ካብ ልቢ ይቕረ በሉ
“ነፍሲ ወከፍኩም ነንሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ: እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።”—ማቴዎስ 18:35
1, 2. (ሀ) ሓንቲ ፍልጥቲ ዝነበረት ሓጢኣተኛ ንየሱስ ዝነበራ ሞሳ ብኸመይ ኣርኣየት፧ (ለ) ከም ምላሽ ናይዚ የሱስ እንታይ ነጥቢ ኢዩ ዘጕልሐ፧
ምናልባት ኣብ ቤት ናይ ሓደ ሃይማኖታዊ ሰብ ክትጸንሓካ ዘይትጽበያ ኣመንዝራ ኢያ ነይራ ትኸውን። ኣብቲ ገዛ ብምንባራ ጥራይ ገሊኦም ሰባት እንተድኣ ሰንቢዶም: እቲ ዝገበረቶ ዝያዳ ዘሰንብድ ኢዩ ነይሩ። ናብቲ ዝለዓለ ስነ-ምግባራዊ ኣቕዋም ዝነበሮ ሰብኣይ ቀረበት እሞ ነቲ ዝገበሮ ነገራት ሞሳ ንምግላጽ ነእጋሩ ብንብዓታ ሓጸበቶ: ብጸጕሪ ርእሳ ድማ ኣንቀጸቶ።
2 እቲ ሰብኣይ የሱስ ኢዩ ነይሩ: ነታ ‘ኣብቲ ዓዲ ዝነበረት ሓጢኣተኛ ሰበይቲ’ ድማ ኣይተጸየፋን። እቲ ንየሱስ ኣብ ገዝኡ ዝዓደሞ ስምኦን ዝብሃል ፈሪሳዊ ግን ሓጢኣተኛ ምዃና ኣተሓሳሲብዎ ኢዩ። የሱስ ድማ ብዛዕባ ክልተ ሰብ ዕዳ ዝዀኑ ሰብኡት ብምንጋር መለሰሉ። እቲ ሓደ ዳርጋ ናይ ክልተ ዓመት ደሞዝ ሰራሕተኛ ዝኸውን ብዙሕ ዕዳ ኢዩ ነይርዎ። ዕዳ ናይቲ ኻልኣይ ከኣ ሓደ ዕስሪት ናቱ ኢዩ ነይሩ። እዚ ድማ ካብ ናይ ሰለስተ ወርሒ ደሞዝ ዝውሕድ ኢዩ ነይሩ። ክልቲኦም ነቲ ዘለቅሖም ሰብ ክኸፍልዎ ዓቕሚ ምስ ሰኣኑ “ንኽልቲኦም ሐደገሎም።” እቲ ዝያዳ እተሓድገሉ ፍቕሪ ንኸርኢ ዝያዳ ምኽንያት ከም ዘለዎ ንጹር ኢዩ። የሱስ ነዚ ምስ ሕያውነት ናይታ ሰበይቲ ድሕሪ ምትሕሓዙ ‘እቲ ሒደት ዝሕደገሉ ሒደት ኢዩ ዘፍቅር’ በለ። ነታ ሰበይቲ ድማ “ሓጢኣትኪ ተሐዲጉልኪ” በላ።—ሉቃስ 7:36-48
3. ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ክንሓስበሉ ዘሎና ነገር እንታይ ኢዩ፧
3 ‘ኣነ እታ ሰበይቲ ነይረ እንተ ዝኸውን ወይ ምስ ኵነታታ ዝመሳሰል ነገር እንተ ዘጋጥመኒ እሞ ምሕረት እንተ ዝግበረለይ: ብጭካነ ንኻልኦት ይቕረ ምባል ምኣበኹዶ፧’ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ሕተት። ምናልባት ‘ብፍጹም ከምኡ ኣይምገበርኩን!’ ኢልካ ትምልስ ትኸውን። ይኹን እምበር: ብሓቂዶ ይቕረ ናይ ምባል ዝምባለ ኣለካ ኢዩ፧ እዚ እቲ ቐንዲ ባህሪኻ ድዩ፧ ብዙሕ ግዜ ይቕረ ንምባል ድሉው ዲኻ: ካልኦትከ ብዛዕባኻ ይቕረ በሃሊ ኢዩ ኢሎም ድዮም ዝዛረቡ፧ እስከ ነፍሲ ወከፍና ነዚ ጕዳይ እዚ ብቕንዕና ክንምርምሮ ዝግብኣና ስለምንታይ ምዃኑ ንርአ።
ይቕረታ የድልየናን ይግበረልናን
4. ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ክንቅበሎ ዝግብኣና እንታይ ሓቂ ኢዩ፧
4 ኵላትና ዘይፍጹማት ምዃንና ጽቡቕ ገይርካ ትፈልጥ ኢኻ። እንተ ተሓቲትካውን ምናልባት ነቲ “ሓጢኣት የብልናን: እንተ በልና: ንርእስና ንጥብራ አሎና: እታ ሓቂውን ኣባና የላን” ዝብል ኣብ 1 ዮሃንስ 1:8 ዘሎ ቃላት ብምዝካር ዘይፍጹም ምዃንካ ኣፍልጦ ትህበሉ ትኸውን። (ሮሜ 3:23፣ 5:12) ገሊኦም ሰባት ሓጢኣተኛታት ምዃኖም ከቢድን ዘሰንብድን ሓጢኣት ብምፍጻም የርእይዎ ይዀኑ። እንተዀነ ግን ዋላ እኳ ከምዚ ዝበለ እናፈለጥካ ዝገበርካዮ ሓጢኣት እንተ ዘይሃለወ: ብዙሕ ግዜን ብብዙሕ መገድታትን ካብ ስርዓታት ኣምላኽ ጐዲልካ ማለት ሓጢእካ ኢኻ። እዝስ ሓቅዶ ኸይኰነ፧
5. ንኣምላኽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ከነመስግኖ ዝግብኣና፧
5 ስለዚ ኵነታትካ ምስቲ “ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ: ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን መዊትኩም ንዝነበርኩም: ንኣኻትኩምውን ምስኡ [የሱስ] ህያዋን ገበረኩም” ዝብል ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ መግለጺ ይሰማማዕ ይኸውን። (ቈሎሴ 2:13፣ ኤፌሶን 2:1-3) ነታ “ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ” ትብል ሓረግ ኣስተብህለላ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ብዙሕ ነገር ዘጣምር ኢዩ። ነፍሲ ወከፍና ከምቲ ዳዊት ዝገበሮ “ዎ እግዚኣብሄር: በደለይ ዓብዪ እዩ እሞ: ስለ ስምካ ኢልካ ይቕረ በለለይ” ኢልና ክንልምን ምኽንያት ኣሎና።—መዝሙር 25:11፣ ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
6. ብዛዕባ የሆዋን ይቕረ ምባልን ርግጸኛታት ክንኰኖ እንኽእል እንታይ ኢዩ፧
6 ንስኻ ወይ ዝዀነ ይኹን ካልእ ሰብ ይቕረ ክብሃለሉ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ እቲ ቀንዲ ምስጢር የሆዋ ኣምላኽ ይቕረ ናይ ምባል ዝምባለ ስለ ዘለዎ ኢዩ። እዚ እቲ ኣውራ መለለዪ ናይ ባህሪኡ ኢዩ። (ዘጸኣት 34:6, 7፣ መዝሙር 86:5) ኣምላኽ ናብኡ ብጸሎት ቀሪብና ምሕረቱ ክንረክብን ይቕረ ክብለልናን ክንሓቶ ከም ዝጽበየና ርዱእ ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 6:21፣ መዝሙር 103:3, 10, 14) ይቕረ ንኽብል ዘኽእሎ ሕጋዊ መሰረት ድማ በቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ኣቢሉ ኣዳልዩ ኢዩ።—ሮሜ 3:24፣ 1 ጴጥሮስ 1:18, 19፣ 1 ዮሃንስ 4:9, 14
7. ንየሆዋ ክትመስሎ ዝግብኣካ በየናይ መገዲ ኢዩ፧
7 ኣምላኽ ይቕረ ንምባል ፍቓደኛ ምዃኑ ንስኻ እውን ንኻልኦት ሰባት ብኸመይ ክትሕዞም ከም ዘሎካ ኣብነት ዝኸውን ኢዩ። ጳውሎስ “ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም: ይቕረ ተባሃሀሉ” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ብዛዕባ እዚ ኢዩ ኣተኲሩ። (ኤፌሶን 4:32) እቲ ጳውሎስ ዘቕረቦ ነጥቢ ካብ ኣብነት ኣምላኽ ክንማሃር ከም ዘሎና ዝሕብር ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ: ከመይሲ እታ ቀጺላ ዘላ ጥቕሲ “ደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ” ኢያ ትብል። (ኤፌሶን 5:1) ብኸመይ ከም እተተሓሓዘ ኣስተብሂልካሉዶ፧ የሆዋ ኣምላኽ ይቕረ ኢሉልካ ኢዩ: ስለዚ ንዕኡ ክትመስልን ንኻልኦት ‘እትልውህን እትድንግጽን ይቕረ እትብልን’ ክትከውን የድልየካ ብምባል ኢዩ ጳውሎስ ኣትሪሩ ዝዛረብ ዘሎ። እንተዀነ ግን ‘ከምኡ እገብርዶ ኣለኹ፧ ባህርያዊ ዝምባለይ እንተ ዘይኰይኑኸ ይቕረ በሃሊ ኣብ ምዃን ንኣምላኽ ብሓቂ ክመስል እጽዕርዶ ኣለኹ፧’ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ሕተት።
ይቕረ በሃልቲ ንምዃን ክንጽዕር የድልየና
8. ጉባኤና ብኸመይ ዝበሉ ሰባት ከም ዝቘመት ኢና ኣፍልጦ ክንህበሉ ዝግብኣና፧
8 ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነዚ ኣምላኻዊ ዝዀነ ይቕረ ናይ ምባል ባህሪ ከተርኢ ዘሎካ ኣጋጣሚታት ሒደት እንተ ዝኸውን ሰናይ ምዀነ ነይሩ። እቲ ክውን ነገር ግን ኣንጻር ናይዚ ኢዩ። ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነቲ የሱስ ዘገደፎ ኣብነት ናይ ፍቕሪ ክስዕቡ ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ፍሉጥ ኢዩ። (ዮሃንስ 13:35፣ 15:12, 13፣ ገላትያ 6:2) ነቲ ኣብዛ እክይቲ ዓለም ልሙድ ዝዀነ ኣተሓሳስባን ኣዘራርባን ተግባራትን ንኽጥንጥኑ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዞም ዝጸዓርሉን ሕጂውን ዝጽዕርሉ ዘለዉን ኢዩ። ብሓቂ ነቲ ሓድሽ ሰብነት ከንጸባርቑ ኢዮም ዝደልዩ። (ቈሎሴ 3:9, 10) ይኹን እምበር: እታ ዓለምለኻዊት ማሕበርን እታ ጉባኤኻን ብዘይፍጹማት ሰባት ዝቘማ ምዃነን ሸለል ክንብሎ ዘይንኽእል ሓቂ ኢዩ። ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበርዎ ዝሓሹ ኢዮም: እንተዀነ ግን ገና ዘይፍጹማት ኢዮም ዘለዉ።
9, 10. ኣብ መንጎ ኣሕዋት ሽግር ምስ ዝለዓል ክንግረም ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧
9 ኣምላኽ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ኣብ ጉባኤ: ኣብ መንጎ ኣሕዋትን ኣሓትን ሳዕቤን ዘይፍጽምና ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣቐዲሙ ነጊሩና ኣሎ። ንኣብነት ነቲ ኣብ ቈሎሴ 3:13 ተጠቒሱ ዘሎ ከምዚ ዝብል ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ቃላት ኣስተብህለሉ:- “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ [“የሆዋ:” NW ] ይቕረ ዝበለልኩም: ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ።”
10 መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽ ንዓና ይቕረ ምባሉ ከምኡውን ንሕና ንኻልኦት ይቕረ ንኽንብል ዘሎና ግዴታን ኣድላይነትን ዘሎ ርክብ ደጊሙ ምዝኽኻሩ ትርጕም ዘለዎ ኢዩ። እዚ ኣጸጋሚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ጳውሎስ ሓደ ሰብ ኣብ ሓዉ ‘ኽሲ ክህልዎ’ ከም ዝኽእል ተቐቢልዎ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ምኽንያታት ክህሉ ከም ዝኽእል ኣስተውዒሉ ኢዩ። ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣብ መንጎ እቶም ‘ኣብ ሰማያት ተስፋ ዝነበሮም ቅዱሳን’ ክርስትያናት እውን ከይተረፈ ንኽሲ ምኽንያት ዝኸውን ነገራት ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። (ቈሎሴ 1:2, 5) ስለዚ: ሎሚ ኣብቲ መብዛሕትኦም ሓቀኛታት ክርስትያናት “ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን” ምዃኖም ምስክርነት መንፈስ ቅዱስ ዘይረኽቡሉ ግዜ ካብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን እተፈልየ ክኸውን ዲና ንሓስብ፧ (ቈሎሴ 3:12) ስለዚ ኣብ ጉባኤና ንኽሲ ምኽንያት ዝኸውን ነገራት ምስ ዝህሉ ፈጺሙ ጌጋ ኢዩ ኢልና ክንሓስብ የብልናን። እዚ ኽሲ ብምኽንያት እተፈጸመ በደል ወይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ኢልካ ብምሕሳብ ዝመጽእ ናይ ስምዒት ምጕዳእ ክኸውን ይኽእል።
11. ወደ መዝሙር ያእቆብ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ኣጠንቂቑና፧
11 ቃላት ናይቲ ንየሱስ ብኣዲኡ ሓዉ ዝነበረ ያእቆብ እውን ንኣሕዋትና ይቕረ ክንብለሎም ዝሓትት ኵነታት ሓድሓደ ግዜ ከጋጥመና ክንጽበ ከም ዘሎና የርኢ። “ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣኻይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርኢ። መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና: ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሐስዉን።” (ያእቆብ 3:13, 14) ኣብ ልቢ ክርስትያናትሲ “መሪር ቅንእን ሻራን” ክህሉ ይኽእል ኢዩ ማለት ድዩ፧ እወ: ቃላት ያእቆብ ኣብታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ጉባኤ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ይርአ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝሕብር: ሎሚ እውን ክርአ ይኽእል ኢዩ።
12. ኣብታ ጥንታዊት ጉባኤ ፊልጲ እንታይ ሽግር ኢዩ ዘጋጠመ፧
12 ኣብ መንጎ ክልተ ኣብ ጐኒ ጳውሎስ ዘገልግላ ዝነበራ ቅቡኣት ክርስትያናት እተፈጸመ ኣብነት ኣሎ። ብዛዕባ እተን ኣባላት ጉባኤ ፊልጲ ዝነበራ ኤዎድያን ስንጥኬን ከም ዘንበብካ ትዝክር ትኸውን። እቲ ጕዳይ ብዝርዝር ዘይተገልጸ እኳ እንተዀነ ፊልጲ 4:2, 3 ኣብ መንጎአን ገለ ሽግር ከም ዝነበረ ኢዩ ዝሕብር። ክጅምር ከሎ ብዘይምሕሳብ: ሕያውነት ዘይብሉ ቃላት ብምውሳእ: ብምንዓቕ ወይ ገለ ዓይነት ናይ ውድድር ቅንኢ ብምርኣይ ክኸውን ይኽእልዶ፧ ኣጀማምራኡ እንታይ ከም ዝነበረ ብዘየገድስ: ኣዝዩ ከቢድ ብምንባሩ ጳውሎስ ካብ ርሑቕ ኣብ ሮሜ ኰይኑ ኢዩ ሰሚዕዎ። ኣብ መንጎ እዘን ክልተ መንፈሳውያን ኣሓት እዚኣተን ከይተዘራረብካ ስቕ ምባል ማዕቢሉ ነይሩ ይኸውን ኢዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ኣኼባታት ከም ዝረሓሓቓ: ወይ ከኣ ምስ መሓዙተን ኰይነን ሓንቲ ብዛዕባ እታ ሓንቲ ሕማቕ ዘረባ ከም ዝዛረባ ገይሩወን ኢዩ።
13. ኣብ መንጎ ኤዎድያን ስንጥኬን ዝነበረ ዘይምርድዳእ ብኸመይ ተፈቲሑ ክኸውን ይኽእል: እንታይ ትምህርቲ ኢዩኸ ዝህበና፧
13 እዝስ ንገለ ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ሰባት ከጋጥሞም ዝረኣኻዮ: ወይ ንዓኻ እውን ክትንክፈካ ዘስተብሃልካሉ ልሙድ ነገር ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ ከምዚ ዓይነት ሽግር ሎሚ እውን የጋጥም ኢዩ። እንታይ ኢና ክንገብር እንኽእል፧ ኣብቲ ጥንታዊ ፍጻመ ጳውሎስ ነዘን ውፉያት ኣንስቲ “ሓሳበን ብጐይታ ሓንቲ ኽትከውን” ተላብይወን ኢዩ። ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ሃዋሁ ንምዕራይ: ይቕረ ንኽበሃሃላ ክልቲአን ፍቓደኛታት ምዃነን ንምርኣይ: ካብኡ ድማ ይቕረ ኣብ ምባል ንየሆዋ ምእንቲ ክመስላ ነቲ ጕዳይ ክዘራረባሉ ተሰማሚዐን ይዀና ኢየን። ኤዎድያን ስንጥኬን ተዓዊተን ኢየን ኢልና ንኸይንሓስብ ዝኽልክለና ምኽንያት የለን: ንሕናውን እንተዀነ ክንዕወት ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝዓይነቱ ይቕረ ናይ ምባል ኣረኣእያ ሎሚ እውን ብዓወት ክፍጸም ይኽእል ኢዩ።
ሰላም ግበር—ይቕረ በል
14. ብዙሕ ግዜ ነቲ ዝፍጠር ብሕታዊ ፍልልያት ሸለል ኢልካ ክትሓልፎ ዝከኣልን ዝበለጸ ዝኸውንን ስለምንታይ ኢዩ፧
14 ምስ ካልኦት ክርስትያናት ጸገም ከጋጥመካ ከሎ ይቕረ ንኽትብል እንታይ ይሓትት፧ ብሓቂ ከምዚ ኢዩ እትብሎ ቀሊል ኣገባብ የለን: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ሓጋዚ ኣብነታትን ተግባራዊ ምኽርን ይህበና ኢዩ። ንኽትቅበሎን ክትገብሮን ቀሊል እኳ እንተ ዘይኰነ እቲ ቀንዲ ምኽሪ: ነቲ ጕዳይ ምርሳዕ: ሸለል ኢልካ ምሕላፉ ኢዩ። ብዙሕ ግዜ ከምቲ ኣብ መንጎ ኤዎድያን ስንጥኬን ዝነበረ ዓይነት ጸገም ክህሉ ከሎ: ነፍሲ ወከፍ ሰብ እቲ ሓደ ወገን በዳሊ ኢዩ ዝብል ስምዒት ኢዩ ዝህልዎ። ስለዚ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት: እቲ ቀንዲ ዝውቀስ ወይ ዝያዳ ጕድኣት ዝፈጸመ እቲ ሓደ ክርስትያን ኢዩ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ይኹን እምበር: ነቲ ጕዳይ ይቕረ ብምባል ጥራይ ክትገድፎ ትኽእልዶ፧ ቀንዲ በደለኛ እቲ ሓደ ክርስትያን ጥራይ ክኸውን ዘይክእል እኳ እንተ ዀነ: ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ ግን ነቲ ጕዳይ ይቕረ ብምባል ንኽትሓልፎ ብቐዳምነት ኣጋጣሚ ዘለካ ንስኻ ኢኻ።
15, 16. (ሀ) ሚክያስ ንየሆዋ ብኸመይ ኢዩ ገሊጽዎ፧ (ለ) ኣምላኽ ‘በደል ዘሕልፍ ኢዩ’ ክብሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
15 ይቕረ ናይ ምባል ኣብነትና ከም ምዃኑ መጠን ንኣምላኽ ምምሳል ሸለል ኣይንበሎ። (ኤፌሶን 4:32-5:1) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንጌጋታት ይቕረ ኣብ ምባል ዘለዎ ሜላ ክዛረብ ከሎ ነብዪ ሚክያስ ከምዚ ይብል:- “ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ: ኣበሳ ዚሐድግ: ነቲ በደል ካብቶም ተረፍ ርስቱ ዜሕልፍ መን እዩ፧ ምሕረት እዩ ዚፈቱ እሞ: ኵራኡ ንዘለአለም ኣይዐቍርን።”—ሚክያስ 7:18
16 መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ‘በደል ዘሕልፍ ኢዩ’ ኢሉ ምግላጹ: እናመረጸ ዝርስዕ ብምዃኑ ነቲ ጌጋ ክዝክሮ ኣይክእልን ኢዩ ማለቱ ኣይኰነን። ብዛዕባ እቶም ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸሙ ሳምሶንን ዳዊትን ሕሰብ። ኣምላኽ ድሕሪ ነዊሕ እዋን እውን እንተዀነ ነቲ ሓጢኣቶም ዘኪርዎ ኢዩ። የሆዋ እቲ ሓጢኣት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝጽሓፍ ስለ ዝገበሮ ንሕና እውን እንተዀንና ንፈልጦ ኢና። እንተዀነ ግን እዚ ይቕረ ዝብል ኣምላኽና ንኽልቲኦም ክንመስሎም ዝግብኣና ናይ እምነት ኣብነታት ገይሩ ኣብ ቅድሜና ብምቕማጥ ምሕረት ኣርኢዎም ኢዩ።—እብራውያን 11:32፣ 12:1
17. (ሀ) ነቲ ካልኦት ኣብ ልዕሌና ዝፍጽምዎ ጌጋን በደልን ንኽንሓልፎ ዝሕግዘና ከመይ ዝበለ ኣቀራርባ ኢዩ፧ (ለ) ከምኡ ክንገብር ምስ እንጽዕር ንየሆዋ እንመስሎ ብኸመይ ኢና፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)
17 እወ: የሆዋ ከምቲ ዳዊት እውን ደጋጊሙ ዝሓቶ ዝነበረ ኣበሳ ‘ከሕልፍ’a ክእለት ኣለዎ። (2 ሳሙኤል 12:13፣ 24:10) ነቲ ብጾትና ኣገልገልቲ ብዘይፍጽምና ኣብ ልዕሌና ዝፍጽምዎ ንዕቀትን በደልን ብምሕላፍ ንኣምላኽ ክንመስሎ ንኽእልዶ ኢና፧ ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ሓንቲ ንላዕሊ ንኽትነፍር ኣብቲ ጽርግያ ናይ ነፈርቲ እትሕምበብ ዘላ ጀት ከም ዘለኻ ገይርካ እሞ ሕሰብ። ብመስኮት ናብ ደገ ክትጥምት ከሎኻ ሓደ እትፈልጦ ግን ብዙሕ ሌላ ዘይብልካ ሰብ ከም ቈልዓ መልሓሱ ብምውጻእ ናይ ንዕቀት ምልክት ክገብረልካ ትርእዮ ንበል። ሓሪቑ ከም ዝነበረ እሞ ንዓኻ ከምኡ ይገብረልካ ከም ዘሎ ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ወይ ከኣ ፈጺሙ ብዛዕባኻ ኣይሓሰበን ክኸውን ይኽእል። ዝዀነ ዀይኑ እታ ነፋሪት ተላዒላ ብልዕሊ እቲ ከም ነጥቢ መሲሉ ዝርአ ሰብ ትሓልፍ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ድማ ብኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ርሒቕካ ትኸይድ: እቲ ዘጕሂ ተግባራት ናይቲ ሰብ ድማ ትርስዖ። ብተመሳሳሊ: ንየሆዋ ክንመስል ምስ እንፍትንን ብጥበብ ነቲ ኣበሳ ምስ እንሓልፎን ይቕረ ንኽንብል ብዙሕ ግዜ ይሕግዘና ኢዩ። (ምሳሌ 19:11) እቲ በደል ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ወይ ኣብቲ መጀመርታ ክልተ ሚእቲ ዓመታት ናይቲ ሽሓዊ ግዝኣት ኣዝዩ ንእሽቶ ኰይኑዶ ኣይርኣየናን፧ ስለምንታይ ድኣ እሞ ነቲ ኣበሳ ሕልፍ ዘይንብሎ፧
18. ዝወረደና በደል ክንርስዖ ምስ ዘሸግረና እንታይ ምኽሪ ኢና ኣብ ተግባር ከነውዕል እንኽእል፧
18 ሓድሓደ ግዜ ግን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ጸሊኻን ይቕረ ክትብል ፈቲንካን ከተበቅዕ ከም ዘይትኽእሎ ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። እሞኸ እንታይ ትገብር፧ የሱስ ናብቲ ሓደ ወገን ኬድካ ሰላም ንምምጻእ ነቲ ፍልልያት ባዕልኻ ክትፈትሖ ክትፍትን ኢዩ ዝምዕድ። “እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ: ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ: ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ: ኪድ: ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ: ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።”—ማቴዎስ 5:23, 24
19. ምስ ሓውና ሰላም ክንገብር ከሎና እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ክህልወና ዘለዎ: እንታይከ ከነወግድ ይግብኣና፧
19 የሱስ ናብ ሓውካ ኪድ እሞ ንስኻ ቕኑዕ ንሱ ድማ በደለኛ ከም ዝነበረ ኣረድኣዮ ኣይኰነን ዝበለ። ምናልባት ተጋግዩ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብወገን ክልቴኹም እውን ጌጋ ነይሩ ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ ዕላማ ናይቲ ምዝርራብ እቲ ሓደ ሰብ ጌግኡ ከም ዝእመን: ከም ዝዋረድ ንምግባር ክኸውን የብሉን። ነቲ ዝርርብ ብኸምዚ ዝበለ መንፈስ ክትጅምሮ እንተዄንካ ከም ዘይትዕወት እተረጋገጸ ኢዩ። ወይ ድማ እቲ ዕላማ ነቲ ዝርዝር ናይቲ እተፈጸመ ወይ ኣብ ሓሳብ ጥራይ ዝነበረ በደል ዝደግም ክኸውን ግድን ኣይኰነን። እቲ ብመንፈስ ናይ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ዝግበር ህዱእ ምዝርራብ ነቲ ሕመረት ናይቲ ጸገም ዝዀነ ዘይምርድዳእ ምስ ቀልዖ ክልቴኹም ነቲ ጕዳይ ክትፈትሕዎ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ምዝርራብ ናብ ምሉእ ብምሉእ ምስምማዕ ዘይመርሕ እኳ እንተዀነ: እዚ ኵሉ ግዜ ኣድላዪ ድዩ፧ እንተ ወሓደ: ክልቴኹም ብቕንዕና ነቲ ይቕረ በሃሊ ኣምላኽና ከተገልግሉ ከም እትደልዩ እንተ ትሰማምዑ ዝሓሸዶ ኣይምዀነን፧ ከምዚ እንተድኣ ገይርኩም ነፍሲ ወከፍ ካብ ልቡ “ብሰንኪ ዘይፍጽምናና እዚ ፍልልያት እዚ ስለ ዘሎና የሕዝነኒ። በጃኻ ንሕለፎ” ክብል ዝቐለለ ኢዩ ዝኸውን።
20. ካብ ኣብነት ናይ ሃዋርያት እንታይ ኢና ክንምሃር እንኽእል፧
20 ንኣብነት እቶም ሃዋርያት እውን ኣብ ከምቲ ገለ ካብኦም ዝያዳ ክብሪ ዝደለዩሉ ዝኣመሰለ እዋናት ኣብ መንጎኦም ፍልልይ ከም ዝነበሮም ዘክሮ። (ማርቆስ 10:35-39፣ ሉቃስ 9:46፣ 22:24-26) እዚ ድማ ምስሕሓብ: ምናልባት እውን ስምዒታዊ መጕዳእቲ: ወይ ዓሚቝ ቂም ኣስዒቡ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን ነቲ ከምዚ ዝበለ ዘይምርድዳእ ከሕልፉ እሞ ሓቢሮም ምዕያይ ክቕጽሉ ክኢሎም ኢዮም። ሓደ ካብኦም ጸኒሑ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ: ልሳኑ ኻብ ክፉእ: ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር: ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን።”—1 ጴጥሮስ 3:10, 11
21. የሱስ ብዛዕባ ይቕረ ምባል እንታይ ዓሚቝ ምኽሪ ኢዩ ዝሃበ፧
21 ኣቐድም ኣቢልና ኣምላኽ ቅድሚ ሕጂ ንዝገበርናዮ ብዙሕ ሓጢኣት ስለ ዝሓደገልና ንሕና እውን ንዕኡ ብምቕዳሕ ንኣሕዋትና ይቕረ ክንብለሎም ኣሎና ዝብል ሓሳብ ርኢና ነይርና። (መዝሙር 103:12፣ ኢሳይያስ 43:25) እንተዀነ ግን ምስዚ ዝሰማማዕ ካልእ ሓሳብ እውን ኣሎ። የሱስ ነቲ ናይ ኣብነት ጸሎት ድሕሪ ምምሃሩ ከምዚ ኢሉ ነይሩ:- “ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም: ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኩም እዩ።” ልዕሊ ሓደ ዓመት ጸኒሑ ንደቀ መዛሙርቱ ጸሎት ክምህሮም ከሎ ነቲ መሰረታዊ ሓሳብ “ንሕና ንዝበደሉና ዅሎም ይቕረ ንብል ኢና እሞ: ሓጢኣትና ይቕረ በለልና” ብምባል ደገሞ። (ማቴዎስ 6:12, 14፣ ሉቃስ 11:4) ካብኡ ኸኣ ሒደት መዓልቲ ቅድሚ ሞቱ “ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ድማ: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኺሐድገልኩም: ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ አሎኩም: ሕደጉሉ” ብምባል ወሰኸ።—ማርቆስ 11:25
22, 23. ይቕረ ክንብል ፍቓደኛታት ምዃንናን ዘይምዃንናን ንመጻኢና ዝትንክፎ ብኸመይ ኢዩ፧
22 እወ: ብቐጻሊ ምሕረት ኣምላኽ ክንረክብ ንደሊ እንተድኣ ኴንና ንኣሕዋትና ይቕረ ኣብ ምባልና እተመርኰሰ ኢዩ። ኣብ መንጎ ክርስትያናት ብሕታዊ ጸገም ምስ ዘጋጥም ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘ሓደ ሓው ወይ ሓፍቲ ኣብ ልዕለይ ንዕቀት: ንእሽቶ በደል: ወይ ናይ ዘይፍጽምና ነገራት ስለ ዘርኣየ ግጉይ ምዃኑ ኣብ ክንዲ ዘረጋግጽ ኣነ ምሕረት ኣምላኽ ክረክብዶ ኣይበልጸንን፧’ እቲ መልሱ ንፈልጦ ኢና።
23 እቲ ጕዳይ ካብ ብሕታዊ ቂም ንላዕሊ ከቢድ ምስ ዝኸውንከ፧ እቲ ኣብ ማቴዎስ 18:15-18 ተመዝጊቡ ዘሎ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ መዓስ ኢዩ ኣብ ተግባር ዝውዕል፧ እስከ ቀጺልና ነዚ ጕዳይ እዚ ንርአ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ሓደ ምሁር ብዛዕባ እቲ ኣብ ሚክያስ 7:18 ዘሎ ናይ እብራይስጢ ውስጠዘኣዊ ኣዘራርባ ከምዚ ይብል:- “ካብ ጠባይ ናይ ሓደ ብጥቓ ሓደ ነገር ዝሓልፍ እሞ ከስተብህለሉ ስለ ዘይደሊ ከይተገደሰሉ ዝሓልፍ ገያሻይ እተወስደ ኢዩ። እቲ ዘመሓላልፎ ሓሳባት ኣምላኽ ሓጢኣት ኣይርእን ኢዩ: ወይ ሓጢኣት ንዕኡ ብዙሕ ኣገዳስነት ወይ ፈጺሙ ኣገዳስነት ዘይብሉ ኢዩ ዝብል ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ንኽቐጽዕ ኢሉ ብፍሉይ መገዲ ከም ዘይሕዞ፣ ይቕረ ከም ዝብል እምበር ከም ዘይጸባጸብ ኢዩ ዘመልክት።”—መሳፍንቲ 3:26፣ 1 ሳሙኤል 16:8
ትዝክሮዶ፧
◻ ንይቕረ ምባል ዝምልከት የሆዋ ክንስዕቦ ዝግብኣና ኣብነት ዝህበና ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክንዝክሮ ዘሎና እንታይ ኢዩ፧
◻ መብዛሕትኡ ግዜ ንንዕቀት ወይ በደል ዝምልከት እንታይ ክንገብር ኢዩ ዝግብኣና፧
◻ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ምስ ሓውና ሰላም ንምግባር እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ምስ ሓደ ክርስትያን ዘይምርድዳእ ምስ ዘጋጥመካ ሸለል ክትብሎ ጽዓር፣ ግዜ ምስ ሓለፈ እቲ ጕዳይ ከም ዘይነበረ ኢዩ ዝኸውን