ንዞባኻ ምሉእ ብምሉእ ዕየዮ
1 ኣብ ናይ መንበሪ ከባቢታት ከም ግሮሰሪ: ቤት መግቢ: ድኳን ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ ናይ ንግዲ ቦታታት ስሕት ኢሎም የጋጥሙና ኢዮም። እዞም ናይ ንግዲ ከባቢታት እዚኣቶም ምስቲ ዝተረፈ ክፍሊ ናይቲ ዞባ ገይርካ ክሽፈኑ እንተድኣ ኰይኖም: ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ መንበሪ ከባቢ ክትበጽሕ ከሎኻ እትገብሮ ገይርካ ዕየዮም።
2 “ከርእየካ ዝደለኹ ሓደ ነገር ኣሎ” ብምባል ቀሊልን ሕጽር ዝበለን ኣቀራርባ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። እቲ ወናኒ ትካል ኣብቲ እዋን እቲ ብስራሕ ትሑዝ ዝመስል እንተድኣ ኰይኑ: ትራክት ጥራይ ከተበርክተሉ ትኽእል: “ስራሕ ኣዚኻ ትሑዝ ኣብ ዘይትዀነሉ ግዜ: ተመሊሰ ክመጽእ ኢየ። ብዛዕባ እዛ ትራክት እንታይ ከም ዝስማዓካ ክፈልጥ እደሊ ኢየ” ድማ በሎ።
3 ከምዚ ዝኣመሰለ ዕዮ ንምዕያይ ኣይትፍራህ። ሓደ ኣስፋሒ ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ሃበ:- “ኣሉታዊ መልሲ ከጋጥመኒ ኢዩ ዝብል ትጽቢት ነበረኒ። ይኹን እምበር: እቲ ዘገረመኒ: ንመልእኽቲ እታ መንግስቲ እተራእየ ምላሽ ኣንጻር እቲ እተጸበኹዎ ኢዩ ነይሩ። ናይ ሓቂ እሩማትን ምቕሉላትን: ዳርጋ ኵሉ ግዜ ድማ መጽሔታት ይቕበሉ ነበሩ።”
4 ኣብ ሓደ ናይ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ኩባንያ እትሰርሕ ሰበይቲ ንሓንቲ ምስክር ናብ ቤት ጽሕፈታ ክትኣቱ ዓደመታ። መጽሔታት ተቐበለት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ተገዳስነት ከም ዘለዋ ድማ ገለጸት። እታ ምስክር መጽሓፍ ፍልጠት ኣርኣየታ: ሽዑ ንሽዑ ድማ ኣብቲ ቤት ጽሕፈታ ጽንዓት ጀመረት!
5 ንዞባኻ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምዕያይ መዝነት ነቶም ኣብ ጐረባብትኻ ንግዲ ዘካይዱ ሰባት ምብጻሕ ዘጠቓልል ኢዩ። (ግብ. 10:42) ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ እትገብሮ: ኣብዞም ኣባይቲ እዚኣቶም ድማ ክትኵሕኵሕ መድብ። እዚ ንዞባኻ ብዝሓሸ ምሉእ ብምሉእ ከም እትሽፍኖ ዝገብር ጥራይ ዘይኰነስ: ገለ ባህ ዘብል ተመክሮታት እውን ክትረክብ ኢኻ!