ንነብያት ከም ኣርኣያ ጌርኩም ርኣይዎም—ጸፎንያስ
1. ጸፎንያስ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ነብዪ ዀይኑ ዘገልገለ፧ ንዓና ጽቡቕ ኣብነት ዚኸውንከ ብኸመይ እዩ፧
1 ኣብ መፋርቕ ሻውዓይ ዘመን፡ ኣብ ይሁዳ ኣምልኾ በዓል ብጋህዲ ይግበር ነበረ። እቲ ኽፉእ ዝነበረ ንጉስ ዓሞን ምስ ተቐትለ፡ ኣብ ክንዳኡ ንጉስ ዮስያስ ብንእስነቱ ነገሰ። (2 ዜና 33:21–34:1) ኣብቲ እዋን እቲ፡ የሆዋ ፍርድታቱ ምእንቲ ኺእውጅ ንጸፎንያስ ኣተንስኦ። ጸፎንያስ ኣባል ንጉሳዊ ቤተ ሰብ ይሁዳ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ የሆዋ ንኣመራርሓ ይሁዳ ኸም ዝዀነኖ ዚገልጽ መልእኽቲ ግና ኣቕሊሉ ኣይረኣዮን። (ጸፎ. 1:1፣ 3:1-4) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ጸፎንያስ ዘርኣዮ ትብዓት ንኽንቀድሖ ኽንጽዕር ኣሎና። ምስ ስድራ ቤት ዘሎና ርክብ ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ብኣሉታዊ መዳይ ንኺጸልዎ ድማ ክንፈቕደሉ የብልናን። (ማቴ. 10:34-37) ጸፎንያስ እንታይ መልእኽቲ እዩ ኣዊጁ፧ እንታይ ውጽኢትከ ረኸበ፧
2. ካብ መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ምእንቲ ኽንሕባእ እንታይ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና፧
2 ንየሆዋ ድለዮ፦ የሆዋ ጥራይ እዩ ንሰባት ካብ መዓልቲ ቝጥዓኡ ኼድሕኖም ዚኽእል። ስለዚ፡ ጸፎንያስ ንህዝቢ ይሁዳ፡ ኣብቲ ተሪፉ ዝነበረ ግዜ ንየሆዋ ኺደልይዎ፡ ጽድቂ ኺደልዩ፡ ትሕትና ኺደልዩ ተማሕጺንዎም እዩ። (ጸፎ. 2:2, 3) ኣብ ግዜና እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ንሕና እውን ንጸፎንያስ ብምምሳል፡ ሰባት ንየሆዋ ኺደልይዎ ንምሕጸኖም ኢና። ግናኸ፡ ንርእስና እውን ‘ካብ የሆዋ ንኸይንርሕቕ’ ብምቝራጽ፡ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። (ጸፎ. 1:6) ቃሉ ብጥንቃቐ ብምጽናዕን መምርሒ ንኺህበና ብምጽላይን ንየሆዋ ንድለዮ። ብስነ ምግባር ንጹህ ናብራ ብምንባር ጽድቂ ንድለ። ነቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ዚውሃበና መምርሒ ተገዛእቲ ብምዃንን ነቲ መምርሒ እቲ ብፍታው ብምትግባርን ትሕትና ነርኢ።
3. ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኺህልወና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
3 ጽቡቕ ውጽኢት፦ እቲ ጸፎንያስ ዝኣወጆ መልእኽቲ ፍርዲ፡ እንተ ወሓደ ኣብ ይሁዳ ኣብ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ገና ቘልዓ ኸሎ ንየሆዋ ኺደልዮ ጀሚሩ ዝነበረ ንእሽቶ ዮስያስ፡ ኣወንታዊ ጽልዋ ገይሩ እዩ። ድሕርዚ፡ ዮስያስ ኣብ ይሁዳ ንዝነበረ ኣምልኾ ጣኦት ንኼወግድ ሰፊሕ ወፈራ ገበረ። (2 ዜና 34:2-5) ሎሚ፡ ገሊኡ ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መገዲ፡ ኣብ ከውሒ፡ ወይ ኣብ እሾኽ እኳ እንተ ወደቐ፡ ገሊኡ ኣብ ጽቡቕ መሬት ይወድቕን ፍረ ይፈርን ኣሎ። (ማቴ. 13:18-23) ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንዘርእ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ፡ የሆዋ ኸም ዚባርኸና ንተኣማመን ኢና።—መዝ. 126:6።
4. ‘ንየሆዋ ኽንጽበዮ’ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት፡ የሆዋ ፈጺሙ ስጕምቲ ዘይወስድ ኰይኑ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ እታ ዓባይ መዓልቲ ኸም ዝቐረበት መረጋገጺ ሂብዎም ነይሩ እዩ። (ጸፎ. 1:12, 14) እቶም ብእኡ ዚእመኑ ጥራይ እዮም ኪድሕኑ ዚኽእሉ ነይሮም። (ጸፎ. 3:12, 17) ንሕና እውን ‘ንየሆዋ እናተጸበና፡’ ምስ ክርስትያና ብጾትና ዄንና ብሓድነት ነገልግሎ።—ጸፎ. 3:8, 9።