‘እቲ መጻሕፍቲ፡ ምናዳ እቲ ብራናታት ተማልኣለይ’
ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ሚስዮናዊ መገላግልቱ ዝነበረ ጢሞቴዎስ፡ እተወሰነ ጽሑፋት ንኼምጽኣሉ ኺምሕጸኖ ኸሎ፡ ነዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ቓላት ተጠቕመ። ጳውሎስ ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ጥቕላል መጻሕፍትን ብራናታትን እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ነዚ ምሕጽንታ እዚ ኬቕርብ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ንሕናኸ ኻብዚ እንታይ ንመሃር፧
ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ጳውሎስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ኪጽሕፈን ከሎ፡ እተን 39 መጻሕፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ኣብ 22 ወይ 24 መጻሕፍቲ እተኸፋፈላ እየን ነይረን፣ እዚ መጻሕፍቲ እዚ ኸኣ፡ እተፈላለየ ጥቕላል መጻሕፍቲ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ፕሮፌሰር ኣለን ሚለርድ ከም ዝገለጾ፡ እዚ ጥቕላል መጻሕፍቲ እዚ ኽቡር እኳ እንተ ነበረ፡ “ርኹባት ኪውንንዎ ዘይክእሉ ግን ኣይነበረን።” ገሊኦም፡ እንተ ወሓደ ሓደ ቕዳሕ እቲ ጥቕላል መጻሕፍቲ ነይርዎም እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ “ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ ነበረ።” እዚ ሰብኣይ እዚ፡ “ኣብ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ስልጡን ኣዛዝ ኵሉ ገንዘባ ዝነበረ” እዩ። ስለዚ፡ ገለ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ኪዕድግ ዓቕሚ ነበሮ።—ግብ. 8:27, 28።
ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ክትመጽእ ከሎኻ፡ እቲ ኣብ ጥሮኣስ ምስ ቃርጶስ ዝሐደግክዎ ባርኖስን እቲ [ጥቕላል] መጻሕፍትን፡ ምናዳ እቲ ብራናታት፡ ተማልኣለይ” ኢሉ ተማሕጸኖ። (2 ጢሞ. 4:13) እዚ ሓሳብ እዚ፡ ጳውሎስ፡ ሓያሎ መጻሕፍቲ ኸም ዝነበሮ ዚሕብር እዩ። ጳውሎስ ንቕዱሳት ጽሑፋት፡ ካብ ኵሉ እቲ ዝነበሮ መጻሕፍቲ ንላዕሊ ኣኽቢሩ ይርእዮ ኸም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኤ. ቲ. ሮበርትሰን ዚበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ብዛዕባ እታ ኣብዛ ጥቕሲ እትርከብ “ብራናታት” እትብል ቃል ሓሳብ ኪህብ ከሎ፡ “ብራና ኻብ ፓፒሩስ ይኸብር ስለ ዝነበረ፡ እዚ [ጳውሎስ ዝጠቐሶ] ብራናታት እዚ፡ ቅዳሓት መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ” በለ። ጳውሎስ፡ ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ፡ “ኣብ ትሕቲ እግሪ ገማልኤል” ዚበሃል ኣብ ኵሉ ህዝቢ ዝኸበረ መምህር ሕጊ ሙሴ ዀይኑ እዩ ተማሂሩ። እተወሰነ ጥቕላል መጻሕፍቲ ቓል ኣምላኽ ይውንን ምንባሩ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።—ግብ. 5:34፣ 22:3።
ክርስትያናት ንጥቕላል መጻሕፍቲ ብኸመይ ይጥቀሙሉ ኸም ዝነበሩ
ጥቕላል መጻሕፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝነበሮም ሰባት ሒደት እዮም ነይሮም። ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ክርስትያናት፡ ቃል ኣምላኽ ኪመሃሩ ዚኽእሉ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ እታ ጳውሎስ ኣቐዲሙ ናብ ጢሞቴዎስ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ኣፋፍኖት ትህበና እያ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ” በሎ። (1 ጢሞ. 4:13) ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዚግበር ንባብ፡ ካብ ግዜ ሙሴ ኣትሒዙ ዝጀመረ ልምዲ ኪኸውን ከሎ፡ ክፋል እቲ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚግበር ኣኼባ እዩ ነይሩ።—ግብ. 13:15፣ 15:21፣ 2 ቈረ. 3:15።
ጢሞቴዎስ ሽማግለ ጉባኤ ስለ ዝነበረ፡ ‘ናብ ምንባብ ኬቕልብ’ ነበሮ፣ ከምኡ ምግባሩ ኸኣ፡ ነቶም ቅዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይነበሮም ዚጠቅም እዩ ነይሩ። ኵሎም ተኣከብቲ፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ጉባኤ ኺንበብ ከሎ፡ ዋላ ሓንቲ ምእንቲ ኸይሓልፎም ጽን ኢሎም ይሰምዑ ኸም ዝነበሩ ርዱእ እዩ፣ ወለድን ውሉዳትን ከኣ፡ ናብ ቤቶም ምስ ከዱ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጉባኤ እተነብበ ጽሑፍ ይመያየጡ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም።
እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝዀነ ናይ ኢሳይያስ ጥቕላል ምዉት ባሕሪ፡ ዳርጋ 7.3 ሜተር ንውሓት ኣለዎ። ጥቕላል መጻሕፍቲ፡ ኣብ ክልቲኡ ጫፉ ዘንጊ ስለ ዝነበሮ፡ ንኸይበላሾ ተባሂሉ ኸኣ መሸፈኒ ይግበረሉ ስለ ዝነበረ፡ ከቢድ እዩ ነይሩ። ክርስትያናት ኪሰብኩ ኸለዉ፡ ብዙሕ ካብዚ ጥቕላላት ተሰኪሞም ምኻድ የጸግሞም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ናይ ብሕቱ ጥቕላላት ቅዱሳት ጽሑፋት እንተ ነይርዎ እውን፡ ንዅሉ እቲ ጥቕላላቱ ሒዝዎ ኺጐዓዝ ይኸብዶ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንገሊኡ ጥቕላላት፡ ምስቲ ፈታዊኡ ዝነበረ ቃርጶስ ኣብ ጥሮኣስ ሓዲግዎ ኪኸውን ኣለዎ።
ካብ ኣብነት ጳውሎስ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
ጳውሎስ እቲ ጥቕላላት ኪመጸሉ ዝጠለበ ኣብ ሮሜ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ እተኣስረሉ እዋን ኪኸውን ከሎ፡ “ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ . . . ደጊምሲ . . . ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። (2 ጢሞ. 4:7, 8) ጳውሎስ ነዚ ቓላት እዚ ዝጸሓፈ፡ ኣብ ከባቢ 65 ድ.ክ. ሃጸይ ኔሮ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት መስጐጕቲ የውርድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኪኸውን ኣለዎ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሮ ማእሰርቲ ኸቢድ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ኪቕተል ከም ዚኽእል እውን ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞ. 1:16፣ 4:6) እቲ ጥቕላል መጻሕፍቱ ንኺመጸሉ ልባዊ ድሌት ምሕዳሩ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ክሳዕ መወዳእታ ሰናይ ገድሊ ኸም እተጋደለ ምትእምማን እኳ እንተ ነበሮ፡ ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕ ንርእሱ ብቐጻሊ ንኼደልድላ ግን ሃንቀው ኢሉ ነበረ።
ጢሞቴዎስ ንመልእኽቲ ጳውሎስ ኪቕበል ከሎ፡ ገና ኣብ ኤፌሶን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ጢሞ. 1:3) ካብ ኤፌሶን ተበጊስካ ብጥሮኣስ ኣቢልካ ናብ ሮሜ ዚወስድ መገዲ ድማ፡ ዳርጋ 1,600 ኪሎ ሜተር ርሕቐት ኣለዎ። ጳውሎስ ኣብታ መልእኽቱ ንጢሞቴዎስ፡ “ቅድሚ ኽረምቲ ንምምጻእ ፍጠን” ኢሉ ተማሕጸኖ። (2 ጢሞ. 4:21) ጢሞቴዎስ ኣብቲ ጳውሎስ ዝደለዮ ግዜ ናብ ሮሜ ንኺበጽሕ እተኽእሎ መርከብ ረኺቡ እንተ ዀይኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን እዩ።
እሞኸ ኻብቲ ጳውሎስ፡ “እቲ [ጥቕላል] መጻሕፍትን፡ ምናዳ እቲ ብራናታት፡ ተማልኣለይ” ኢሉ ዘቕረቦ ምሕጽንታ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ጳውሎስ፡ ኣብ ጽንኩር እዋን እውን ከይተረፈ፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ኪመሃር ሓያል ባህጊ ነበሮ። ከምኡ ምዃኑ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ህያውን ንጡፉን ንኪኸውንን ንኻልኦት ኬተባብዕን ዝሓገዞዶ ኣይመስለካን፧
ሎሚ፡ ናይ ብሕትና እተማልአ ቕዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣልዩና፡ ተባሪኽና ኢና። አረ ገሌናስ ብርክት ዝበለ ቕዳሓትን ትርጕማትን መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና። ስለዚ፡ ከም ጳውሎስ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዓሚቝ ምርዳእ ንኺህልወና ሃንቀውታ ኸነሕድር የድልየና እዩ። እታ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ዝጸሓፋ ኻልአይቲ መልእኽቲ፡ ካብተን ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዝጸሓፈን 14 መልእኽትታቱ እታ ናይ መወዳእታ እያ። ኣብ መወዳእታ እታ መጽሓፍ ከኣ እዩ እቲ ጽሑፋት ኪመጸሉ ዝሓተተ። እቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “እቲ [ጥቕላል] መጻሕፍትን፡ ምናዳ እቲ ብራናታት፡ ተማልኣለይ” ኢሉ እተዛረቦ ምሕጽንታ፡ ሓደ ኻብቲ ተመዝጊቡ ዚርከብ ኣብ ኣጋ ሞቱ ኺግበረሉ ዝደለዮ ነገራት እዩ።
እሞኸ ኸም ጳውሎስ ክሳዕ መወዳእታ ሰናይ ገድሊ እምነት ክትጋደል ሓያል ባህጊ ኣሎካዶ፧ ብመንፈስ ንቑሕ ክትከውንን ጐይታ ኽሳዕ ዝፈቐዶ ኣብ ዕዮ ምስክርነት ክትካፈልን ትደሊ ዲኻ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ከም ጳውሎስ ንክርስትያናት ኪገብርዎ ዘተባብዖም ነገር ንምግባር ስለምንታይ ዘይትጽዕር፧ እምበኣር፡ ነቲ ሎሚ ብዙሓት ሰባት ኪረኽብዎ ዚኽእሉን ካብ ጥቕላላት ንላዕሊ ምሹእ ብዝዀነ መገዲ እተዳለወን መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብሃንቀውታ ኣዘውቲርካ ኣጽንዓዮ፣ በዚ ኸምዚ፡ “ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ።”—1 ጢሞ. 4:16።
[ኣብ ገጽ 18ን 19ን ዘሎ ካርታ/ስእልታት]
(ምሉእ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ ጽሑፍ ርአ)
ኤፌሶን
ጥሮኣስ
ሮሜ