ንትሑታት ሰባት ዝኸውን ብስራት
1 ኣብቲ ፍርዲ ዝቐራረበሉ ዘሎ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። (ህዝ. 9:5, 6) ኣብ ኵሉ ቦታ ዘለዉ ትሑታት ሰባት ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ክቕረብሉ ምእንቲ ክኽእሉ ክንገር ህጹጽ ኢዩ። የሆዋ ብፍቕራዊ ሕያውነቱ ተደሪኹ ‘ንትሑታት ብስራት ከበስሩ’ ንህዝቡ ኣዚዝዎም ኢዩ። (ኢሳ. 61:1, 2) መጽሔታትና ነቲ ብስራት ኣብ ኵሉ ቦታ ከነብጽሖ ክሕግዙና ኢዮም።
2 ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ሓይሊ ዝህበናን ዘለዓዕለናን ዕጹም መንፈሳዊ ምግቢ ይህቡና ኢዮም። ግምቢ ዘብዐኛ መንግስቲ ኣምላኽ ቀልጢፋ ንምድሪ ናብ ገነት ከም እትልውጣ ብስራት ብምንጋር ነቶም ትሑታት የጸናንዖም። ንቕሑ! ድማ ኣብቲ ፈጣሪ ብዛዕባ ሰላማዊትን መዕቆቢትን ዝዀነት ሓዳስ ዓለም ዝሃቦ መብጽዓ ተኣማንነት ከሕድሩ ይድግፎም። ሰፊሕ ምዝርጋሕ ናይዞም መጽሔታት እዚኣቶም ሓደ ካብቲ ብስራት ነቶም ትሑታት ንምብጻሕ እቲ ዝቐልጠፈ መገዲ ኢዩ። ካብተን ሓደስቲ ሕታማት እንታይ ናይ መዛረቢ ነጥብታት ከነጉልሕ ንኽእል?
3 ናብቲ “ካብ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ብምቕላብን ቀጺሉ ዘሎ ሕቶ ብምሕታትን ነታ ናይ 1 ግንቦት “ግምቢ ዘብዐኛ” ከተበርክታ ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ብዛዕባ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ ክንመያየጥ ኢና መጺና ዘሎና። ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብናስ እንታይ ጥቕሚ ክንረክብ ንኽእል ኢልካ ትሓስብ? [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ኣብ ሮሜ 15:4 ነዚ ሕቶ እዚ ክንሓስበሉ ይሕግዘና ኢዩ። [ሮሜ 15:4 ኣንብባ።] ኣብ ሕብረተሰብና ገለ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዎም: ይኹን እምበር ስርዓታውያን ኰይኖም ከንብቡ ግዜ ዝረኽቡ ውሑዳት ኢዮም። እቲ ሓደ ርግጸኛ ተስፋ ናይ መጻኢ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝርከብ ኢና እንኣምን: እንተደኣ ኣንቢብናያ ድማ ክንባረኽ ኢና።” ዝሰማማዕ ተወሳኺ ሓሳባት ሃብ እሞ ነተን መጽሔታት ወይ ድማ ምዝገባ ጽሑፋት ኣበርክተን።
4 እታ ናይ 15 ግንቦት “ግምቢ ዘብዐኛ” (እንግሊዝኛ) ነቲ ዘነቓቕሕ “ሓድሽ ህይወት ንኣባሓጎታትና” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ተቕርብ። በዚ መእተዊ እዚ ገይርካ ተገዳስነት ከተለዓዕል ትኽእል ትኸውን:-
◼ “ብዙሓት ኣባሓጎታቶም ንመን ከም ዝመስሉ ብምግራም ይሓስቡ። ሞይቶም ድሮ ስለ ዝሓለፉ ድማ ዝበዝሑ ሰባት ኣይክንፈልጦምን ኢና ኢሎም ይድምድሙ። ንኣባሓጎታትና እንፈልጠሉ ገለ ኣጋጣሚ ይህሉ ይኸውን ኢልካዶ ትሓስብ?” መልሲ ተጸበ። ንዮሃንስ 5:28, 29 ኣንብባ እሞ ኣምላኽ ብኸመይ ኣብ ገነት ዝዀነት ምድሪ ሓድሽ ህይውት ክህቦም ከም እተመባጽዐ ግለጽ።
5 ኣብቲ ሰባት ክሰምዕሉ ዘይደልዩ ቦታ ምእንቲ ክትጅምር: በታ “ህይወት ኣብታ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም” ገይርካ ነዚ ቀሊል ኣቀራርባ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ:-
◼ “እንታይ ዓይነት ተስፋ ከም ዘሎካ ኣይፈልጥን ኢየ: ይኹን እምበር (ናብቲ ኣብታ ትራክት ዘሎ ስእሊ ኣመልክት) ኣነ ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ሽግር ዘይብላ ሰላም ዝመልኣ ዓለም ክነብር ተስፋ ኣሎኒ።
◼ ካልእ መገዲ ናይዚ ኣበሃህላ እዚ ከምዚ ይኸውን:- “ኣብ ከምዚ ኣብዚ ስእሊ ዘሎ ገነት ክትነብር እንተ ትዕደምሲ: ነቲ ዕድመ ምተቐበልካዮዶ?” (ኣብ ካልእ ሕታም ዘሎ ናይ ገነት ስእሊ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።”
6 በቶም ቅድሚ 14 ግንቦት ዘለዉ መጽሔታት ገይርካ ትዓዪ እንተደኣ ኣሊኻ: ዜና ናይታ መንግስቲ ቍጽሪ 34 ክትማልኣ ርግጸኛ ኩን ከምኡውን ናታ ቅዳሕ ዘይተቐበለ ሰብ ምስ ዝህሉ ኣበርክተሉ። ብኻልኦት ኣብታ ስድራቤት ዘለዉን ክበጽሑ ብዝመጹ ኣዕሩኽን ክንበብ ከም ዝኽእል ብምግንዛብ ጽሑፋትና ከነበርክት ኵሉ ግዜ ቅሩባት ክንከውን ይግብኣና። (1 ጢሞ. 6:18) እቲ ናብቶም ትሑታት እነብጽሖ ብስራት ህይወቶም ከድሕን ይኽእል ኢዩ።—1 ጢሞ. 4:16