ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/98 ገጽ 1
  • ኣብ ‘ስጋኻ ግራጭ’ ኣሎካዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ‘ስጋኻ ግራጭ’ ኣሎካዶ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ‘ኣብ ስጋና ዘሎ ግራጭ’ ምጽማሙ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ሰብኣዊ ድኻም ሓይሊ የሆዋ የጕልሕ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንጳውሎስ ‘ኣብ ስጋኡ እተዋህቦ እሾዅ’
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ኣብ ስጋኦም ንዘሎ ግራጭ ተጸሚመምዎ ኢዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
km 5/98 ገጽ 1

ኣብ ‘ስጋኻ ግራጭ’ ኣሎካዶ፧

1 ነቲ ብስራት ናይ ምስባኽ መዝነትና ብዅሉ ክእለትና ንምፍጻም ካብ ልቢ ንብህግ ኢና። ይኹን እምበር: ብዙሓት ክቡራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከቢድ ኣካላዊ ሕማማት ወይ ድማ ስንክልና ስለ ዘለዎም እሞ ከምቲ ድሌቶም ገይሮም ብዝያዳ ንኸይዓዩ ጸገም ስለ ዝፈጥረሎም ምሉእ ብምሉእ ንምክፋል ኣሸጋሪ ዀይኑ ይረኽብዎ ኢዮም። ብፍላይ ነቶም ኣብ ጥቕኦም ዘለዉ ካልኦት ኣብ ኣገልግሎት ኣዝዮም ንጡፋት ኰይኖም ክርእይዎም ከለዉ ነቲ ተስፋ ናይ ምቝራጽ ስምዒት ንኽዋጽእሉ ብድሆ ክዀኖም ይኽእል ኢዩ።​—⁠1 ቈረ. 9:⁠16

2 ክቕዳሕ ዘለዎ ኣብነት:⁠- ሃዋርያ ጳውሎስ ምስቲ ዝነበሮ ናይ ‘ስጋ ግራጭ’ ክቃለስ ነበሮ። ነቲ ከም ሓደ ብቐጻሊ ዘሳቕዮ “መልኣኽ ሰይጣን” ገይሩ ገሊጽዎ ዘሎ ዘጨንቕ ግድል ንኸርሕቐሉ ሰለስተ ግዜ ንየሆዋ ለመኖ። እንተዀነ ግን: ጳውሎስ ብኣንጻሩ ደኣ ተጸመመ: ኣብ ኣገልግሎቱ ድማ ንቕድሚት ቀጸለ። ኣይጐሃየን ወይ ድማ ደጋጊሙ ኣይተመረረን። ዝከኣሎ ዅሉ ሃበ። እቲ ብዓወት ንኽዋጽኣሉ ዝሓገዞ ምስጢር ድማ እቲ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ: ጸጋይ ይአኽለካ” ብምባል ኣምላኽ ዝሃቦ መረጋገጺ ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ ምእንቲ ኽጽመም ንዅነታቱ ክቕበሎ ከም ዘለዎ ከምኡውን ኣብ የሆዋን ኣብ መንፈስ ቅዱስን ክውከል ከም ዘለዎ ምስ ተማህረ ካብ ድኻሙ ሓዪሉ ኢዩ።​—⁠2 ቈረ. 12:⁠7⁠-​10

3 ክትጽመም እትኽእለሉ መገዲ:⁠- ሰብኣዊ ድኻም ኣብቲ ንኣምላኽ እተቕርቦ ኣገልግሎት ደረት ገይሩልካዶ ኢዩ፧ ገይሩልካ እንተድኣ ዀይኑ: ነቲ ናይ ጳውሎስ ኣረኣእያ ቕድሓዮ። ሕማምካ ወይ ድማ ስንክልናኻ ኣብዚ ኣገባብ እዚ ነባሪ ፈውሲ ዘይብሉ እኳ እንተዀነ: ምሉእ ትውክልትኻ ኣብቲ ንድሌታትካ ዝርድኦን “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ዝህብካን የሆዋ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። (2 ቈረ. 4:⁠7) ገዛእ ርእስኻ ከይፈለኻ: ካብቲ ኣብ ጉባኤ እትረኽቦ ሓገዝ ተጠቐም። (ምሳ. 18:⁠1) ኣብ ገለ ገለ ናይ ኣገልግሎት መዳያት ንምክፋል ኣጸጋሚ ዀይኑ እንተድኣ ረኺብካዮ: ናይ እግረ⁠-​መገዲ ወይ ድማ ናይ ተሌፎን ምስክርነት ንምሃብ ተግባራዊ መገድታት ድለ።

4 እቲ ኣብ ስጋ ዘሎ ግራጭ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ክትገብሮ እትኽእል ምናልባት ዝቕይዶ እኳ እንተዀነ: ኣብ ኣገልግሎት ዋላ ሓንቲ ኣበርክቶ ከም ዘይገበርካ ግን ክስምዓካ የብሉን። ልክዕ ከም ጳውሎስ: ንስኻውን ከምቲ ሓይልኻን ኵነታትካን ዝፈቕደልካ ብምግባር: ‘ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ክትምስክር’ ትኽእል ኢኻ። (ግብ. 20:⁠24) ኣገልግሎትካ ንምፍጻም ጻዕሪ ክትገብር ከሎኻ: የሆዋ ኣዝዩ ከም ዝሕጐስ ፍለጥ።​—⁠እብ. 6:⁠10

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ