ኣገልግሎትካ እተስፍሓሉ መገድታት
1 ልዕሊ 40 ዓመታት ይገብር ኣብ ናይ 15 ጥሪ 1955 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) “ዝከኣለካዶ ትገብር ኣሎኻ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ወጺኣ ነበረት። ህዝቢ የሆዋ ኣብ ንጥፈት እታ መንግስቲ ዝያዳ ግደ ምእንቲ ክህልዎም ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ብብሕቶም ዝገብርዎ ጻዕሪ ብኸመይ ከመሓይሽዎ ከም ዝኽእሉ ፍቕራዊ ብዝዀነ መገዲ ሓቢራ ኢያ። እዚ ሰናይ ምኽሪ እዚ ሕጂውን ዝያዳ ንኽንመሓየሽ ጠቓሚ ኢዩ።
2 ዝዀነ ይኹን እንገብሮ ኣገልግሎት በታ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ” እትብል ዝዓበየት ትእዛዝ ተደሪኽና ክንገብሮ ኣሎና። (ማር. 12:30) ነቲ እንረኽቦ ኣጋጣሚታት ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስፋሕ ተጠቒምና ንየሆዋ ዘሎና ሓቀኛ ፍቕሪ ከነንጸባርቕ ንኽእል ኢና። ኣገልግሎትካ ከተስፍሓሉ እትኽእል እዚ ዝስዕብ መገድታት ርአ።
3 ሓላፍነት ተሰከም:- እተጠመቑ ኣሕዋት ኣገልገልቲ ጉባኤ ንምዃን ዘድሊ ብቕዓት ከማልኡ: ካብኡ ኸኣ ሽማግለታት ንምዃን ክጽዕሩ ይኽእሉ ኢዮም። እተን ኣብ ናይ 17/9/111 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጻ “ሽማግለ ንኽትከውንዶ ትምነ ኢኻ፧” ከምኡውን “ከተገልግልዶ ትደሊ ኢኻ፧” ዝብል ኣርእስቲ ዘለወን ዓንቀጻት ንብዙሓት ኣሕዋት ናይ ጉባኤ ሓላፍነታት ንኽስከሙ ድሉዋት ክዀኑ ደሪኸንኦም ኢየን። ነዚ ብኸመይ ክትበጽሖ ከም እትኽእልን ነቲ ብቕዓት ከመይ ገይርካ ከም እተማልኦን ንጹር ሓሳባት ክህቡኻ ነቶም ናይ ጉባኤኻ ሽማግለታት ሕተቶም።
4 እንግሊዝኛ ዝኽእሉ ዘይተመርዓዉ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኣብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ክካፈሉ ከመልክቱ ሓደ መዓልቲ ኣጋጣሚ ይረኽቡ ይዀኑ። ብዛዕባ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ዎች ታወር ፓብሊኬሽን ኢንደክስስ ናይ 1986-1995: 1996: ከምኡውን 1997 ኣብ ትሕቲ “ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ” ዝብል ኣርእስቲ ርአ። ‘ዓቢ ደገ’ ተኸፊቱልካ ምህላዉ ይረኣየካዶ ኣሎ፧ (1 ቈረ. 16:9ሀ) ብዙሓት ነዚ ኣጋጣሚ እዚ እተጠቕሙሉ ኣሕዋት ንዅሉ እቲ ድሓር ዝመጽእ መሰላት ክንረክብ ኢና ኢሎም ሓሲቦም ኣይፈልጡን ኢዮም ነይሮም። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቤትኤል ወይ ከኣ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ከም ፍሉያት ፓይነራት: ሚስዮናውያን: ወይ ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ኰይኖም ተሓጒሶም የገልግሉ ኣለዉ።
5 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ንምዃን ተመጣጠር:- ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ዝውድኡ መንእሰያት: ኣንስቲ ሰብ ሓዳር: ከምኡውን ዝዀነ ይኹን ጥሮታ ዝወጸ ሰብ ፓይነር ንምዃን ኣጸቢቖም ክሓስብሉ ኣለዎም። ናይ ሓምለ 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ርአ: ብድሕሪኡ ምስቶም ምስ ናትካ ዝመሳሰል ናይ ህይወት ግድላት ዘለዎም ፓይነራት ተዘራረብ። ልክዕ ከምቲ ንሳቶም ዝገብርዎ ዘለዉ: ፓይነር ብምዃን ኣገልግሎትካ ንኸተስፍሕ ትድረኽ ትኸውን። (1 ቈረ. 11:1) ኣብ ኣገልግሎት እተሕልፎ ሰዓታት ኣብ ወርሒ 70 ከም ዝኸውን ብምግባር ስርዓታዊ ፓይነር ኴንካ ከተገልግል ምኸኣልካዶ፧
6 ሕጂ ካብ 17,000 ዝበዝሑ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈትን ናይ ቤትኤል ኣባይትን የገልግሉ ኣለዉ። ኣብዚ ንምግልጋል ከተመልክት እንተድኣ ደሊኻ: እታ ናይ መጋቢት 1995 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) እንታይ ከም ዘድልየካ ክትሕብረካ ኢያ። ነዛ እታው እዚኣ ብምንባብ ነዚ ፍሉይ መሰል ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ትበቅዕ ምዃንካን ዘይምዃንካን ስለምንታይ ዘይትምርምር፧
7 ኣብቲ ዝያዳ ሓገዝ ዝድለየሉ ቦታ ምግልጋል:- ብዙሕ ግዜ ኣብ እተዓየ ዞባ ወይ ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነት ክስከሙ ዝኽእሉ ብዙሓት ኣሕዋት ኣብ ዘለዉዎ ከባቢ ዲኻ ትነብር፧ ናብቲ ዝያዳ ሓገዝ ዝድለየሉ ቦታ ብምኻድ ኣገልግሎትካ ከተስፍሕ ሓሲብካዶ ኣሎኻ፧ ምናልባት እቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዝድለየሉ ቦታ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ገጠር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ማቴ. 9:37, 38) እዚ ኣቐዲምካ ከይሓሰብካ ክግበር የብሉን። ብጸሎት ክሕሰበሉ ዝግባእ ኢዩ። (ሉቃ. 14:28-30) ምስ ሽማግለታትን ናይ ወረዳ ተዓዛብን ብዛዕባ ኵነታትካ ተመያየጥ። ሕጂ ክትከይድ ጥበባዊ እንተ ዀይኑ ወይ ኣብ መጻኢ ንምኻድ ክትዳሎ ክሕብሩኻ ኢዮም። ናበይ ክትከይድ ከም እትኽእል ንማሕበር ክትሓታ እንተ ደሊኻ: እቶም ናይ ጉባኤኻ ናይ ኣገልግሎት ኮሚቴ ዝፈረሙሉ ደብዳበ ምስታ ደብዳበኻ ክትሰድድ ኣሎካ።
8 ዓይነት ኣገልግሎትካ ኣመሓይሾ:- ኵላትና ዓይነት ኣገልግሎትና ብምምሕያሽ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ መሊእና ክንካፈል ከም እንኽእል ፍሉጥ ኢዩ። ብእተኻእለካ መጠን መጽሓፍ ቅዱስ ክትጥቀምዶ ትጽዕር ኢኻ፧ ኣብ ግራት ኣገልግሎት: ብፍላይ ከኣ ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት ምስ ሰባት ከይተዘራረብካ ብዙሕ ግዜ ከይተሕልፍ ኣበርቲዕካዶ ትጽዕር ኢኻ፧ ካብ ቤት ናብ ቤትን ኣብ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነትን ብምክፋል: ከምኡውን ተመላሊስካ ምብጻሕን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስን ብምግባር ኣብ ኵሉ ዓይነት ኣገልግሎትዶ ትካፈል ኢኻ፧ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ምስ እትረክብ ብግቡእ ትምዝግቦምዶ ኢኻ፧ ጽንዓት ትመርሕ እንተድኣ ዄንካ: ክእለት ኣመሃህራኻ ከተመሓይሾዶ ምኸኣልካ፧ ጽንዓታትካ ህይወቶም ንኽውፍዩን ንኽጥመቑን ምእንቲ ከተተባብዖም ናይ ሰነ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ከተንብብ ጽቡቕ ኢዩ።
9 ብዛዕባ እቲ ኣገልግሎትና ብዝያዳ እነስፍሓሉን እነመሓይሸሉን መገድታት ኣብታ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ምዕራፍ 9 ሰፊሕ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኵላትና ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝከኣለና ክንዓዪ ባህጊ ከም ዘሎና ርግጽ ኢዩ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ሸቶታትካ ስለምንታይ ኣጸቢቕካ ዘይትሓስብ፧ ከምቲ 1 ጢሞቴዎስ 4:15 “እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ: እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ: ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ: ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ” ብምባል ዝሃቦ ምሕጽንታ ግበር።