ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብመጽሔት ተገደስ
1 ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡዉን ንቕሑ! ዝበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት: እቲ ዘጸናንዕን ዘተባብዕን መልእኽቲ ናይ ዘለኣለም ብስራት ኣለዎም ። ንመጽሔት እትግደስ ምዃን: ተጠንቂቕካ ከተንብቦም ግዜ ክትወስድን እተን ዓንቀጻት ከኣ ኣብ ከባቢኻ ንዘለዉ ሰባት ብኸመይ ከም ዝማርኽኦም ምሕሳብን ዘጠቓለለ ኢዩ ።
2 ብመጀመርያ ምስቶም ኣብቲ ገበር ጎሊሖም ዘለዉ ዓንቀጻት ተላለ። እቶም ኣብቲ ገበር ዘለዉ ስእላዊ መግለጺታት ነቲ ብዓል ገዛ ክማርኽዎን ነቶም መጽሔታት ክቕበል ከለዓዕልዎን ኢዮም። ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሰባት ክማርኹ ዝኽእሉ ዓንቀጻት ውሰድ። ብቐዳምነት እቶም ሰባት ሓደ ዓይነት ሃይማኖታዊ እምነት ድዩ ዘለዎም? እቲ ብዝያዳ ዘገድሶምከ እንታይ ኢዩ? ነዞም ሓሳባት እዚኣቶም ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ: ኣስላጢ ዝኾነ መእተዊ ክትቅርብ ክትክእል ኣሎካ። ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ኣስተብህለሎም።
3 ናይ 1 ጥቅምቲ “ግምቢ ዘብዐኛ” ተበርክታ እንተድኣ ኣሊኻ: ነታ “መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ናይ ሓቂ ቁም ነገሩ እንታይ እዩ?” እትብል ዓንቀጽ ተቕርብ ትኸውን። ከምዚ ክትብል ትኽእል:-
◼ “ኣብ ማሕበረ ሰብና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም: ገለ ፍሉይ ቁም ነገር ከም ዘለዎ ይስምዖም ኢዩ።” ስለዚ ቀጥታዊ ሕቶ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ከም:- “ንመጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ ኢልካ ትሓስብ?” ወይ ድማ “ብዙሓት ሰባት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክጥቀሙስ እንታይ ክሕግዝ ይኽእል ምበልካ?” ደድሕሪ መልሲ ናይቲ ብዓል ቤት: ዝሰማማዕ ርእይቶ ጌርካ ክትቅጽል ትኽእል ትኸውን: ንኣብነት:- “መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ንዓና ዘተኣማምን መምርሒ ዘለዎ ምዃኑን ንምርግጋጽ ኣዝዩ ብዙሕ መርትዖታት ኣሎ። ናብ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ሓቂ ሒዙ ኣሎ። [ዮሃ. 17:3 ኣንብብ] ብዙሓት ሰባት የኽብርዎ ኢዮም: ግን ከመይ ጌሮም ከም ዝጥቀምሉ ኣይፈልጡን ኢዮም። እታ ኣብዚ ግምቢ ዘብዐኛ እዚ ዘላ ዓንቀጽ ብዛዕባ መጻኢ ዝምልከት ሕቶታትካ መልሲ ክትረክብ ብኸመይ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብብሕትኻ ክትጥቀመላ ከም እትኽእል ትገልጽ ኢያ። ነዛ ቅዳሕ እዚኣ ምሳኻ ክገድፋ ደስ ኢዩ ዝብለኒ። እንተድኣ ኣሐጕሳትካ: ኣብ ዝመጽእ ክበጽሓካ ከለኹ: ብኸመይ ግምቢ ዘብዐኛ ብስሩዕ መደብ ናብ ቤትካ ክመጸካ ከም ዝኽእል ከርእየካ ኢየ።”
4 ነታ ናይ 15 ጥቅምቲ “ግምቢ ዘብዐኛ” ተጠቒምካ ነዚ ዝመስል ቅልል ዝበለ ኣቀራርባ ክትመርጽ ትደሊ ትኸውን:-
◼ “ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ: ዘፍቅሮ ሰብ ብሞት ስኢኑ ኢዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ: ‘ኵነታት ናይቶም ምዉታት እንታይ ኢዩ?’ ዝብል ሕቶ ተልዕል ኣላ። ሰብ ምስ ሞተስ እንታይ ክኸውን ኢዩ ኢልካ ትሓስብ? [መልሲ ተጸበ] ነዛ ሕቶ እዚኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝምልሳ ክትፈልጥ ትደሊ እንተድኣ ኴንካ: ነዛ ቅዳሕ ናይዛ መጽሔት ክገድፈልካ ደስ ኢዩ ዝብለኒ።” እቲ በዓል ገዛ ሕጽር ዝበለ ጽሑፍ እንተድኣ መሪጹ ነታ ሞይቶም ንዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ተስፋ ኣለዎም? እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ ትራክት ምእንቲ ከነበርክታ ምሳና ንሓዛ።
5 ሓድ ሓደ ግዜ ኣብቲ ገበር ዘይተገልጹ ኣዝዮም ዝስሕቡ ዓንቀጻት: ኣብ ውሽጢ እታ መጽሔት ይወጹ ኢዮም። ንኣብነት ናይ 15 መስከረም ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ በደል ምሕዳግ ብፍላይ ኣብ መንጎ ምርዕዋት ብጾት ዝምልከት ጽቡቕ ናይ ገበር ዓንቀጽ ኣለዋ። ግን ንሓደ ንጽል ዝኾነ ወይ ድማ ንሓንቲ መበለት ወይ ሓደ መኣምን ከተዘራርብ ከሎኻ እንታይ ምበልካ? ነቲ ኣብ ገጽ 21 ዘሎ “ንህይወትካ ጽምዋ ከጕህዮ ኣይተፍቀደሉ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ዓንቀጽ ከተወሃህድን ከተጕልሕን ፈትን። ነታ መጽሔት ከተበርክታ ከሎኻ እቲ ብዓል ቤት ነቲ ስእላዊ መግለጺ ክርእዮን ነቲ ኣርስቲ ባዕሉ ምእንቲ ከንብቦን ገንጽላ ኢኻ። ከምኡውን ብፍላይ እቲ ንቕሑ! ዝበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት እንተኣልዩ ክልተ መጽሔታት ብሓንሳእ ከተበርክት ኣይትጠራጠር። ኣወንታዊ ኹን: እኹል መጽሔታት ድማ ኣብ ቦርሳኻ ሓዝ። ክሳዕ እትደሊ እቲ በዓል ቤት ጠጠው ምእንቲ ከይብል ብምዕሩይ ዝኾነ መገዲ ኣንብሮም።
6 ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትዘራረበሉ እንተ ዘይከኣልካውን: ነዘን መጽሔታት እዚኣተን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማዕጾ ከተበርክተን ጻዕሪ ግበር። ከምኡውን ንተመላሊስካ ምብጻሕ ትገብረሎምን ጽንዓታትን ኣብ ቤት ጽሕፈታትን ንእትፈልጦምን ኣብቲ ናይ መገዲ ዕዮን ዓድለን። ኣቀራርባኻ ሓጺር ግበሮ: ኩሉ ነቲ ኣብታ መጽሔት ዘሎ ክትነግሮም ኣይትፈትን። ንገዛእ ርእስኻ ሸቶ ኣውጽእ: ኣወንታዊ ኹን ብዝበለጸ ድማ ብዛዕባ መጽሔታትና ምሱጥ ኩን።