ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/10 ገጽ 3
  • ሰባት ሓስዮምኻዶ ይፈልጡ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሰባት ሓስዮምኻዶ ይፈልጡ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕማቕ ሳዕቤን እቲ ናይ መጀመርታ ሓሶት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ጴጥሮስን ሃናንያን ሓሰዉ ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ሓቂ ደጊም ኣገዳሲት ድያ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/10 ገጽ 3

ሰባት ሓስዮምኻዶ ይፈልጡ፧

እትኣምኖ ሰብ ከም ዝሓሰወካ ምፍላጥ፡ ኣመና እዩ ዜሕዝን። እተዋረድካ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን እተኸዳዕካ ዀይኑ ስለ ዚምስዓካ፡ ትሓርቕ ትኸውን። ሓሶት ንዕርክነት ኪበትኮን ንሓዳር ኪብትኖን ይኽእል እዩ፣ ብዘይካዚ፡ ንሰባት ብሚልዮናት ዚቝጸር ገንዘብ ከም ዚስእኑ ኺገብሮም ይኽእል እዩ።

ካብዚ ተበጊስካ፡ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ከም ዝሓሰዉኻ ምስ ፈለጥካ እንታይ ከም ዚስምዓካ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ሃይማኖታዊ ሰብ እንተ ዄንካ እሞ ኸኣ፡ ልክዕ ከምዞም ስዒቦም ተጠቒሶም ዘለዉ ሰባት ይስምዓካ ይኸውን፦

● “ቤተ ክርስትያን ዝኸድዓትኒ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ።”​—ዲን።

● “ኣዝየ ሓረቕኩ። እተታለልኩን ተስፋይን ሸቶይን ዝቐሃመን ኰይኑ ተሰምዓኒ።”​—ሉዊስ።

ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ከም ዝሓሰዉኻ ኽትኣምን የጸግመካ ይኸውን። ከመይሲ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ እትኣምኖ ነገራት፡ ብእትኣምኖን ኪጐድኣካ ብዘይደልን ሰብ፡ ማለት ብወለድኻ፡ ብኻህንካ፡ ብቐሽኻ፡ ወይ ብናይ ቀረባ ፈታዊኻ እተነግረካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ዝዓበኻሉ እምነት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ ሓሳብ እውን እንተ ዀነ፡ ሓሶት ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ እቲ ፕረዚደንት ሕ.መ.ኣ. ዝነበረ ፍራንክሊን ሩዝቬልት፡ “ሓሶት ተደጋጊሙ እኳ እንተ ተነግረ፡ ሓቂ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ” ኢሉ ነበረ።

ሰባት ከም ዘይሓሰዉኻ ደኣ እሞ ብኸመይ ኢኻ ኸተረጋግጽ እትኽእል፧ ሓደ እዋን የሱስ ናብ ኣምላኽ ኪጽሊ ኸሎ፡ “ቃልካ ሓቂ እዩ” ኢሉ ነበረ። (ዮሃንስ 17:17) እወ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሓቂ ኻብ ሓሶት ንኽንፈልዮ ዚሕግዘና ሓሳባት ሒዙ ኣሎ።

ነዘን ቀጺለን ዘለዋ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚንዛሕ ሓሙሽተ ሓሶት ብመጽሓፍ ቅዱስ ዜቃልዓ ዓንቀጻት ንምንታይ ዘይተንብበን፧ ነቲ ሓቂ ምፍላጥካ ብኸመይ ንህይወትካ ኸም ዚቕይሮ ኽትርኢ ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ