ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp18 ቍ. 3 ገጽ 3
  • “ኣምላኽ ኣበይ ነይሩ፧”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣምላኽ ኣበይ ነይሩ፧”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ዘሕለፍክዎ ዜዕግብ ህይወት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ንጽህናኻ ንልቢ የሆዋ የሐጕሶ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ብዛዕባይ ብሓቂ ዚግደስ ኣሎዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መእተዊ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
wp18 ቍ. 3 ገጽ 3
ሽምዓ ዝሓዙ ሓዘንተኛታት

“ኣምላኽ ኣበይ ነይሩ፧”

“‘ኣምላኽ ኣበይ ነይሩ፧’ እትብል ሕቶ ብዙሕ ሳዕ እያ እትሕተት።”—ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16፡ ኣብ ኦሽዊትዝ፡ ፖላንድ ንዚርከብ ናይ ቀደም መዳጐኒ ደምበ ኺበጽሑ ኸለዉ እተዛረብዎ።

ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ፡ ‘ኣምላኽ ኣበይ ነይሩ፧’ ኢልካ ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ ወይ ኣብ ህይወትካ ዜሕዝን ፍጻመታት ምስ ኣጋጠመካ፡ ኣምላኽ ብዛዕባኻ ዚሓሊ እንተ ዀይኑ ኣተሓሳሲቡካዶ ይፈልጥ፧

ምናልባት ከምቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንእትነብር ሺላ እተሰምዓ ይስምዓካ ይኸውን። እዛ ኣብ ሃይማኖተኛ ስድራ ቤት ዝዓበየት ሰብ እዚኣ ኸምዚ ትብል፦ “ካብ ቍልዕነተይ ኣትሒዘ፡ ኣምላኽ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ ብእኡ እምሰጥ ነይረ። ይኹን እምበር፡ ናብኡ ዝቐረብኩ ዀይኑ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን እዩ። ይርእየኒ ኸም ዘሎ፡ ግናኸ ኻብ ርሑቕ ጥራይ ከም ዚርእየኒ እየ ዝሓስብ ነይረ። ኣምላኽ ከም ዚጸልኣኒ ገይረ ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ፣ ግናኸ፡ ብዛዕባይ ይሓሊ እዩ ዚብል እምነት ኣይነበረንን።” ሺላ፡ ኣምላኽ ይሓልየላ እንተ ዀይኑ እተጠራጠረት ስለምንታይ እያ፧ ከምዚ ትብል፦ “ንስድራ ቤትና ተደራራቢ ዜሕዝን ፍጻመታት ኣጋጢምዋ እዩ፣ ኣምላኽ ከኣ ምንም ዚሕግዘና ዝነበረ ኣይመስልን እዩ ነይሩ።”

ንስኻ እውን ልክዕ ከም ሺላ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዘሎ ትኣምን ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባኻ ብሓቂ ዚሓሊ እንተ ዀይኑ የተሓሳስበካ ይኸውን። እቲ ጻድቕ ዝነበረ እዮብ እውን ፈጣሪና ሓያልን ጥበበኛን ምዃኑ ይኣምን እኳ እንተ ነበረ፡ ተመሳሳሊ ጥርጣረ ግና ነይርዎ እዩ። (እዮብ 2:3፣ 9:4) እዮብ ተደራራቢ ዜሕዝን ፍጻመታት ምስ ኣጋጠሞ፡ መስተርሆ ዚረክብ ኰይኑ ስለ ዘይተሰምዖ፡ ንኣምላኽ፡ “ስለምንታይ ገጽካ እትሓብኣለይ፡ ከም ጸላኢኻ እውን እትቘጽረኒ፧” ኢሉ ሓቲትዎ እዩ።—እዮብ 13:24።

እሞ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ዜሕዝን ፍጻመታት ኬጋጥም ከሎ፡ ኣምላኽ ድዩ ተሓታቲ፧ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻን ንነፍሲ ወከፍና በብውልቅን ከም ዚሓልየልና ዜረጋግጽ መርትዖ ኣሎዶ፧ ነፍሲ ወከፍናኸ ኣምላኽ ብብሕቲ ዜስተብህለልና፡ ዚርድኣልና፡ ዚድንግጸልና፡ ወይ ኣብ ጸገምና ዚሕግዘና እንተ ዀይኑ ብሓቂዶ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና፧

ኣብዘን ዚስዕባ ዓንቀጻት፡ ፍጥረት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ሓልዮት እንታይ ከም ዚምህረና ኽንምርምር ኢና። (ሮሜ 1:20) ድሕሪኡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓልዮት ኣምላኽ እንታይ ከም ዚገልጽ ክንርኢ ኢና። ብፍጥረትን ብቓሉን ኣቢልካ ንኣምላኽ ብዝያዳ ‘ብዝፈለጥካዮ’ መጠን፡ ከም ‘ዚሓልየልካ’ ብዝያዳ ኽትተኣማመን ኢኻ።—1 ዮሃንስ 2:3፣ 1 ጴጥሮስ 5:7።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ