ነቶም ብቑዓት ሰባት ድለይዎም
1 ሓደ ካብቲ ናይ ዕዮ ስብከት ዕላማ ነቶም “ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ [“ዝበቕዑ:” ትሓዓ ]” ሰባት ምድላይ ኢዩ። (ግብ. 13:48) መጽሔታትና ሰባት ንተስፋ ናይታ መንግስቲ ከም ዝግንዘቡዎ ዝገብርዎም ብምዃኖም ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ምዝርጋሕ: ነዚ ዕዮ እዚ ንምፍጻም ብሉጽ መገዲ ከም ዝዀነ ተረጋጊጹ ኢዩ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ነዞም መጽሔታት እዚኣቶም ክንዕድል ኢና። ኣብቲ ተገዳስነት እተራእየሉ ድማ: በታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትብሃል መጽሓፍ: መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር: ወይ በታ ብምንባር ተሓጐሱ እትበሃል ብሮሹር ገይርና ሓድሽ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክንጅምር ከም እንኽእል ተስፋ ኣሎና። ገለ ክጠቕመካ ዝኽእል ርእይቶታት ድማ እንሆ:-
2 ነታ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝነበረ ህዝባዊ ዝርርብ ዘተኰረት: ናይ 1 ሚያዝያ “ግምቢ ዘብዐኛ ” ትጥቀም እንተድኣ ኣሊኻ: “ነቲ ንጉስ ዘለኣለም ወድስዎ ” ዝብል ብምጕላሕ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ብዙሓት ዘዘራረብናዮም ሰባት ኣብ ኣምላኽ እምነት ኣለዎም። ካልኦት ድማ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ኣሸጋሪ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም። ንስኻኸ ከመይ ይስማዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣምላኽ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ብዙሕ ጭቡጥ ዝዀነ መርትዖታት ኣሎና። [መዝሙር 104:24 ኣንብብ።] መስኣሊት ወይ ድማ ኮምፒዩተር ምስ እንርኢ: ሓደ መስተውዓሊ ነዳፊ ከም ዘዳለዋ ብዘይ ገለ ምጥርጣር ኣፍልጦ ንህበሉ ኢና። ከም ምድርን ሰባትን ዝኣመሰሉ ኣዝዮም እተሓላለኹ ነገራትከ ብዕድል ኢዮም መጺኦም ምባል ምኽንያታዊ ድዩ፧” ኣብ ኣምላኽ ንምእማን ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘሎ ንኸተርእዮ ካብታ ዓንቀጽ ሓንቲ ቍጽሪ ተጠቐም። ድሕርዚ ክልተ መጽሔታት ኣበርክተሉ።
3 እታ ናይ 15 ሚያዝያ “ግምቢ ዘብዐኛ” “ሓቀኛ ኣምልኾ ስለምንታይ ናይ ኣምላኽ በረኸት ከም ዝረክብ” ዝብል ዓንቀጽ ኢያ እተጕልሕ። ቅድሚ ምዕዳልካ ከምዚ ኢልካ ክትሓትት ትኽእል:-
◼ “እዘን ኣብ ዓለም ዘለዋ ብማኣታት ዝቝጸራ ሃይማኖታት: ኵለን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡላት ኢየን ኢልካዶ ትሓስብ፧ [ሓሳቡ ክገልጽ ተጸበዮ።] የሱስ ብዙሓት ሃይማኖታውያን ሰባት ዝብልዎ ብዘየገድስ: እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዘይገብሩ ክንጸጉ ምዃኖም ተነብዩ ነበረ። [ማቴዎስ 7:21-23 ኣንብብ።] ነታ የሱስ ብዛዕባኣ ዝምህር ዝነበረ ሓቀኛ ሃይማኖት ከነለልያ ኣድላዪ ኢዩ።” ናብቲ ኣብ ገጽ 16 ዝጅምር “ሓቀኛ ሃይማኖት እንታይ ፍረ ክትፈሪ ይግብኣ፧” ዝብል ኣርእስቲ ገንጽል እሞ: ነቲ ነጥቢ ንምብራህ ድማ ንሓደ ኣብነት ተዘራረበሉ።
4 ነቲ ኣብ ናይ 22 ሚያዝያ ንቕሑ! ዘሎ “ፈጺሙ ውግእ ዘይህልወሉ ግዜ” ዝብል ቀንዲ ኣርእስቲ ከተጕልሕ ከሎኻ: ከምዚ ምባል ክትሓስበሉ ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣብዚ ዘበን እዚ: ነቲ ክልተ ናይ ዓለም ውግኣት ሓዊስካ ብማኣታት ዝቝጸር ውግኣት ተኻይዱ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብልክዕ ክርአ ኸሎ ኵሎም ናይ ዓለም መራሕቲ ሰላም ከም ዝደልዩ ይዛረቡ ኢዮም። ኣነ ዝፈልጦ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ ልክዕ ከምዚ ኢዩ ዝብል። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሰላም ዝደሊ እንተድኣ ኰይኑ: ስለምንታይ ድኣ ክረኽባ ዘይከኣለ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣብ ምድሪ ናይ ሓቂ ሰላም ምእንቲ ክንርኢ ዘድልየና እንታይ ኢዩ ምበልካ፧” ድሕሪ መልሲ ናይቲ በዓልቤት: ኣብ ገጽ 8 ከምኡውን 9 ገንጽል እሞ: ከም መዝሙር 46:8, 9 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ኣንብብ። ነቲ ስእልታትን ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታትን ተጠቒምካ: መንግስቲ ኣምላኽ ንዘለኣለም ዝነብር ዓለምለኻዊ ሰላም ብኸመይ ከም እተምጽእ ግለጸሉ። ድሕርዚ ክልተ መጽሔታት ኣበርክተሉ: ክትምለስ ድማ መድብ።
5 ብስራሕ ትሑዛት ኢና ዝብሉ ብዙሓት ሰባት እንተድኣ ረኺብካ ኸኣ: እዚ ዝስዕብ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ነቶም ኣብ ናብራኦም ብስራሕ ትሑዛት ዝዀኑን ብዛዕባ መንፈሳዊ መዳይ ናይ ህይወት ክሓስብሉ ድማ ግዜ ዘይብሎምን ሰባት ክንሕግዝ ንግደስ ኢና። መጽሔታትና: ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብዛዕባ ንዓኻን ንስድራቤትካን ዝትንክፍ ኣገዳሲ ጕዳያት ንጹር ዝዀነ ሓበሬታ ንምሃብ ተባሂሉ እተዳለወ ኢዩ። እዘን ቅዳሓት እዚኣተን ከተንብበን ክገድፈልካ ምፈቶኹ።”
6 እቶም ነቲ መጽሔታት ዝቕበሉ ሰባት: ነቲ “ሰናይ ዜበስር” ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብምንባብ ብርግጽ ክጥቀሙ ኢዮም።—ኢሳ. 52:7