ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w19 ታሕሳስ ገጽ 30
  • ትዝክሮዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትዝክሮዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ዓቕልኻ ኣይትጸንቅቕ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ዕምቈት እታ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ብቐጻሊ ኣርኢ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ንጽህና ምሕላው ፍጽምና ዚሓትት ኣይኰነን
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ስነ ምግባራዊ ንጽህናኻ ሓሉ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
w19 ታሕሳስ ገጽ 30

ትዝክሮዶ፧

ነዚ ኣብ ናይ 2019 ግምቢ ዘብዐኛ እተመስረተ ሕቶታት ክትምልሶዶ ትኽእል፧

እቲ፡ “ኵሉ እቲ ኣንጻርኪ እተሰርሐ ኣጽዋር ኣይኪጠቅምን እዩ” ዚብል ኣምላኽ ዝኣተዎ ቓል እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧ (ኢሳ. 54:17)

ኣምላኽ ካብቲ ኸም “ሃፈጽታ ጨቈንቲ” ዝኣመሰለ መጥፍኢ ሓይልታት ከም ዜዕቍበና ኽንኣምን ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 25:4, 5) ጸላእትና ነባሪ ጕድኣት ከቶ ኣይኬውርዱልናን እዮም። —w19.01፡ ገጽ 6-7።

እቲ ኣምላኽ ንከነኣናውያን ኰነ ነቶም ፋሉል ዝኸዱ እስራኤላውያን ዝሓዘሉ መገዲ ንፍትሑ ዜንጸባርቕ ብኸመይ እዩ፧

ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ርኹስ ጾታዊ ንጥፈታት ዚሳተፉ ወይ ንኣንስትን ንቘልዑን ዚገፍዑ ፍርዱ ይፍጽም እዩ። ነቶም ንዕኡ እዙዛት ዝዀኑን ንኻልኦት ብፍትሒ ዚሕዙን ከኣ ይባርኾም እዩ።—w19.02፡ ገጽ 22-23።

ዘይኣማኒ ኣብ ዚጽልየሉ እዋን እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ብኣኽብሮት ጸጥ ክንብል ንኽእል ኢና፣ ግናኸ፡ “ኣሜን” ኣይንብልን ወይ ምስ ካልኦት ኢድ ንኢድ ኣይንተሓሓዝን ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ ብልብና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና።—w19.03፡ ገጽ 31።

ህስያ ቘልዑ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣኽቢድካ ዚርአ፧

ህስያ ቘልዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ግዳይን ኣብ ልዕሊ ጉባኤን ኣብ ልዕሊ ዓለማውያን ሰበ ስልጣንን ኣብ ልዕሊ ኣምላኽን ዚፍጸም በደል እዩ። ሽማግለታት ነቲ ንውንጀላ ህስያ ኽትሕብር ዚጠልብ ዓለማዊ ሕግታት ይእዘዝዎ እዮም።—w19.05፡ ገጽ 9-10።

ብኸመይ ኢኻ ኣተሓሳስባኻ ኽትልውጥ ወይ ከተመሓይሽ እትኽእል፧

እቲ ቐንዲ ስጕምትታት እዚ ዚስዕብ እዩ፦ ወትሩ ንየሆዋ ብጸሎት ተዛረቦ። ገዛእ ርእስኻ ንምግምጋም ኣስተንትን። ኣዕሩኽካ ብጥበብ ምረጽ።—w19.06፡ ገጽ 11።

ንመስጐጕቲ ንምድላው እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ከነደልድል ኣሎና። ንሱ ኸም ዜፍቅረናን ከም ዘይጥንጥነናን ክንኣምን ኣሎና። መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብን ብስሩዕ ክንጽልን ኣሎና። በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ክንኣምን ኣሎና። እንፈትዎ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን መዝሙራት ውዳሰን ብቓልና ኸነጽንዕ ኣሎና።—w19.07፡ ገጽ 2-4።

ንቤተ ሰብና ንምሕጋዝ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ክንርድኣሎም፡ ብሰናይ ኣካይዳና ኣብነት ክንኰኖም፡ ከምኡ ድማ ዕጉሳትን ሜለኛታትን ክንከውን ኣሎና።—w19.08፡ ገጽ 15-17።

ከምቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 11:28 ዝበሎ፡ ብኸመይ ኢና ዕረፍቲ እንረክብ፧

ፈቃራት ክርስትያናት ሓለውቲ ኣለዉና፡ ብሉጻት ብጾት ኣለዉና፡ ብሉጽ ዕዮ እውን ኣሎና።—w19.09፡ ገጽ 23።

ብኸመይ እዩ ኣምላኽ፡ ድሌትን ንምግባር ዓቕምን ዚህበና፧ (ፊል. 2:13)

ቃል ኣምላኽ ከነንብብን ብዛዕባኡ ኸነስተንትንን ከለና፡ ኣምላኽ ፍቓዱ ንምግባር ዜኽእል ድሌትን ዓቕምን ኪህበና ይኽእል እዩ። መንፈሱ ኸኣ ንኽእለታትና ኺስሕሎ ይኽእል እዩ።—w19.10፡ ገጽ 21።

ከቢድ ውሳነ ቕድሚ ምግባርና፡ እንታይ ጥበባዊ ስጕምትታት ክንወስድ ኣሎና፧

ክንወስዶ ዘሎና ሓሙሽተ ስጕምቲ እዚ ዚስዕብ እዩ፦ ሰፊሕ ምርምር ግበር። ጥበብ ኪውሃበካ ጸሊ። ንውሽጣዊ ድራኸኻ መርምሮ። ሸቶታትካ ብዝርዝር ኣነጽር። ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ኣረኣእያ ይሃሉኻ።—w19.11፡ ገጽ 27-29።

መበቈል ነፍሲ ኣይትመውትን ዚብል ሓሳብ፡ ካብቲ ሰይጣን ንሄዋን ኪዛረባ ኸሎ ዝበሎ ድዩ፧

ኣይፋልን ኪብሃል ይከኣል እዩ። ሰይጣን ንሄዋን ኸም ዝሞተት ከም እትመስል ዘይኰነስ፡ ከም ዘይትመውት እዩ ነጊርዋ። ኵሉ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ ማይ ኣይሂ ጠፊኡ እዩ። ነፍሲ ኣይትመውትን ዚብል እምነት፡ ኣምላኽ ነቶም ንግምቢ ባቤል ዚሃንጹ ዝነበሩ ህዝቢ ፋሕ ቅድሚ ምባሉ እዩ ጀሚሩ ኪኸውን ዘለዎ።—w19.12፡ ገጽ 15።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ