ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 1/8 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቅድሚ መዓልቲ ቝጥዓኡ ንየሆዋ ድለይዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • መዓልቲ ቝጥዓኡ ኸይመጸት፡ ንየሆዋ ድለዮ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ንነብያት ከም ኣርኣያ ጌርኩም ርኣይዎም—ጸፎንያስ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ጸፎንያስ—ትሕዝቶ
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 1/8 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እታ ኣብ ጸፎንያስ 2:3 ዘላ “ምናልባሽ” እትብል ቃል: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብዛዕባ ምውራሶም ርግጸኛታት ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም ማለት ድያ፧

እታ ጥቕሲ “ኣቱም ፍርዱ እትገብሩ ትሑታት ምድሪ ዅላትኩም: ንእግዚኣብሄር ድለይዎ። ምናልባሽ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተ ተሐባእኩምሲ: ጽድቂ ድለዩ: ትሕትና ድለዩ” ትብል። እዛ ጥቕሲ “ምናልባሽ” እትብል ዘላ ስለምንታይ እያ፧

የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ኣብ ኣርማጌዶን እንታይ ከም ዚገብሮም ንምርዳእ: ኣምላኽ ነቶም ቅድሚ እዛ መዓልቲ ፍርዲ እዚኣ ዝሞቱ ሰባት እንታይ ከም ዚገብረሎም ዜርኢ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምልስ ኢልና ምርኣይና ሓጋዚ እዩ። ገሊኦም ኣብ ሰማይ መንፈሳውያን ፍጡራት ብምዃን ዘይትመውት ህይወት ንምርካብ ኪትንስኡ እዮም: ገሊኦም ድማ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ገነት ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ሒዞም ኪትንስኡ እዮም። (ዮሃንስ 5:28, 29፣ 1 ቈረንቶስ 15:53, 54) የሆዋ ነቶም ቅድሚ ኣርማጌዶን ዝሞቱ እሙናቱ እንተደኣ ዘኪርዎምን ዓስቦም እንተደኣ ሂብዎምን: ነቶም ክሳዕ መዓልቲ ቝጥዓኡ ብህይወት ዚጸንሑ ኣገልገልቱ እውን ተመሳሳሊ ነገር እዩ ዚገብረሎም።

እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ዜተባብዕ እዩ። ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “[ኣምላኽ] ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ ኸኣ: ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ሐለዎ። . . . ንኸተማታት ሶዶምን ጎመራን ሓመዅስቲ ገይርወን ንምግምጣል ፈረደን። . . . [ን]ሎጥ ጻድቕ ግና ኣድሐኖ: . . . እምብኣርስኸ ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም: ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዔ ንመዓልቲ ፍርዲ ኺሕልዎም ይፈልጥ እዩ።” (2 ጴጥሮስ 2:5-9) ዋላኳ የሆዋ ብግዜ ጥንቲ ኣብ ልዕሊ እቶም እኩያት ጥፍኣት እንተ ኣውረደ: ነቶም ብተኣማንነት ዜገልግልዎ ዝነበሩ ኖህን ሎጥን ግን ኣድሒንዎም እዩ። ሕጂውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኣርማጌዶን ኣብ ልዕሊ እቶም እኩያት ሰባት ጥፍኣት ኬውርድ ከሎ: ነቶም ፈራህቲ ኣምላኽ ኬድሕኖም እዩ። እቶም ጻድቃን ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ” ኪድሕኑ እዮም።—ራእይ 7:9, 14

ስለዚ: እታ ኣብ ጸፎንያስ 2:3 ዘላ “ምናልባሽ” እትብል ቃል: ኣምላኽ ነቶም ስምረቱ ዝረኸቡ ሰባት ኬድሕን ይኽእል ድዩ ኣይኽእልን ዚብል ጥርጣረ ንምፍጣር ኣይኰነትን ኣትያ ዘላ። ኣብ ክንዳኡስ: ሓደ ሰብ ካብ መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ኺሕባእ ዚኽእል ምናልባት ጽድቅን ትሕትናን ኪደሊ ኺጅምር ከሎ እዩ። ድሕነት ሰባት ብቐጻሊ ጽድቅን ትሕትናን ኣብ ምድላይ እተመርኰሰት እያ።—ጸፎንያስ 2:3

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

“ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም. . . ይፈልጥ እዩ”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ