ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/99 ገጽ 1
  • “ሓድሽ ሰብ ልበሱ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ሓድሽ ሰብ ልበሱ”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ድሕሪ ጥምቀት እውን ‘ሓድሽ ስብእና ልበስ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ‘ነቲ ኣረጊት ስብእና ኽትቅንጥጦ’ ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • እንታይ ዓይነት ሰብ ክትከውን ትደሊ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ነቲ ኣረጊት ስብእና ቐንጢጥና እንድርብዮ ብኸመይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
km 2/99 ገጽ 1

“ ሓድሽ ሰብ ልበሱ”

1 ክርስትያናት ሓቂ ብምፍላጦም የማስዉ ኢዮም! ኣካይዳ ናይቶም ኣብ ዓለም ዝመላለሱ ሰባት ምእንቲ ኸይንቐድሕ ብኸመይ ክንነብር ከም ዘሎና ተማሂርና ኢና። ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት “ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም” ስለ ዘለዉ “ኣእምሮኦም ጸልሚቱ” ኢዩ። (ኤፌ. 4:⁠18) ነቲ ኣረጊት ሰብነት ቀንጢጥና ሓድሽ ሰብነት ብምልባስ ንኣእምሮና ካብ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ከነርሕቖ ከም ዘሎና ተማሂርና ኢና።​—⁠ኤፌ. 4:⁠22-24

2 እቲ ኣረጊት ሰብነት ናብ ሓደ እናኣንቈልቈለ ዝኸይድ ስነ-ምግባራዊ ውድቀት ኢዩ ዝመርሕ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ርኽሰትን ሞትን ኢዩ ዘፍሪ። ስለዚ ኸኣ ነቶም መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ዝሰምዑ ሰባት ኵራ: ምንጽርጻር: ክፍኣት: ጸርፊ: ዘሕፍር ዘረባ ከርሕቑ ንነግሮም ኢና። እቶም ስምረት ኣምላኽ ዝደልዩ ሰባት: ልክዕ ከምቲ ንረሳሕ ክዳን ቀንጢጦም ዘውጽእዎ: ነቲ ኣረጊት ሰብነት ብቘራጽነትን ምሉእ ብምሉእን ከርሕቕዎ ኣለዎም።​—⁠ቈሎ. 3:⁠8, 9

3 ንኣእምሮ ዘንቀሳቕስ ሓድሽ ሓይሊ:- ሓድሽ ሰብነት ምልባስ: በቲ ንኣእምሮና ዘንቀሳቕስ ሓይሊ ምሕዳስ ዘጠቓለለ ኢዩ። (ኤፌ. 4:⁠23 NW ) ሓደ ሰብ በቲ ቅኑዕ መገዲ ምእንቲ ክመላለስ ብኸመይ ኢዩ ነቲ ሓይሊ ወይ ኣእምሮኣዊ ዝምባለ ከሐድሶ ዝኽእል፧ ብቐጻልን ብትግሃትን ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕን ብዛዕባ ትርጕሙ ብምስትንታንን ኢዩ ከሐድሶ ዝኽእል። ድሕርዚ እቲ ሰብ ሓድሽ ኣገባብ ኣተሓሳስባ የማዕብል እሞ ንነገራት ብኣረኣእያ ኣምላኽን ክርስቶስን ይርኢ። ነቲ ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ባህርያት ማለት ምሕረት ልቢ: ለውሃት: ትሕትና: ዓቕሊ: ትዕግስቲ: ከምኡውን ፍቕሪ ምስ ለበሰ ናይቲ ሰብ ህይወት ይልወጥ።​—⁠ቈሎ. 3:⁠10, 12-14

4 ሓድሽ ሰብነት ብምልባስ ንገዛእ ርእስና ካብ ዓለም ፍልይቲ ንገብራ። ናብራ ህይወትና እውን ፍሉያት ይገብረና ኢዩ። ንኻልኦት ንኽንሃንጽ ሓቅን ጥዑይን ዘረባ ነዘውትር። ንቝጥዓ: ትዕቢት: ተንኰል: ምምራር: ታዕታዕ: ጸርፍን ንዅሉ ካልእ ክፍኣትን ንቈጻጸሮ: በቲ ጻድቕ ኣምላኻዊ ባህርያት ከኣ ንትክኦ። ይቕረ ኣብ ምባልን ትሕት ኢልካ ይቕረታ ኣብ ምሕታትን ከኣ ካብቲ ዝድለ ንላዕሊ ንገብር። እዚ ዅሉ ኸኣ ካብ ልቢ ኢዩ ዝግበር።​—⁠ኤፌ. 4:⁠25-32

5 ነዚ ሓድሽ ሰብነት እዚ ኣይትቐንጥጥዎ። ብዘይ ብእኡ ንየሆዋ ተቐባልነት ብዘለዎ መገዲ ከነገልግሎ ኣይንኽእልን ኢና። ንሰባት ናብ ሓቂ ንምስሓብ ክሕግዘኩምን ነቲ ፈጣሪ ናይዚ ዘደንቕ ሓድሽ ሰብ ዝዀነ የሆዋ ክብሪ ክህቦን ኣፍቅድሉ።​—⁠ኤፌ. 4:⁠24

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ