ነቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ሽሕ ዓመት ተዳሎ!
እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ንስድራቤት ወድሰብ እዚ ዘይብሃል በረኸታት ከምጽእ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ እቲ ፍቕራዊ መሪሕነት የሱስ: ወድሰብ ካብቲ ሕጂ ዘለዎ ዘሕዝን ኵነታት ናብቲ ክብሪ ዝመልኦ ፍጽምና ልዕል ክብል ኢዩ። እዚ ንዓኻ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕሰብ። ምሉእ ጥዕና ክህልወካ ማለት እኰ ኢዩ! ንግሆ ንግሆ ክትስእ ከሎኻ ካብታ ዝሓለፈት መዓልቲ ዝያዳ ክብርሃካ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብቲ ዘሐጕስ እዋን እቲ ክነብሩ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ። ይጽበይዎ ጥራይ ዘይኰነስ ይጽልይሉ እውን ኢዮም። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቶም ነዚ በረኸታት እዚ ክረኽብዎ ምዃኖም ኣእሚንዎም ኢዩ።
ይኹን እምበር የሱስ ክርስቶስ ነቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ ቅድሚ ምጅማሩ ንምድሪ ካብ ኵሎም እቶም ንግዝኣቱ ዝጻረሩ ሰባት ከጽርያ ኣለዎ። ነዚ ድማ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርማጌዶን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውግእ ኢዩ ዝገብሮ። (ራእይ 16:16) እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣብቲ ውግእ እቲ ኣይቃለሱን ኢዮም። እቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ ኢዩ። ኣብ ሓደ እተወሰነ ጂኦግራፍያዊ ስፍራ ጥራይ እውን ኣይክሕጸርን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ወሰናስን ምድሪ ከም ዝበጽሕ ኢዩ ዝዛረበሉ። ጸላእቲ ግዝኣት ክርስቶስ ክቝረጹ ኢዮም። ካባታቶም ሓደ እውን ኣይከምልጥን ኢዩ!—ኤርምያስ 25:33
ሽዑ የሱስ ኣቓልቦኡ ናብ ሰይጣን ድያብሎስን ናብ ኣጋንንቱን ክገብር ኢዩ። እቲ ጸሓፊ ናይ መጽሓፍ ራእይ ንዝረኣዮ ትርኢት ኣብ ኣእምሮኻ እሞ ስኣሎ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “መርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ መልኣኽ [የሱስ ክርስቶስ] ድማ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ንሱውን ነቲ ገበል: ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን: ሐዞ: እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ: ሽሕ ዓመትውን አሰሮ።” (ራእይ 20:1, 2) ድሕሪኡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንዘለኣለም ክጠፍኡ ኢዮም።—ማቴዎስ 25:41
“ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ” ካብ ኣርማጌዶን ክድሕኑ ኢዮም። (ራእይ 7:9) ልክዕ ከምቲ ሓደ ጓሳ ንኣባጊዑ ናብቲ ህይወት ዘድሕን ማያት ዝመርሐን: ክርስቶስ ከኣ ካብቲ “ዔላታት ማይ ህይወት” ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክጥቀሙ ክመርሖም ኢዩ። (ራእይ 7:17) እዞም ካብ ኣርማጌዶን ዝድሕኑ ሰባት ኣብቲ መንፈሳዊ ዕቤቶም ብሰይጣንን ኣጋንንቱን ከይተሓንኰሉ ኣብ ፍጽምና ክሳዕ ዝበጽሑ ነቲ ሓጥእ ዝንባለታቶም እናኣሰነፉ ክኸዱ በብቝሩብ ክሕገዙ ኢዮም!
ኣብ ትሕቲ እቲ ፍቕራዊ ግዝኣት ክርስቶስ ኵነታት ናብራ እናተመሓየሸ ክኸይድ ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንዅሉ ጠንቂ ጓህን ሓዘንን ካብ ሱሩ ምሕዩ ከልግሶ ኢዩ። “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21:4) ነብዪ ኢሳይያስ ነቲ ሽዑ ዝህሉ ኵነታት ብኻልእ መዳዩ ክገልጾ ኸሎ ከምዚ ይብል:- “ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ: ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር: ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል [ኢዩ]።” (ኢሳይያስ 35:5, 6) “ዓበይትን ናእሽቱን” ምዉታት ከኣ ንዘለኣለም ብህይወት ናይ ምንባር ተስፋ ሒዞም ክትንስኡ ኢዮም!—ራእይ 20:12
ሕጅውን እንተዀነ እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዝድሕኑ “ዓቢ ጭፍራ” ይእከቡ ኣለዉ። ነቲ ናይ ክርስቶስ ሽሓዊ ግዝኣት ይዳለዉ ኣለዉ። እቲ ግዝኣት እቲ መዓስ ከም ዝጅምር ዘይፈልጡ እኳ እንተዀኑ: ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ከም ዝመጽእ እምንቶ ኣለዎም። ንስኻውን ሓደ ካብኣቶም ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ንብረትካ ሼጥካ ናብ ገለ ጂኦግራፍያዊ ስፍራ ብምኻድ ዘይኰነስ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዕካ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ዕላማታቱን ርጡብ ፍልጠት ብምውሳድ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ንዓኻን ንስድራቤትካን ክሳዕ ክንደይ ክጠቕመካ ከም ዝኽእል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይገለ ክፍሊት ተሓጒሶም ከርእዩኻ ይኽእሉ ኢዮም። ሓተምቲ ናይዛ መጽሔት እዚኣ ተወሳኺ ሓበሬታ ክህቡኻ ሕጕሳት ኢዮም።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]
ሽሕ ዓመት—ቃል ብቓሉ ድዩ ወይስ ምሳልያዊ፧
መብዛሕትኡ ክፋል ናይታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ራእይ ብምሳልያዊ ኣዛራርባ እተጻሕፈ ብምዃኑ ሕቶ ከም ዝለዓል ይገብር። ብዛዕባ እቲ ኣብ ራእይ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ ቃል ብቓሉ ድዩ ወይስ ምሳልያዊ ግዜ፧
ቃል ብቓሉ ናይ ሽሕ ዓመት እዋን ዝብል ትርጕም ሒዙ ከም ዘሎ ዝሕብር ብዙሕ መርትዖታት ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ደቅሰብ ዝፍረድሉ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ከም ሓንቲ መዓልቲ ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:31፣ ራእይ 20:4) ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሓንቲ መዓልቲ (24 ሰዓት) ከም ሽሕ ዓመት ምዃኑ ጽሒፉ ኣሎ። (2 ጴጥሮስ 3:8) እዚ ኸኣ እዛ ናይ ፍርዲ “መዓልቲ” እዚኣ ቃል ብቓሉ ሓደ ሽሕ ዓመት ምዃና ዝሕብር ኢዩ። ብተወሳኺ ኣብ ራእይ 20:3, 5-7 ኣብ ሰለስተ እተፈላለየ ቦታ “ሽሕ ዓመት” ብዝብል ዘይኰነስ “እተን ሽሕ ዓመት” ብዝብል ተተርጒሙ ኣሎ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ኸኣ እተወሰነ ንውሓት ግዜ ንዘለዎ እዋን ዘመልክት ኢዩ ዝመስል።