ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/1 ገጽ 19
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጶንጥዮስ ጲላጦስ መን እዩ ነይሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • የሱስ ኪቕተል ኣሕሊፍካ ተዋህበ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/1 ገጽ 19

ትፈልጥዶ፧

ጶንጥዮስ ጲላጦስ ንቄሳር ዚፈርሃሉ ምኽንያት ነይርዎዶ፧

መራሕቲ ኣይሁድ ነቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ፡ ንየሱስ ምእንቲ ኪቐትሎ ጸቕጢ ንኺገብሩሉ ኢሎም፡ “ነዚ እንተ ፈታሕካዮ፡ ፈታው ቄሳር ኣይኰንካን” በልዎ። (ዮሃንስ 19:12) እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ “ቄሳር፡” እቲ ሮማዊ ሃጸይ ጢቤርዮስ እዩ ነይሩ። ጲላጦስ ነዚ ቄሳር እዚ ንኺፈርሆ ምኽንያት ነይርዎዶ፧

ቄሳር ጢቤርዮስ እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ፧ የሱስ ንፍርዲ ቕድሚ ምቕራቡ ዓመታት ኣቐዲሙ፡ ጢቤርዮስ “ብርውየቱን በቲ ነዚ ንምርካብ ዚጥቀመሉ ብልሹው መገድታቱን ጥራይ ዚግደስ ሰብኣይ” ኰይኑ ምንባሩ ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ይሕብር። ንሰብ ዘይኣምን ብምንባሩ፡ ንዝዀነ ይኹን ኪኸድዓኒ ኢሉ ዝሓሰቦ እውን ከይተረፈ የሳቕን ይቐትልን ነበረ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ መወከሲ ጽሑፍ፡ “ነቶም ኣብ ከባቢ እቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ጸሓፍቲ ታሪኽ ክንኣምኖም እንተ ዄንና፡ እቲ ንሱ ዚፈትዎ መዘናግዒታት ጭከና ዝመልኦን ጽዩፍን እዩ ነይሩ። ንታሪኹ ብኣወንታዊ መገዲ እኳ እንተ ተርጐምናዮ፡ ብጭካነን ብሃውርን ይቐትል ነበረ” በለ።

ስለዚ፡ ጲላጦስ ብዛዕባ ጢቤርዮስ ዝሰምዖ ነገራት፡ ነቲ ኻብ መራሕቲ ኣይሁድ ዝወረዶ ጸቕጢ ተምበርኪኹ፡ ንየሱስ ኪቕተል ትእዛዝ ንኺህብ ኣበርክቶ ገይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ዮሃንስ 19:13-16።

የሱስ ኣእጋር ሃዋርያቱ ዝሓጸበ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ብዙሓት ተራ ሰባት ጥራይ እግሮም እዮም መዓልታዊ ጕዳዮም ዚገብሩ ነይሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ዚወድይዎ ዝነበሩ ሳእኒ፡ ሳንደል ኪኸውን ከሎ፡ እዚ ኸኣ ምስ እግሮም እተኣስረ ኸብዲ ጫማ ጥራይ እዩ ነይሩ። መገድታቶምን ግራውቶምን ዶራን ወይ ጭቁው ስለ ዝነበረ፡ ኣእጋር ሰባት ግድን ይረስሕ ነበረ።

ስለዚ ድማ፡ ሓደ ሰብ ናብ ቤት ኪኣቱ ኸሎ፡ ሳንደሉ የውጽእ ነበረ። ሓደ ኻብቲ ንጋሻ ዚግበረሉ ዝነበረ ኣቀባብላ ኸኣ፡ ኣእጋሩ ምሕጻብ ነበረ። ነዚ ዕዮ እዚ፡ ብዓል ቤት ወይ ሓደ ኣገልጋሊ ይገብሮ ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ልምዲ እዚ ብዙሕ ግዜ ጠቒስዎ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብርሃም ነቶም ናብ ድንኳኑ ዝመጹ በጻሕቲ፡ “ኣእጋርኩም ክትሕጸቡ ሒደት ማይ ኰታ ይምጽኣልኩም፡ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ዕረፉ። . . . ልብኹም ክትድግፉ፡ ቍራስ እንጌራ ኸምጽኣልኩም” በሎም።—ዘፍጥረት 18:4, 5፣ 24:32፣ 1 ሳሙኤል 25:41፣ ሉቃስ 7:37, 38, 44።

እዚ ሓበሬታ እዚ ነቲ የሱስ ኣብታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ፋስጋ ኣእጋሮም ዝሓጸበሉ ምኽንያት ንኽንርድኦ ይሕግዘና። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ነቲ ኣገልግሎት እቲ ዚህብ ብዓል ቤት ወይ ኣገልጋሊ ኣይነበረን፡ ዋላ ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቲ እውን ብፍቓዱ ነቲ ዕዮ ኺዓዪ እተላዕለ ኣይነበረን። ስለዚ፡ የሱስ፡ ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ፡ ኣእጋር ሃዋርያቱ ኺሓጽብን በቲ ዝሓዞ ዓለባ ገይሩ ኼንቅጾን ከሎ፡ ብዛዕባ ፍቕርን ትሕትናን እዩ ትምህርቲ ዚህቦም ነይሩ።—ዮሃንስ 13:5-17።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ