ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/7 ገጽ 29
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ቄሳር ንቄሳር ምሃብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • እቶም ክልተ ነገስታት መንነቶም ይቕይሩ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ትፈልጥዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ናይ መጀመርያ ክርስትናን መንግስትን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/7 ገጽ 29

ትፈልጥዶ፧

ብግዜ የሱስ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ነቶም ተራ ህዝቢ ብኸመይ ይርእይዎም ነበሩ፧

▪ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ እቶም ብማሕበራውን ብሃይማኖታውን መዳይ ጸብለል ዝበሉ እስራኤላውያን፡ ነቶም ብዙሕ ዘይተማህሩ ወይ ነቶም መሃይማን ይንዕቕዎም ነበሩ። ፈሪሳውያን፡ “እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝብዚ ግና ርጉም እዩ” ኸም ዝበሉ ተጠቒሶም ኣለዉ።​—ዮሃንስ 7:49።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዘሎ ምንጭታት ከም ዚሕብሮ፡ እቶም ጸብለል ዝበሉ እስራኤላውያን ነቶም ዘይተማህሩ ሓፋሽ፡ ‘ኣምሃረትስ’ ወይ “ህዝቢ እታ ሃገር” ኢሎም ይጽውዕዎም ነበሩ። ኣብ ፈለማ፡ እታ ቓል ንዜጋታት ሓደ ቦታ ንምጽዋዕ እተገልግል ናይ ኣኽብሮት መጸውዒት እያ ነይራ። ንድኻታትን ንተራ ሰባትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንፍሉጣት ሰባት እውን እያ እተመልክት ነይራ።​—ዘፍጥረት 23:7፣ 2 ነገስት 23:35፣ ህዝቅኤል 22:29።

ይኹን እምበር፡ ብግዜ የሱስ፡ እታ ቓል ነቶም ንሕጊ ሙሴ ዘይፈልጡ ወይ ነቶም ንዝርዝር ወግዕታት ራቢ ዘይስዕቡ ሰባት ንምምልካት ክትውዕል ጀመረት። ንኣብነት፡ ሚሽና (ንታልሙድ መሰረት ዘንጸፈ እተኣኻኸበ ርእይቶታት)፡ ኣብ ቤት ‘ኣምሃረትስ’ ብዛዕባ ምሕዳር የጠንቅቕ እዩ። ብመሰረት ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ታልሙዲክ ሴጅስ፡ ኣብ ካልኣይ ዘመን ዝነበረ ራቢ መይር ዚበሃል ምሁር፡ “ሓደ ሰብኣይ ንጓሉ ንሓደ ኣምሃረትዝ እንተ ኣመርዕዩዋ፡ ኣሲሩ ኣብ ቅድሚ ሓደ ንዚበልዖ ግዳይ ዚጐብጥ ኣንበሳ ኸም ዘቐመጣ ጌርካ እዩ ዚርአ” ኢሉ ይምህር ነበረ። ብዘይካዚ፡ ሓደ ራቢ፡ “ዘይተማህሩ ሰባት ካብ ሞት ኣይኪትንስኡን እዮም” ከም ዝበለ ኣብ ታልሙድ ተጠቒሱ ኣሎ።

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ቄሳር ዚብል ስም እንታይ እዩ ዜመልክት፧

▪ ቄሳር፡ ናይቲ ብ46 ቅ.ክ. ኣብ ሮሜ እተሸመ ጋየስ ጁልየስ ቄሳር ዝስሙ ገዛኢ፡ ናይ ስድራ ቤቱ ስም እዩ ነይሩ። ድሕሪኡ ዝመጹ ገሊኦም ሃጸያት ሮሜ፡ እንተላይ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣውጉስጦስን ጢቤርዮስን ቅላውዴዎስን፡ በቲ ስም እቲ ይጽውዑ ነበሩ።​—ሉቃስ 2:1፣ 3:1፣ ግብሪ ሃዋርያት 11:28።

ብ14 ድ.ክ.፡ ጢቤርዮስ ሃጸይ ኰነ፣ ኣብ ብምሉኡ እቲ የሱስ ዘገልገለሉ እዋን ከኣ ይገዝእ ነበረ። ስለዚ፡ የሱስ ንምኽፋል ግብሪ ብዚምልከት፡ “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” ኢሉ ኺምልስ ከሎ፡ ቄሳር ጢቤርዮስ እዩ ዚገዝእ ነይሩ። (ማርቆስ 12:17) የሱስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ንጢቤርዮስ ጥራይ ኣይኰነን ዜመልክት ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እታ “ቄሳር” እትብል ቃል፡ ነቲ ሲቭላዊ ስልጣን ወይ መንግስቲ እያ እተመልክት።

ኣብ ከባቢ 58 ድ.ክ.፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ምጕዳል ፍትሒ ምስ ኣጋጠሞ፡ ነቲ ኸም ሮማዊ መጠን ዘለዎ መሰል ተጠቒሙ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 25:8-11) ጳውሎስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ጕዳዩ በቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ሃጸይ ዝነበረ ኔሮ ኺርአ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ኪቐርብ እዩ ዚሓትት ነይሩ።

እቲ ቄሳር ዚብል ስም ስድራ ቤት ምስ ልዑላዊ ግዝኣት ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ ስለ ዝነበረ፡ ስርወ-ንግስነት እቶም ብቄሳር ዚፍለጡ ገዛእቲ ምስ ተዛዘመ እውን ከይተረፈ፡ እቲ ስም፡ ንጉሳዊ መጸውዒ ዀይኑ ተረፈ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ምስሊ ጢቤርዮስ ዘለዎ ዲናር ብሩር

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ