ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 15/11 ገጽ 22-23
  • ‘ብልግሲ ምሃብ’ የሐጕሰካ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ብልግሲ ምሃብ’ የሐጕሰካ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኣምላኽ ‘ብሓንቲ ልብን ብሓንቲ ነፍስን’ ምግልጋል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ብሕጉስ ልቢ ምሃብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ‘ንየሆዋ መስዋእቲ ነቕርብ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 15/11 ገጽ 22-23

‘ብልግሲ ምሃብ’ የሐጕሰካ ድዩ፧

ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ቐዳሞት ክርስትያናት፡ በቲ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድጋፍ ዚገብርዎ ዝነበሩ ልግሲ ይፍለጡ ነበሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ናባታቶም ዝለኣኻ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሳ መልእኽቲ፡ “ኵሉ ሳዕ ንኣኻትኩም ክዝክር ከሎኹ፥ ንኣምላኸይ አመስግኖ። ኣብ ኵሉ ጸሎተይ፥ ምእንቲ ዅልኻትኩም ብሓጐስ እጽሊ ኣሎኹ። ካብ መጀመርታ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ስብከት ወንጌል መዓይይተይ ስለ ዝኾንኩም ንኣምላኽ አመስግኖ ኣሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊል. 1:3-5፡ ትርጕም 1990) ጳውሎስ ነቲ ልድያን ስድራ ቤታን እተጠምቁሉን ንሱን መገላግልቱን ናብ ቤታ እተዓደሙሉን እዋን ኣጸቢቑ ይዝክሮ ነይሩ እዩ።​—ግብ. 16:14, 15።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እታ ኣብ ፊልጲ ዝነበረት ሓዳስ ጉባኤ ነቲ ኣብታ ኣስታት 160 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ተሰሎንቄ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ዝነበረ ጳውሎስ፡ ክልተ ሳዕ ዜድልዮ ነገራት ለኣኸትሉ። (ፊል. 4:15, 16) ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት፡ እቶም ኣብ ፊልጲን ኣብ መቄዶንያን ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ኣብ ጸበባን ‘ኣብ ጥልቂ ዝዀነ ድኽነትን’ እኳ እንተ ነበሩ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ መስጐጕቲ ዚወርዶም ዝነበረ ክርስትያናት ምስ ሰምዑ፡ ኪሕግዙ ደለዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሓለፋ ዓቕሞም” ከም ዝገበሩ ተዛረበ። ኰይኑ ግና፡ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ‘ብልግሲ ንኺህቡ ምእንቲ ኺፍቀደሎም ብዙሕ ከም ዝለመኑ’ ጸሓፈ።​—2 ቈረ. 8:1-4፣ ሮሜ 15:26።

ሰብ ፊልጲ ንክርስትና ኻብ ዚቕበሉ ኣስታት ዓሰርተ ዓመት ምስ ሓለፈ እውን እንተ ዀነ፡ ለጋሳት ነበሩ። ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኸም ዘሎ ምስ ሰምዑ፡ ብኤጳፍሮዲጦስ ገይሮም ዜድልዮ ነገራት ለኣኹሉ፣ ኤጳፍሮዲጦስ ከኣ ብመሬትን ብባሕርን ገይሩ 1,287 ኪሎ ሜተር ብምኻድ፡ ነቲ ስንቂ ኣብጽሓሉ። ብንጹር እምበኣር፡ ሰብ ፊልጲ፡ ጳውሎስ ተኣሲሩ ኸሎ እውን ከይተረፈ ንኣሕዋት ምእንቲ ኼበራትዕን ስብከቱ ምእንቲ ኪቕጽልን፡ ዜድልዮ ነገራት ኬማልኡሉ እዮም ዚደልዩ ነይሮም።​—ፊል. 1:12-14፣ 2:25-30፣ 4:18።

ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ምድጋፍ፡ ከም ፍሉይ መሰል ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። (ማቴ. 28:19, 20) ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ፡ ግዜኦምን ጕልበቶምን ገንዘቦምን ይህቡ ኣለዉ። እዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ሳጹን፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ንጥፈታት ንምድጋፍ ክንገብሮ እንኽእል እተወሰነ መገድታት ትሕብር።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን]

ገሊኣቶም ወፈያ ዚህቡሉ መገድታት

ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚኸውን ውጽኢት

ብዙሓት ኣብቲ “ዓለምለኻዊ ዕዮ” ዚብል እተጻሕፎ ሳጹናት ውጽኢት ዜእትውዎ እተወሰነ ገንዘብ ይፈልዩ ወይ ይምድቡ እዮም።

ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብቲ ነታ ሃገር ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይልእካኦ እየን። ብወለንታ ዚግበር ናይ ገንዘብ ወፈያታት ብቐጥታ Watchtower Bible and Tract Society of New York, Inc., Attention Treasurer’s Office, 25 Columbia Heights, Brooklyn, New York 11201-2483 ኢልካ ኺልኣኽ ወይ ከኣ ናብቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪስደድ ይከኣል እዩ። (እዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ብወለንታ ዚግበር ወፈያታት እውን ናብቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪለኣኽ ይኽእል እዩ።) እቲ ናብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ዚለኣኽ ወፈያ ብቸክ እንተ ዀይኑ ን“Watchtower” ዚኽፈል ምዃኑ ኺጥቀስ ኣለዎ። ስልማት ወይ ካልእ ክቡር ነገራት እውን ኪውፈ ይከኣል እዩ። ከምዚ ዝበለ ህያብ ኪወሃብ ከሎ ብዘይ ገለ ገደብ እተዋህበ ምዃኑ ዚነግር ሓጺር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ኪለኣኽ ኣለዎ።

ኪምለስ ዚኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ

ገንዘብ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ንኼገልግል ተባሂሉ ብሕድሪ ምስ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ኪቕመጥ ይከኣል እዩ። እንተዀነ ግና፡ እቲ ዝሃበ ሰብ ነቲ ገንዘብ ምስ ዚደልዮ ይምለሰሉ እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ በጃኻ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ተጠቒምካ ናብ ቤት ጽሕፈት ተሓዝ ገንዘብ ጽሓፍ ወይ ብቝጽሪ ተሌፎን (718) 560-7500 ደውል።

ብመደብ ዚግበር ልግሲ

ብጀካ እቲ ብዘይ ገለ ገደብ ዚግበር ናይ ገንዘብ ህያብ ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚካየድ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ ካልእ ናይ ምሃብ መገድታት እውን ኣሎ። እዚ ድማ ነዚ ዚስዕብ የጠቓልል፦

መድሕን፦ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ/እስትሕጋግ ክፍሊት ተጠቃሚት ከም ዝዀነት ጌርካ ስም ኪመሓላለፈላ ይከኣል እዩ።

ናይ ባንክ ሕሳብ፦ ናይ ባንክ ሕሳብ ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት ወይ ናይ ውልቀ ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዚፈቕዶ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ብሓደራ ኺወሃብ ወይ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚት ምዃና ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ኣክሲዮንን ቦንድን፦ ኣክሲዮንን ቦንድን ብዘይ ገለ ገደብ ኪወሃብ ዚከኣል ህያብ ኰይኑ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ኺውፈ ይከኣል እዩ። ብዘይካዚ፡ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚት ምዃና ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ዘይንቀሳቐስ ንብረት፦ ኪሽየጥ ዚኽእል ዘይንቀሳቐስ ንብረት ብዘይ ገለ ገደብ ዚወሃብ ህያብ ወይ እቲ ንብረት መንበሪ እንተ ዀይኑ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ኪዀነሉ ዚኽእል መደብ ብምግባር ኪውፈ ይከኣል እዩ። ዘይንቀሳቐስ ንብረት ከም ዝወፈኻዮ ዚገልጽ ሰነድ ቅድሚ ምፍራምካ ምስቲ ንዓድኻ ዜካይድ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተላዘብ።

ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ፦ ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ ኺበሃል ከሎ ሓደ ሰብ ገንዘብ ወይ ሰነድ ዋንነት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ትካል ዚህበሉ ምድላው እዩ። እቲ ወሃቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሰብ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እተወሰነ ዓመታዊ ኽፍሊት ይወሃቦ እዩ። እቲ ወሃቢ ኣብቲ እቲ ወፈያ ዝገበረሉ ዓመት መጠን እቲ ዚስልዓሉ ግብሪ ይንከየሉ እዩ።

ለበዋን ሕድርን፦ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ ለበዋ ብምግባር ጥሪት ወይ ገንዘብ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ኸተውርሳ ይከኣል እዩ፣ ወይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚት ክትከውን ስም ኪመሓላለፈላ ይከኣል እዩ። ንሃይማኖታዊ ውድብ ዚወሃብ ሕድሪ እተወሰነ ናይ ቀረጽ ምጕዳላት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

እቲ “ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚብል ስያመ ኸም ዚገልጾ እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ ብወገን እቲ ዚውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዚሓትት እዩ። ነቶም በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪውፍዩ ዚደልዩ ውልቀ ሰባት ንምሕጋዝ ቻሪታብል ፕላኒን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትበሃል ብሮሹር ብእንግሊዝኛን ብስጳንኛን ተዳልያ ኣላ። እታ ብሮሹር ውልቀ ሰባት ሕጂ ወይ ምስ ሞቱ ብመልክዕ ውርሲ ኺውፍዩሉ ዚኽእሉ እተፈላለየ መገዲ ትሕብር እያ። ብዙሓት ነዛ ብሮሹር እዚኣ ብምንባብን ምስቶም ብዛዕባ ሕግን ግብርን ዜማኽርዎም ክኢላታት ብምምይያጥን ኣብ መላእ ዓለም ንእንፍጽሞ ሃይማኖታውን ግብረ ሰናያውን ንጥፈታት ኪሕግዙ ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዚርከብ ናይ ምጕዳል ቀረጽ ረብሓታት ከኣ ኬዕብይዎ ኽኢሎም እዮም። ቅዳሕ እዛ ብሮሹር እዚኣ ብቐጥታ ኻብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ብምሕታት ኪርከብ ይከኣል እዩ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ በዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ኣድራሻ ጌርካ ወይ ድማ ናብቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብምጽሓፍ ወይ ብምድዋል ምስቶም ኣብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚሰርሑ ኣሕዋት ክትራኸብ ኣሎካ።

Charitable Planning Office

Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania

100 Watchtower Drive

Patterson, New York 12563-9204

Telephone: (845) 306-0707

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ