ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 3-5
ሕማቕ ሳዕቤን እቲ ናይ መጀመርታ ሓሶት
ሰይጣን ካብታ ንሄዋን ሓሶት እተዛረባ ግዜ ኣትሒዙ ንሰባት የስሕቶም ኣሎ። (ራእ 12:9) እዘን ዚስዕባ ብሰይጣን ዝቐረባ ሓሶታት፡ ሰባት ናብ የሆዋ ኸይቀርቡ ዕንቅፋት ዚዀናኦም ብኸመይ እየን፧
ኵሉ ዚኽእልን ሓያልን ኣምላኽ የልቦን
ኣምላኽ ክፍሊ ምስጢረ ስላሴ እዩ
ኣምላኽ ስም የብሉን
ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ገሃነም እሳት ንዘለኣለም የሳቕዮም
ኵሉ ዜጋጥም ነገር፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ
ኣምላኽ ብዛዕባ ሰባት ኣይግደስን እዩ
እዚ ሓሶታት እዚ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚስምዓካ ገይሩ፧
ንስም ኣምላኽ ካብ ነቐፋ ናጻ ንምግባር ብወገንካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧