ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
1. ነታ ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧ ዘርእስታ ብሮሹር፡ ካብ መዓስ ጀሚርና ኢና ኸነጽንዓ፧ እዚኸ ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧
1 ካብታ 28 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን ኣትሒዙ፡ እታ ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧ ዘርእስታ ብሮሹር ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ኽትውሰድ እያ። እዛ ሓዳስ ብሮሹር እዚኣ፡ ኣብቲ ‘ንልብኹም ሓልውዎ’ ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ እያ ወጺኣ፣ ዕላማኣ ድማ፡ ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ውድብ የሆዋ ንምምራሕ እዩ። ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ምጽናዕና፡ ክፍሊ ውድብ የሆዋ ምዃንና ንዘሎና ሞሳ የዕምቖ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ እዛ ንኣገልግሎት እትሕግዝ ጠቓሚት ንዋት ብዝያዳ ንኽንላለ እውን ኪሕግዘና እዩ።—መዝ. 48:13።
2. እታ ብሮሹር ኣብ ጉባኤ እትጽናዕ ብኸመይ እያ፧
2 ብኸመይ ከም እትጽናዕ፦ ነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ ማዕረ ትዅረት ምእንቲ ኺግበረሉ፡ እቲ ዚመርሕ ሓው፡ ነቲ እተመደበ ግዜ ኺመቓቕሎ ኣለዎ። ንነፍሲ ወከፍ እተን 28 ትምህርትታት፡ በቲ ኣብ ኣርእስተን ዚርከብ ሕቶ ገይሩ ኼፋልጠን እዩ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣንባቢ፡ ነቲ መእተዊ ሕጡብ ጽሑፍ ንኼንብቦ ይዕድሞ። ካብኡ፡ እቲ ዚመርሕ ሓው ንሰማዕቲ፡ ነታ ንመእተዊ ዘዳለዋ ሕቶ ይሓትቶም። ስለዚ፡ እቲ ብድሙቕ ብእተጻሕፈ ምሉእ ሓሳባት ዚጅምር ክፋል፡ በበይኑ ኺንበብን ምይይጥ ኪግበረሉን ኣለዎ። እቲ ኽፋል ምስ ተነብበ፡ እቲ ዚመርሕ ሓው ነቶም ሰማዕቲ፡ ኣብቲ ኽፋል ዚርከብ ሓሳብ ነቲ ኣብ ኣርእስቲ እቲ ትምህርቲ ዘሎ ሕቶ ብኸመይ ከም ዚምልሶ ይሓትቶም። እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ሓሳብ ኪውሃበሉ ዚኽእል ሓያሎ ስእልታት እውን ኣለዋ። ግዜ ኸም ዜፍቅዶ፡ ቀንዲ ጥቕስታት ኪንበብ ኣለዎ። እቲ ዚመርሕ ሓው፡ ናብቲ ዚቕጽል ትምህርቲ ቕድሚ ምስጋሩ፡ ነቲ ኣብ እግሪ እቲ ገጽ ዘሎ ሕቶታት ኪሓትት ኣለዎ። “ንተወሳኺ ሓበሬታ” ዚብል ሳጹን እንተ ደኣ ኣልዩ፡ በቲ ኣንባቢ ኸም ዚንበብ ኪገብር ኣለዎ፣ ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ርእይቶ እዚ እንተ ደኣ ስዒቡ ብኸመይ ከም ዚጥቀም ሓሳብ ንኺህቡ ድማ ንሰማዕቲ ኺሓትቶም ኣለዎ። እቲ ዚመርሕ ሓው፡ ግዜ ዜፍቅደሉ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ መጽናዕቲ፡ ነቲ ኣርእስትታት እቲ ትምህርቲ ኸም ናይ ድግማ ሕቶታት ገይሩ ኺጥቀመሉ ይኽእል እዩ። በዛ ብሮሹር እዚኣ ተጠቒምና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ኣብ እንመርሓሉ እዋን፡ በዚ መምርሒ እዚ ኽንቅየድ ኣሎና ማለት ግና ኣይኰነን።
3. ካብ መጽናዕቲ እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽትጥቀም፡ ናብ ኣኼባ ብግቡእ ተዳሊኻ ኽትመጽእ ኣሎካ። ተሳትፎ ንምግባር ዚከኣለካ ዘበለ ጽዓር። ኣብ እዋን እቲ ምይይጥ፡ እቲ ትምህርቲ ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ኪጠቕሞም ከም ዚኽእል ሕሰብ። ነዛ ሓዳስ ብሮሹር እዚኣ ምጽናዕና፡ ካልኦት ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ንኺሓብሩና ንኽንሕግዞም ተዕጥቐና እያ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቶም ዝሓገዝናዮም ሰባት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኸም ዚረኽቡ ንገብሮም።—1 ዮሃ. 2:17።