ዝያዳ ኽትዓዪ ምደለኻዶ፧
1 የሱስ ነታ መንግስቲ ምስ ሓደ ኽቡር መዝገብ ኢዩ ኣመሳሲልዋ። (ማቴ. 13:44-46) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምዝርጋሕ ዕዮ እውን ክቡር መዝገብ ኢዩ። ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ምሉእ ብምሉእ ንኽትካፈል ብእተወሰነ ደረጃ ርእሰ-መስዋእቲ ዝሓትት እኳ እንተዀነ ኣብ ናብራ ህይወትና ዝለዓለ ቦታ ኢዩ ክወሃቦ ዘለዎ። (ማቴ. 6:19-21) ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ዝያዳ ኽትዓዪ ምደለኻዶ፧
2 ነዚ ዝስዕብ ኣገዳሲ ነገራት ሕሰበሉ:- ኣብ ኣገልግሎት እንገብሮ ብሕታዊ ተሳትፎ ንኸነስፍሖ ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘድሊ ሓያሎ ነገራት ኣሎ:- (1) ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ናብራ ህይወትና ቀዳምነት ንምሃብ ቈራጽነት ምግባር (ማቴ. 6:33)፣ (2) እምነት ምግባርን ኣብ የሆዋ ምውካልን (2 ቈረ. 4:1, 7)፣ (3) ከየባተኽና ልባዊ ጸሎት ብምቕራብ ሓገዝ ኣምላኽ ምድላይ (ሉቃ. 11:8-10)፣ (4) ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ምምልላስ።—ያእ. 2:14, 17
3 ኣገልግሎትና እነስፍሓሉ መገድታት:- ኵልና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ስርዓታውያን ኴንና ኣብ ኣገልግሎት ገለ ግዜ ከነሕልፍ መሰረታዊ ሸቶ ክንገብር ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር ንዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንምሃብ ንኽትጥቀመሉ: ስርዓታዊ ዄንካ ካብ ቤት ናብ ቤት ንምኻድ: ኣቀራርባኻ ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ንምግባር: መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርካ ንምጥቃም: ተመላሊስካ ምብጻሕካ ዝያዳ ውጽኢታዊ ንምግባርን ምዕባለ ዘርእዩ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕን ጻዕሪ ንምግባር ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ሓጋዚ ወይ ስርዓታዊ ፓይነር ንምዃን ወይ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዘድልየሉ ቦታ ኼድካ ኸተገልግል ትኽእልዶ ትኸውን፧ እተጠመቕካ ሓው እንተድኣ ዄንካ: ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ከኣ ሽማግለ ንምዃን ትመጣጠርዶ ኣሎኻ፧ (1 ጢሞ. 3:1, 10) ኣብ ቤትኤል ንምግልጋል: ኣብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ንምክፋል: ወይ ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽትጽመድ ብምምልካት ኣገልግሎትካ ዝያዳ ከተስፍሕ ምኸኣልካዶ፧—ሉቃ. 10:2
4 ሓደ ናይ ምሉእ መዓልቲ ስራሕ ዝነበሮ: እቲ ዝተረፈ ግዚኡ ድማ ኣብ ስፖርት ዘሕልፎ ዝነበረ ሓው ስርዓታዊ ፓይነር ንኽኸውን ምትብባዕ ተዋህቦ። ሓጋዚ ፓይነር ኰይኑ ኸገልግል ጀመረ እሞ ዅነታቱ ኣተዓራርዩ ድማ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸምደ። ጸኒሑ ኸኣ ኣብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ተኻፈለ: እዚ ድማ ነዚ ሕጂ ከም ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይኑ ዝዓዮ ዘሎ ዕዮ ኣዳለዎ። ነቲ እተዋህቦ ምትብባዕ ኣወንታዊ ምላሽ ስለ ዝሃበሉን ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ዝያዳ ንኽዓዪ ውሳነ ብምግባሩን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ሕጉስ ኰይኑ ኢዩ።
5 የሆዋ ነቶም ንዝያዳ ዕዮ ንርእሶም ድልውቲ ዝገብሩ ሰባት ይባርኾም ኢዩ። (ኢሳ. 6:8) ኣገልግሎትካ ካብ ምስፋሕ: ከም ውጽኢቱ ድማ ዝያዳ ዕግበትን ምሕዳስን ካብ ምርካብ ዝዀነ ይኹን ነገር ክዓግተካ ኣይተፍቅደሉ።