮን። ኣምላኽ ምስ ፍጹም ጥዕናና ንዘለኣለም ክንነብር ኢዩ ፈጢሩና። እቲ መንፈሳዊ ፍጡር ዝዀነ ሰይጣን ነቶም ቀዳሞት ወለድና: ኣዳምን ሄዋንን: ናብ ሓጢኣት ምስ መርሖም ንደቅሰብ ሕማም: ስቓይ: ከምኡውን ሞት ከጥቅዖም ጀመረ።—ዘፍጥረት 3:1-5, 17-19፣ ሮሜ 5:12
እዚ ግን ኵሉ ሕማም ብቐጥታ ካብ ናይ መናፍስቲ ዓለም ኢዩ ዝመጽእ ማለት ድዩ፧ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ ሎሚ ብዙሓት ሰባት ከምኡ ኢዩ ዝመስሎም። ንኦማጂ ዓባያ መናፍስቲ ጥራይ ከም ዘሕምሙ ኢዩ መሲልዋ። እንተዀነ ግን እቲ ኦማጂ ሓሚማቶ ዝነበረት ኣብ ትሮፒክ ንዝርከቡ ንኣሽቱ ቈልዑ ክቐትል ዝኽእል ሓደገኛ ሕማም ውጽኣት ብሓቂ ብዘይርኣዩ መናፍስቲ ዝመጸ ድዩ፧
ናይ ሰይጣን ግደ
መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሕቶ እዚ ብንጹር ይምልሶ ኢዩ። ቀዳማይ ነገር: መናፍስቲ ናይ ዝሞቱ ኣባሓጎታት ንህያዋን ጽልዋ ክገብሩ ከም ዘይክእሉ ይሕብር። ሰባት ምስ ሞቱ “ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ኢዮም። ከይሞተት እትተርፍ መንፈስ የብሎምን። ኣብቲ ‘ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን ዘይብሉ’ መቓብር ኢዮም ዝድቅሱ። (መክብብ 9:5, 10) ምዉታት ንህያዋን ፈጺሞም ከሕምምዎም ኣይክእሉን ኢዮም!
ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ እኩያት መናፍስቲ ከም ዘለዉ ይገልጽ ኢዩ። ካብ ምሉእ ኣድማስ እቲ ፈለማ ዝዓለወ እቲ ሕጂ ሰይጣን ተባሂሉ ዝፍለጥ መንፈሳዊ ፍጡር ኢዩ። ካልኦት እውን ምስኡ ሓበሩ እሞ ኣጋንንቲ ተባህሉ። ሰይጣንን ኣጋንንትን ሕማም ከምጽኡ ይኽእሉዶ ኢዮም፧ ቅድሚ ሕጂ ንሰባት የሕሚሞሞም ኢዮም። ገለ ካብቲ የሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ተኣምራታዊ ምፍዋስ ኣጋንንቲ ምውጻእ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። (ሉቃስ 9:37-43፣ 13:10-16) እንተዀነ ግን: መብዛሕትኡ የሱስ ዝፈወሶ ዓይነት ሕማም ብቐጥታ ብኣጋንንቲ ዝመጸ ኣይነበረን። (ማቴዎስ 12:15፣ 14:14፣ 19:2) ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ሕማም ካብ ባህርያዊ ዝዀነ ነገራት እምበር ካብ ልዕለ-ባህርይ ኣይኰነን ዝመጽእ።
ብዛዕባ ጥንቆላ ድኣ እሞ እንታይ ኢዩ ዝግበሮ፧ ምሳሌ 18:10 “ስም እግዚኣብሄር ጽኑዕ ግምቢ እዩ: ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቍብ” ብምባል ተረጋግጸልና። ያእቆብ 4:7 “ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ: ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ” ትብለና። እወ: ኣምላኽ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ካብ ጥንቆላን ካልእ ልዕለ-ባህርይ ዝዀነ ሓይልን ይከላኸለሎም ኢዩ። ሓደ ትርጕም ናይቲ የሱስ “እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ዝበሎ እዚ ኢዩ።—ዮሃንስ 8:32
ገለ ሰባት ‘ብዛዕባ እዮብከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ከም ዝሓምም ዝገበሮ እኩይ መንፈስዶ ኸይኰነ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ሰይጣን ንእዮብ ከም ዘሕመሞ ይገልጸልና ኢዩ። ናይ እዮብ ጕዳይ ግን ፍሉይ ኢዩ ነይሩ። እዮብ ንነዊሕ እዋን ኣጋንንቲ ብቐጥታ ምእንቲ ከየጥቅዕዎ መለኮታዊ ዕቝባ ተገይርሉ ነበረ። ድሕርዚ ሰይጣን ንእዮብ ምእንቲ ከጥቅዖ ንየሆዋ ብድሆ ኣቕረበሉ። ዓቢ ክርክር ስለ እተላዕለ ኸኣ የሆዋ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዕቝብኡ ካብ እዮብ ብመጠኑ ኣልገሰ።
ይኹን እምበር: ኣምላኽ ነቲ ፈተና ደረት ገይርሉ ኢዩ። ሰይጣን ንእዮብ ከጥቅዖ ክፈቕደሉ ኸሎ: ንእተወሰነ ግዜ ከሕምሞ እምበር ክቐትሎ ኣይክእልን ኢዩ ነይሩ። (እዮብ 2:5, 6) ኣብ መወዳእታ ናይ እዮብ ስቓይ ተወድአ: ንጽህናኡ ስለ ዝሓለወ ኸኣ የሆዋ ብዙሕ ዓስቢ ሃቦ። (እዮብ 42:10-17) እቲ ናይ እዮብ ንጽህና ዘረጋገጾ መሰረታዊ ስርዓት ካብ ቀደም ኣትሒዙ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ: ንዅሉ ኸኣ ግሁድ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ካልእ ፈተነ ድሕሪ ደጊም ኣየድልን ኢዩ።
ሰይጣን ብኸመይ ኢዩ ዝዓዪ፧
ዳርጋ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ሰይጣን ምስቲ ኣብ ደቅሰብ ዝርአ ሕማም ዘለዎ ምትሕሓዝ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ብምፍታኑን ንሳቶም ኣብ ሓጢኣት ብምውዳቖምን ኢዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንነፍሲ ወከፍ ሕማም ብቐጥታ ኣየምጽኡን ኢዮም። እንተዀነ ግን: ሰይጣን ዘይጥበባዊ ውሳነ ምእንቲ ክንገብርን ኣብ እምነትና ምእንቲ ክንለማመጥን ጽልዋ ንኽገብረልና ካብ ምጽዓር ድሕር ኣይብልን ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ጥዕናና ጕድኣት የምጽእ ይኸውን። ንኣዳምን ሄዋንን ስራይ ኣይገበረሎምን: ከም ዝሞቱ ወይ ከም ዝሓሙ እውን ኣይገበረን። ሄዋን ንኣምላኽ ንኸይትእዘዝ ኣስድዓ ኣዳም ድማ ኣሰኣሰራ ሰዓበ። ሕማምን ሞትን ከኣ ሳዕቤን ናይዚ ኢዩ።—ሮሜ 5:19
ሓደ ግዜ ንጉስ ናይ ሞኣብ ነቶም ስግኣት ዘሕደርሉ ኣብ ዶብ ሞኣብ ሰፊሮም ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል ምእንቲ ክረግመሉ ንሓደ በላዓም ዝስሙ ዘይእሙን ነብዪ ብገንዘብ ዓደጎ። በላዓም ንህዝቢ እስራኤል ክረግም ፈተነ እንተዀነ ግን እቶም ህዝቢ ዕቝባ የሆዋ ስለ ዝነበሮም ኣይኰነሉን። ድሕርዚ ሞኣባውያን ነቶም እስራኤላውያን ኣምልኾ ጣኦትን ጾታዊ ዘይስነ-ምግባራውነትን ንኽፍጽሙ ከስድዕዎም ጸዓሩ። በዚ ሜላ እዚ ተዓወቱ እሞ እስራኤላውያን ዕቝባ የሆዋ ሰኣኑ።—ዘሁልቍ 22:5, 6, 12, 35፣ 24:10፣ 25:1-9፣ ራእይ 2:14
ካብዚ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝዀነ ፍጻመ ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ክንረክብ ንኽእል ኢና። እቶም እሙናት ኣምለኽቲ መለኮታዊ ደገፍ ስለ ዘለዎም ካብ እኩያት መናፍስቲ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ንኸይወርዶም ኣምላኽ የዕቝቦም ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሰይጣን ውልቀ-ሰባት ኣብ እምነቶም ከም ዝለማመጡ ንኽገብር ክጽዕር ይኽእል ኢዩ። ኣብ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ንኽወድቁ ከስድዖም እውን ይጽዕር ኢዩ። ወይ ከኣ ከም ኣንበሳ ብምጕዛም: ፈሪሆም ዕቝባ ኣምላኽ ዘይብልካ ዝገብር ተግባራት ንኽፍጽሙ ይጽዕር ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:8) ስለዚ ድማ ኢዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰይጣን “ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ” ዝበሎ።—እብራውያን 2:14
ንኦማጂ ዓባያ ነቲ ሕማም ንምክልኻል ክታብን ካልእ ናይ ጥንቍልና ነገራትን ንኽትጥቀም ንሃዋ ከተእምና ፈተነት። ሃዋ እቲ እተባህለቶ እንተ ትገብር እንታይ ምዀነ ነይሩ፧ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ምሉእ ትውክልቲ ከም ዘይብላ ምተራእየ ነይሩ: መሊሳ ኣብ ዕቝባኡ ትውክልቲ ክትገብር ድማ ሓይሊ ኣይምረኸበትን ነይራ።—ዘጸኣት 20:5፣ ማቴዎስ 4:10፣ 1 ቈረንቶስ 10:21
ሰይጣን ንእዮብ እውን ከስድዖ ፈቲኑ ኢዩ። ስድርኡ: ሃብቱ: ከምኡውን ጥዕናኡ እኳ እንተ ወሰደሉ በዚ ግን ኣይኣኸሎን። ሰበይቱ እውን “ንኣምላኽ ግዳ ኽሐዶ እሞ ሙት” ብምባል ኣዝዩ ሕማቕ ምኽሪ ሂባቶ ኢያ። (እዮብ 2:9) ብድሕርዚ ሰለስተ “ፈተውቱ” ክበጽሕዎ መጹ እሞ ብሓባር ኰይኖም ንሕማሙ ተሓታቲ ባዕሉ ከም ዝዀነ ከእምንዎ ጸዓሩ። (እዮብ 19:1-3) በዚ ኸምዚ ሰይጣን ነቲ ናይ እዮብ ሕማቕ ኵነታት ተጠቒሙ ተስፋ ከቝርጾን ኣብ ጽድቂ የሆዋ ዘለዎ ምትእምማን ከም ዝዳኸም ክገብሮን ጽዒሩ ኢዩ። እዮብ ግን ከም እንኮ ተስፋኡ ገይሩ ኣብ የሆዋ ምውካል ኣየቋረጸን።—ምስ መዝሙር 55:22 ኣረኣእዮ።
ክንሓምም ከሎና ንሕና እውን ክንጭነቕ ንኽእል ኢና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት: ሰይጣን ኣብ እምነትና ዘለማምጥ ተግባራት ምእንቲ ክንፍጽም ውዓል ሕደር ከይበለ ይፍትነና ኢዩ። ስለዚ: ክንሓምም ከሎና እቲ መሰረታዊ ጠንቂ ናይቲ ስቓይ መብዛሕትኡ ግዜ ዝወረስናዮ ዘይፍጽምና ድኣ እምበር ዘይባህርያዊ ጽልዋ ከም ዘይኰነ ክንፈልጥ ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ እሙን ዝነበረ ይስሃቅ ቅድሚ ሙማቱ ንብዙሕ ዓመታት ዓዊሩ ከም ዝነበረ ኣይትረስዕ። (ዘፍጥረት 27:1) ጠንቂ ናይቲ ሕማም እኩያት መናፍስቲ ዘይኰኑስ እርጋን ኢዩ ነይሩ። ራሄል ክትወልድ ከላ ዝሞተት ብሰንኪ ሰይጣን ዘይኰነስ ብሰብኣዊ ድኻም ኢዩ። (ዘፍጥረት 35:17-19) ኵሎም ናይ ቀደም እሙናት ሰባት ኣብ መወዳእታ ሞይቶም ኢዮም: ምኽንያት መሞቲኦም ግን ድጋም ወይ መርገም ዘይኰነስ ዘይፍጽምና ስለ ዝወረሱ ኢዩ።
ዘይርኣዩ መናፍስቲ ኣብ ኵሉ ሕማም ብቐጥታ ጽልዋ ይገብሩ ኢዮም ኢልካ ምሕሳብ ኣብ መፈንጠራ ምውዳቕ ኢዩ። ንመናፍስቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ከም እትፈርሆም ክገብር ይኽእል ኢዩ። ድሕርዚ ክንሓምም ከሎና ኣብ ክንዲ ካብ ኣጋንንቲ እንርሕቕ ምስኦም ንኽንሰማማዕ ክንፍተን ንኽእል ኢና። ሰይጣን ኣፈራሪሁ ኣብ መናፍስታዊ ተግባራት ከም እንጽጋዕ እንተድኣ ገይሩና: ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ክሒድናዮ ማለት ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 6:15) ንኣምላኽ ከይነጕህዮ ብዝብል ኣኽብሮት ዘለዎ ፍርሂ ድኣምበር ነቲ ተጻራሪኡ ማሪታዊ ፍርሂ ብምርኣይ ኣይኰንና ክንመላለስ ዘሎና።—ራእይ 14:7
ኦማጂ እቶም እኩያት መናፍስቲ ንኸየጥቅዕዋ ዝሓሸ ዕቝባ ኢያ ረኺባ። ኣማኒት ኣደ ስለ ዘላታ: ኣዲኣ ድማ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ምስኣ ምእንቲ ክኸውን ክትጽልየላ ስለ እትኽእል: ብመሰረት እቲ ጳውሎስ ዝበሎ ኣምላኽ ከም ‘ቅድስቲ’ ገይሩ ኢዩ ዝርእያ። (1 ቈረንቶስ 7:14) ሃዋ እዚ ርጡብ ፍልጠት እዚ ስለ ዘለዋ ኣብ ክንዲ ኣብ ክታብ እትጽጋዕ ኦማጂ ጽቡቕ ሕክምና እትረኽበሉ መገዲ ኣናደየት።
እተፈላለየ ጠንቂ ሕማም
ብዙሓት ሰባት ኣብ መናፍስቲ ኣይኣምኑን ኢዮም። ክሓሙ ኸለዉ እኹል ገንዘብ እንተድኣ ሃልይዎም ናብ ሓኪም ኢዮም ዝኸዱ። ርግጽ ኢዩ: ሓደ ሕሙም ናብ ሓኪም ከይዱ ክነሱ ከይሓዊ ይኽእል ኢዩ። ሓካይም ተኣምራት ክገብሩ ኣይክእሉን ኢዮም። እንተዀነ ግን ብዙሓት ማሪታዊ ፍርሂ ዘለዎም ክሓዊ ዝኽእል ሕማም ዝነበሮም ሰባት እቲ ሕማም ኣዝዩ ምስ ከበዶም ኢዮም ናብ ሓኪም ዝኸዱ። ኣብ መጀመርታ ምእንቲ ክፍወሱ ናብ ጠንቈልቲ ይኸዱ: ካብኡ እዚ ምዃን ምስ ኣበዮም ሓገዝ ደልዮም ናብ ሓኪም ይኸዱ። ብዙሓት ድማ ብዘይጠቅም ይሞቱ።
ካልኦት ከኣ ብሰንኪ ድንቍርና ኣብ ዘይዕድሚኦም ይሞቱ። ነቲ ናይ ሕማም ምልክታት ይኹን ካብቲ ሕማም ንምሕዋይ ዝውሰድ ስጕምትታት ኣይፈልጡን ኢዮም። ፍልጠት ብዘይጠቅም ሕማም ንኸይትሳቐ ይሕግዝ። ነተን እተማህራ ኣዴታት ብሰንኪ ሕማም ዝሞቱወን ቈልዑ ካብተን ንዘይተማህራ ኣዴታት ዝሞትወን ቍጽሮም ዝወሓደ ምዃኑ ኣቓልቦ ክግበረሉ ዝግባእ ኢዩ። እወ: ድንቍርና ኣብ ሞት ዘብጽሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ሸለልትነት ከኣ ካልእ ጠንቂ ሕማም ኢዩ። ንኣብነት: ብዙሓት ሰባት ዝሓሙ ንመግቦም ሓሳኹ ኣብ ዘይረኽብዎ ቦታ ስለ ዘየንብርዎ ወይ ኣእዳዎም ከይተሓጽቡ መግቢ ስለ ዘዳልዉ ኢዩ። ኣብ ዓሶ ዘለዎ ከባቢ ናይ ጣንጡ መከላኸሊ ከይገበርካ ምድቃስ ሓደገኛ ኢዩ።a እቲ “ካብ ሓሚምካ ሕክምና ተኸላኺልካ ጥዕና” ዝብልዎ ብሂል ሓቂ ኢዩ።
ብሰንኪ ቅጥዒ ዘይብሉ ኣነባብራ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ሓሚሞምን ኣብ ዘይዕድሚኦም ሞይቶምን ኢዮም። ስኽራን: ጾታዊ ዘይስነ-ምግባራውነት: ሓሽሽ ምውሳድ: ከምኡውን ትምባኾ ምጥቃም ንናይ ብዙሓት ጥዕና ኣበላሽዩ ኢዩ። ሓደ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ኣመላት ምስ ዝህልዎ እሞ ድሓር ከኣ እንተ ሓሚሙ: ካልእ ሰብ ድጋም ስለ ዝገበረሉ ወይ መናፍስቲ ስለ ዘጥቅዕዎ ድዩ ዝሓምም ዘሎ፧ ኣይኰነን። ተሓታቲ ባዕሉ ኢዩ። ንመናፍስቲ ተሓተትቲ ምግባር በቲ ቅጥዒ ዘይብሉ ኣነባብራ ተሓታቲ ንኸይትኸውን ምህዳም ኢዩ።
ርግጽ ኢዩ: ንሓድሓደ ነገራት ክንቈጻጸሮ ኣይንኽእልን ኢና። ንኣብነት: ናብቶም ሕማም ዘምጽኡ ደቀቕቲ ነፍሳት ወይ ንብከላ እተቓላዕና ክንከውን ንኽእል። ንኦማጂ ከምዚ ኢዩ ኣጋጢምዋ። ኣዲኣ ጠንቂ ናይቲ ውጽኣት እንታይ ከም ዝዀነ ኣይፈለጠትን። ቤታን ቀጽራን ብጽርየት ስለ እትሕዝ ከምኡውን ቅድሚ መግቢ ምድላዋ ኣእዳዋ ስለ እትሕጸብ ደቃ ከም ካልኦት ቈልዑ ብዙሕ ግዜ ኣይሓሙን ኢዮም ነይሮም። እንተዀነ ግን ኵሎም ቈልዑ ሳሕቲ ይሓሙ ኢዮም። ገለ 25 ኣቢሎም ዝዀኑ እተፈላለዩ ዓይነት ደቀቕቲ ነፍሳት ውጽኣት ከምጽኡ ይኽእሉ ኢዮም። ኣየናይ ንኦማጂ ከም ዘሕመማ ክፈልጥ ዝኽእል የለን: ናይ ምሕማም ኣጋጣሚ ግን ኣሎ።
ነባሪ ፍታሕ
ኣምላኽ ንሕማም ኣየምጽኦን። “ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ።” (ያእቆብ 1:13) ሓደ ካብ ኣምለኽቱ እንተ ሓሚሙ: የሆዋ ብመንፈሳዊ ነገራት ይሕብሕቦ ኢዩ። “ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ: እግዚኣብሄር ይድግፎ። ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ።” (መዝሙር 41:3) እወ: ኣምላኽ ይድንግጽ ኢዩ። ክሕግዘና እምበር ክጐድኣና ኣይደልን ኢዩ።
የሆዋ ንሕማም ነባሪ ፍታሕ ከምጽኣሉ ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ። እዚ ድማ ብሞትን ትንሳኤን የሱስ ኢዩ ዝገብሮ። እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ብናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ ካብ ሓጥእ ኵነታቶም ንኽድሕኑ በጅነት ተኸፊልሎም ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ፍጹም ጥዕና ረኺቦም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ኢዮም። (ማቴዎስ 5:5፣ ዮሃንስ 3:16) የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ከም መርኣያ ናይቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ ሓቀኛ ምፍዋስ ኢዩ። ብተወሳኺውን ኣምላኽ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ከጥፍኦም ኢዩ። (ሮሜ 16:20) የሆዋ ነቶም ኣብኡ እምነት ዘሕድሩ ሰባት ዘደንቕ ነገራት ክገብረሎም ምዃኑ እተረጋገጸ ኢዩ። ክንዕገስን ክንጽመምን ጥራይ ኢዩ ዘሎና።
ክሳዕ ሽዑ ግን ኣምላኽ ብመጽሓፍ ቅዱስን በቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ናይቶም እሙናት ኣምለኽቱን ኣቢሉ ተግባራዊ ጥበብን መንፈሳዊ መምርሕን ይህብ ኢዩ። ናይ ጥዕና ጸገማት ዘምጽእ ክፉእ ኣመላት ብኸመይ ከም እነጥፍእ ይሕብረና ኢዩ። ጸገም ከጋጥመና ከሎ ዝሕግዙና ሓቀኛታት ኣዕሩኽ ከም እንረክብ ድማ ይገብር።
ብዛዕባ እዮብ እሞ እንደገና ሕስብ ኣብል። ናብ ጠንቋሊ እንተ ዝኸይድ: እቲ ዝገበሮ ነገር ኣዝዩ ሕማቕ ምዀነ ነይሩ! ዕቝባ ኣምላኽ ምሰኣነ ነይሩ: ነቲ ድሕሪ ፈተንኡ ክረኽቦ ዝኽእል ዝነበረ ኵሉ በረኸታት እውን ኣይምረኸቦን ነይሩ። ኣምላኽ ንእዮብ ኣይረስዖን: ንዓና እውን ኣይርስዓናን ኢዩ። እቲ ወደ መዝሙር ያእቆብ “ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም . . . ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ አሎኹም” በለ። (ያእቆብ 5:11) ተስፋ እንተ ዘይቈሪጽና ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ዘደንቕ በረኸታት ክንሓፍስ ኢና።
ኦማጂ እንታይ ኰነት፧ ኣዲኣ ኣብታ ምስ ግምቢ ዘብዐኛ ሓቢራ እትሕተም ንቕሑ! እትበሃል መጽሔት ብዛዕባ ብኦኣርኤስ ገይርካ ዝግበር ሕክምና እትገልጽ ዓንቀጽ ዘከረት።b ነቲ መምርሒታት ብምስዓብ ድማ ንኦማጂ ነቲ ፈሳሲ ኣዳለወትላ። ሕጂ እታ ንእሽቶ ጓል ምስ ምሉእ ጥዕናኣ ብጽቡቕ ትነብር ኣላ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ዳርጋ ፍርቂ ቢልዮን ኣቢሎም ዝዀኑ ሰባት ዓሶ ኣለዎም። ኣብ ዓመት ክልተ ሚልዮን ኣቢሎም ዝዀኑ: መብዛሕትኦም ካብ ኣፍሪቃ: በዚ ሕማም እዚ ይሞቱ።
b ኣብ ናይ 22 መስከረም 1985 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 24-5 ዘሎ “እቲ ህይወት ብዙሓት ዘድሕን ጨው ዘለዎ ፈሳሲ!” ዝብል ኣርእስቲ ርአ።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእልታት]
የሆዋ ንሕማም ነባሪ ፍታሕ ንኸምጽኣሉ ምድላው ገይሩ ኣሎ