ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/96 ገጽ 8
  • ንብጻይኩም ሓቂ ተዛረቡ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንብጻይኩም ሓቂ ተዛረቡ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቶም ብቑዓት ሰባት ድለይዎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ!ን እዋናውያን መጽሔታት ሓቂ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 5/96 ገጽ 8

ንብጻይኩም ሓቂ ተዛረቡ

 1 ካብተን ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት እታ ሓንቲ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ኢያ ትብል። (ማቴ. 22:39) ከምዚ ዝበለት ፍቕሪ ነቲ ዘሎና ዝበለጸ ነገር​—⁠እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝረኸብናዮ ሓቂ​—⁠ንብጾትና ኸነካፍሎም ከተለዓዕለና ኢያ። ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ናይ ሓቂ ስለ ዘጕልሑዎ: ኣብ ወርሒ ግንቦት ነዞም መጽሔታት እዚኣቶም ምዕዳል ሓደ ካብቲ ‘ምስ ብጾትና ሓቂ እንዛረበሉ’ መገዲ ኢዩ። (ኤፌ. 4:​25) ንኽንጅምር ክሕግዘና ዝኽእል ሒደት ሓሳባት እንሆ:-

 2 ኣስላጢ ዝዀነ ናይ መጽሔታት ዕዮ ካብ ቤት ናብ ቤት: ካብ ድኳን ናብ ድኳን: ካብ ቤት ጽሕፈት ናብ ቤት ጽሕፈት: ከምኡውን ኣብ መገዲ ንሰባት ብምዕዳል ክግበር ይከኣል ኢዩ። ኣብዚ ዝረኣናዮ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ እኹል መጽሔታት ክህልወና ኣለዎ። ክልተ መጽሔታት ብሓንሳብ ምዕዳል እቲ ዝበለጸ ኢዩ: ነቲ እንዛረቦ ዘሎና ሰብ ዝሰማማዕ ሓደ ኣርእስቲ ዘጕልሕ ሓደ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ሓደ ንቕሑ! ክኸውን ድማ ዝምረጽ ኢዩ። ሰብኡት መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ቁጠባዊ: ስነ-ፍልጠታዊ ነገራት ወይ ብዛዕባ ዓለማዊ ፍጻመታት ኢዮም ዝመርጹ። ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ስድራ ቤትን ማሕበራዊ ኣርእስትታትን ከንብባ ኢየን ዝደልያ። እዚ ይኹን እቲ: ኣቀራርባና ሓጺር (ካብ ሓደ ደቒቕ ዝውሕድ) ከምኡውን መልሱ ኣብቲ መጽሔታት ክርከብ ዝኽእል ሕቶ ዘልዕል ክኸውን ኣለዎ።

 3 ኣብቲ ናይ መጽሔት ዕዮ ጽቡቕ ዓወት ዘለዎም ኣስፋሕቲ ኣጸቢቖም ይጽዕሩ ኢዮም። ሰባት ክሳዕ ዝመጽእዎም ኮፍ ኢሎም ኣይጽበዩን: ካብ ሓደ ቤት ናብቲ ኻልእ ክሳዕ ዝበጽሑ ድማ ንብዙሕ ደቓይቕ ኰለል ኣይብሉን ኢዮም። እቲ ሰብ መጽሔታት ክወስድ እንተድኣ ዘይክኢሉ ተስፋ ኣይቈርጹን ኢዮም። ኣብ ክንድኡ ጽቡቕ መዓልቲ ክውዕል ብምምናይ ኣድልዎ ከይገበሩ ቀልጢፎም ናብቲ ቐጺሉ ዘሎ ሰብ ይሓልፉ። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓቂ ንኽሰምዕ ኣጋጣሚ ይህቡ ድኣምበር ንሰባት ኣቐዲሞም ኣይፈርዱን ኢዮም። ባህ ዘብል ሒደት ኣቀራርባታት የዳልዉ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ድማ ኣለዎም። ንኽትጅምር ክሕግዘካ ዝኽእል ሒደት ሓሳባት እንሆ:-

 4  እታ ናይ 22 ሚያዝያ “ንቕሑ!” ኵሉ እቲ ዘሎኩም ክሳዕ ዝውዳእ ክትዕደል ኣለዋ። ኣቀራርባኻ ከምዚ ኢልካ ብምሕታት ክትጅምሮ ትኽእል ኢኻ:-

◼ “ብዛዕባ ሓንቲ ውግእ ዘይብላ ዓለም እንታይ ሓሳብ ኣሎካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ናይ ዓለም ሃይማኖታት ብሓቂ ውግእን ቅትለትን ከም ዘለዓዕላስ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብኣንጻር ናይዚ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ሓቀኛታት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝገብርዎ እንታይ ከም ዝብል ኣስተብህል።” ኣብ ገጽ 4 ናይታ መጽሔት ብሸነኽ ላዕሊ ዘሎ: ኢሳይያስ 2:​2-4 ኣንብብ: ድሕርዚ ድማ ኣብ ገጽ 10 ኣብ ትሕቲ “ንኣፍቀርቲ ሰላም ዝግበር ጻውዒት” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ናይ መጀመርያ ሕጡብ⁠-​ጽሑፍ ኣንብብ። ቀጺልካ “ኣምላኽ ነዚ ብኸመይ ከም ዝገብሮ ትፈልጥዶ፧ እቲ መልሲ ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ይርከብ ኢዩ: ነዛ ቅዳሕ እዚኣ ድማ ወሲድካ ከተንብባ ትኽእል ኢኻ።” ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ክልተ መጽሔታት ዓድሎ: ሕጂ ኣብዚ እዋን እዚ ዕቝባ ዘለዎ ህይወት ብኸመይ ከተስተማቕር ከም እትኽእል ንኽትመያየጥ ክትምለስ ምዃንካ ድማ ንገሮ።

 5 ሓጺር ኣቀራርባ እንተደሊኻ ድማ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-

◼ “ብዙሓት ሰባት: እቶም ሎሚ ዘለዉ ውሩያት መጽሔታት ብዛዕባ ንግዲ: ጾታዊ ርክብ: ወይ ብዛዕባ ዓመጽ ዘጋንኑ ከም ዝዀኑ ኢዩ ዝስምዖም። [ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኣርእዮ።] ነዞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረቱ ጥዑያት መጽሔታት ኢና እንዝርግሕ ዘሎና። ኣዝዩ ብዙሕ ትምህርቲ ዝህቡ ኢዮም: ከምኡውን ንኣምላኽ ከነምልኽ: ንብጻይና ከነፍቅር: ቅኑዕ ጠባይ ክንሕዝ ድማ ይምህሩና ኢዮም። እዚ ዓይነት ጽሑፍ ከተንብብ እንተድኣ መሪጽካ: እቲ ኣብዚ ሕታማት እዚ እትረኽቦ ሓሳባት ከም እትሕጐሰሉ ርግጸኛ ኢየ።”

 6 ንብጾትና ሓቂ ኣብ ምንጋር ንቐንእ እንተድኣ ኴንና: ንብዙሓት ሰባት ዓቢ ሓጐስ ከነምጽኣሎም ክንክእል ኢና።​—⁠ግብ. 8:​4, 8

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ