ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ትምህርታዊ ንጥፈታት የተባብዕ
1 ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ኣብቲ ናይ ማሕበር የሆዋ ትምህርታዊ መደባት ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ጉጅለታት ኣብ ኩሉ እቲ ዞባ ፋሕ ዝበላ ስለ ዝኾና ኩላቶም ንኽካፈሉ ዝምችእ ኢዩ። ተገደስቲ ናብታ ኣብ ጥቓኦም ዘላ ጉጅለ ክካፈሉ ክትዕድሞም ዝያዳ ፍቓደኛታት ክኾኑ ይኽእሉ።
2 ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ሒደት ክትከውን ጻዕሪ ይግበር ኢዩ። እዚ ነቲ ዝመርሕ ንነፍሲ ወከፎም ብሕታዊ ሓገዝ ንኽህብ ዝጥዕም ኢዩ። ኩላቶም ብማዕረ ነቲ ትምህርቲ ክርድእዎ ኣይክእሉን ኢዮም። ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣቐዲሙ ተዳልዩ ከብቅዕ ንሓንቲ ሓሳብ ንምርዳኣ ጸገም እንተድኣልይዎ: እቲ ዝመርሕ ድሕሪ እቲ ትምህርቲ ነታ ነጥቢ ምስኡ ክዘራረበላ ይኽእል ኢዩ። ብተወሳኺ ኣብ ንእስ ዝበለ ጉጅለ ሓሳብ ክትህብን ኣብቲ ምንባብ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ክትካፈልን ዝያዳ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ስርዓታዊ ኮይንካ ብምምላሽ ኣብቲ ዝርርብ ኣበርክቶዶ ትገብር ኢኻ? ብናትካ ቃላት ገይርካ ክትምልሽ ትፍትንዶ? ንክትምልሽ ዘሎካ ቅሩብነት ንዓኻን ንኻልኦትን ጠቓሚ ኢዩ። ክትዳሎ ከሎኻ ብብሕትካ ንገለ ነጥብታት ኣብቲ ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዝውዕሉ መታን ክትመሚ ነቲ ናይ ምስትውዓል ሓይልኻ ተጠቐመሉ። — እብ. 5:14
3 ነቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝመርሕ ሓው ዝጥቀመሉ ናይ ኣመሃህራ ሜላ ብምዕዛብ ከመይ ጌርካ ዝያዳ ኣገዳስን ሃናጽን ብዝኾነ መገዲ: ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትመርሕ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። እተን ዓንቀጻት ብሓደ ክኢላ ሓው ምስ ተነባ ነተን ሕቶታት ምምይያጥ ይግበረለን። እቲ ዝመርሕ ኩላቶም ደሃዮም ከም ዝስማዕ ገይሮም ክምልሱ የተባብዖም። ግዜ ዘፍቅድ እንተድኣ ኮይኑ እቲ ሓው ነቶም ተጻሒፎም ዘለዉ ጥቕስታት ኣወዓዕላኦም ክርድኣና መታን ተወሳኺ ሓሳባት ክወሃብ ይጽዕር። (ምስ ነህምያ 8:8 ኣነጻጽሮ) ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ቀንዲ ነጥቢ መታን ክንጽር ተወሳኺ መብርሂ ሓሳባት ወይ ሓገዝቲ ሕቶታት ከቕርብ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ኣብነት ወይ ምስላ እንተ ተጠቒሙ ከኣ እቲ ትምህርቲ ምስ ናብራና ብኸመይ ከም ዝተሓሓዝ ንኽንርኢ ክሕግዘና ይኽእል።
4 ኣብ ገለ ገለ ጉጅለ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ኣብቲ ኣኼባ ዝካፈሉ ውሑዳት ኢዮም። ስርዓታዊ ኮይንካዶ ትካፈል ኢኻ? ዘይትካፈል እንተድኣ ኮይንካ ሓደ ኣገዳሲ ምስንዳእ ተጥፍእ ኣሎኻ። ትምህርቲ መጽሓፍ ሓደ ካብቶም የሆዋ ይሓልየልና ምዃኑ ዝገልጹ መደባት ኢዩ። (1 ጴጥ. 5:7) የሆዋ መታን ብመንፈስ ክንብርትዕ ብፍልጠትን ጥበብን ክንዓቢ ይደልየና ኢዩ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ሰይጣን ንየሆዋን ማሕበሩን ዘይንጠቅም ኮይንና መታን ክንደክም ንመንፈሳዊ ዕብየትና ከዝሕሎ ኢዩ ዝደሊ። ከምዚ ክኸውንስ ኣይነፍቅደሉ! እቲ ኣብዛ ኣዝያ እትቀራረብ ጉጅለ ዘሎ ምዉቕ ፍቕራዊ ሃዋህው ንልብና ተንኪፉ ንየሆዋ እናኣመስገንና ከም እንቅጽል ይግበረና። — ምስ መዝሙር 111:1 ኣነጻጽሮ።
5 ነቶም ኣስፋሕቲ ዝምችእ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ኣብ መብዛሕትኡ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝግበረሉ ቦታታት ይምደብ ኢዩ። እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ሰሙን: መወዳእታ ሰሙን ወይ ከኣ ንናይ ምሸት ምስክርነት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ መራሒ እኹል ዞባ ከም ዘሎን ኣብቲ ግራት መሪሕነት ዝወስድ ገለ ሰብ ምህላዉን ከረጋግጽ ኣለዎ። ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ካብ 10–15 ደቒቕ ክሓልፍ የብሉን። እቲ ዝመርሕ ነታ ዕለታዊት ጠቕሲ ምስቲ ዕዮ ስብከት ትሰማማዕ እንተኾይና ሕጽር ዝበለ ሓሳብ ምስ ሃበ ሓደ ወይ ክልተ ንጹር ርእይቶታት ናይ ግራት ኣገልግሎት ይህብ ወይ ሓጺር ተዋስኦ ናይቲ ኣብቲ እዋን ዝዕደል ጽሑፍ የቕርብ።
6 እቲ ዝመርሕ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይታ ጉጅለ ግቡእ ምትብባዕን ምልምማድን መታን ክህብ በብግዜኡ ብብሕቲ ምስ ኩሎም ክዓዪ ክጽዕር ኣለዎ። — ምስ ማርቆስ 3:14፣ ሉቃስ 8:1 ኣነጻጽሮ።