ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/96 ገጽ 7
  • ንዞባኻ ምሉእ ብምሉእ ዕየዮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዞባኻ ምሉእ ብምሉእ ዕየዮ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ብኸመይ ከም እትሰብኽ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ናይ ብሕትኻ ኽሊ ኣሎካዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ —ኣብ ቦታታት ንግዲ መስክር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ካብ ናይ ብሕትኻ ኽሊ ትጥቀምዶ ኣለኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
km 10/96 ገጽ 7

ንዞባኻ ምሉእ ብምሉእ ዕየዮ

1 ኣብ ናይ መንበሪ ከባቢታት ከም ግሮሰሪ: ቤት መግቢ: ድኳን ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ ናይ ንግዲ ቦታታት ስሕት ኢሎም የጋጥሙና ኢዮም። እዞም ናይ ንግዲ ከባቢታት እዚኣቶም ምስቲ ዝተረፈ ክፍሊ ናይቲ ዞባ ገይርካ ክሽፈኑ እንተድኣ ኰይኖም: ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ መንበሪ ከባቢ ክትበጽሕ ከሎኻ እትገብሮ ገይርካ ዕየዮም።

2 “ከርእየካ ዝደለኹ ሓደ ነገር ኣሎ” ብምባል ቀሊልን ሕጽር ዝበለን ኣቀራርባ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። እቲ ወናኒ ትካል ኣብቲ እዋን እቲ ብስራሕ ትሑዝ ዝመስል እንተድኣ ኰይኑ: ትራክት ጥራይ ከተበርክተሉ ትኽእል: “ስራሕ ኣዚኻ ትሑዝ ኣብ ዘይትዀነሉ ግዜ: ተመሊሰ ክመጽእ ኢየ። ብዛዕባ እዛ ትራክት እንታይ ከም ዝስማዓካ ክፈልጥ እደሊ ኢየ” ድማ በሎ።

3 ከምዚ ዝኣመሰለ ዕዮ ንምዕያይ ኣይትፍራህ። ሓደ ኣስፋሒ ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ሃበ:⁠- “ኣሉታዊ መልሲ ከጋጥመኒ ኢዩ ዝብል ትጽቢት ነበረኒ። ይኹን እምበር: እቲ ዘገረመኒ: ንመልእኽቲ እታ መንግስቲ እተራእየ ምላሽ ኣንጻር እቲ እተጸበኹዎ ኢዩ ነይሩ። ናይ ሓቂ እሩማትን ምቕሉላትን: ዳርጋ ኵሉ ግዜ ድማ መጽሔታት ይቕበሉ ነበሩ።”

4 ኣብ ሓደ ናይ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ኩባንያ እትሰርሕ ሰበይቲ ንሓንቲ ምስክር ናብ ቤት ጽሕፈታ ክትኣቱ ዓደመታ። መጽሔታት ተቐበለት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ተገዳስነት ከም ዘለዋ ድማ ገለጸት። እታ ምስክር መጽሓፍ ፍልጠት ኣርኣየታ: ሽዑ ንሽዑ ድማ ኣብቲ ቤት ጽሕፈታ ጽንዓት ጀመረት!

5 ንዞባኻ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምዕያይ መዝነት ነቶም ኣብ ጐረባብትኻ ንግዲ ዘካ​ይዱ ሰባት ምብጻሕ ዘጠቓልል ኢዩ። (ግብ. 10:42) ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባ​ይቲ እትገብሮ: ኣብዞም ኣባይቲ እዚኣ⁠ቶም ድማ ክትኵሕኵሕ መድብ። እዚ ንዞባኻ ብዝ​ሓሸ ምሉእ ብምሉእ ከም እትሽፍኖ ዝገብር ጥራይ ዘይኰነስ: ገለ ባህ ዘብል ተመክሮታት እውን ክትረክብ ኢኻ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ