ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/99 ገጽ 1
  • ኣድልዎ ብዘይምርኣይ ንየሆዋ ምሰልዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣድልዎ ብዘይምርኣይ ንየሆዋ ምሰልዎ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ኣድልዎ ዘየርኢ ኣምላኽና ትመስሎዶ ኣሎኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ዘሎካ ግንዛበ ምሉእ ብምሉእ ኣስፍሕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ነቲ ብስራት ሒዝካ ንብዙሓት ሰባት ምብጻሕ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ብዘይ ኣድልዎ ብምስባኽ ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1999
km 12/99 ገጽ 1

ኣድልዎ ብዘይምርኣይ ንየሆዋ ምሰልዎ

1 የሆዋ ብዛዕባ ሰባት ይሓሊ ኢዩ። ፍቓዱ ንዝገብር ዘበለ ዅሉ ብዘይኣድልዎ ይቕበል ኢዩ። (ግብ. 10:⁠34, 35) የሱስ እውን ንሰባት ክሰብኽ ከሎ: ኣድልዎ ኣይገብርን ነበረ። (ሉቃ. 20:⁠21) ከምቲ “ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ: ነቶም ዚጽውዕዎ ዅሎምውን ሃብታም እዩ” ኢሉ እተዛረበ ጳውሎስ: ኣብነት ናይ የሆዋን የሱስን ክንስዕብ ኣሎና።​—⁠ሮሜ 10:⁠12

2 ንዅሎም እቶም እንረኽቦም ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምንጋር ንኣምላኽ ክብሪ ዘምጽእ ኢዩ። ናይ ካልኦት ሰባት ዓሌት: ማሕበራዊ ደረጃ: ትምህርቲ: ወይ ቍጠባዊ ኵነታት ብዘየገድስ ነዚ ዘደንቕ መልእኽቲ እዚ ብቐጻሊ ከነካፍሎም ኣሎና። (ሮሜ 10:⁠11-13) እዚ ኸኣ ነቶም ዝሰምዑና ሰብኡት: ኣንስቲ: መንእሰያት: ከምኡውን ኣረጋውያን ምስባኽ ማለት ኢዩ። ኵሉ በዓል ቤት ሓቂ እንታይ ምዃና ንምስማዕ ኣጋጣሚ ምእንቲ ክረክብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ክንኵሕኵሕ ኣሎና።

3 ንዅሎም ሰባት ተገደሰሎም:- ሸቶና ብእተኻእለና መጠን ንዅሉ ሰብ ምርካብ ኢዩ። ገለ ኣስፋሕቲ ነዚ ኣብ ኣእምሮኦም ብምሓዝ ኣብ እንዳ ሓኪም: ሆስፒታላት: መእለዪ ኣረጋውያን: እንዳ ሓዘን: ናይ ተሃድሶ ማእከላት: ከምኡውን ኣብ ካልእ ትካላት ንዝርከቡ ሰባት ብምምስካር ዕዉታት ኰይኖም ኢዮም። ብተወሳኺውን: ገለ ኣስፋሕቲ ንናይ ቤት ትምህርቲ ተቘጻጸርትን ኣማኸርትን ከምኡውን ንዳኛታት መስኪሮም ኢዮም። ኣብ ቅድሚ ሰበ⁠-​ስልጣን ክትቀርቡ ከለኹም: ስለ እቲ ንህዝቢ ዝህብዎ ጠቓሚ ኣገልግሎት ሞሳኹም ምግላጽ ግቡእ ኢዩ። ኣኽብሮት ኣርእዩዎም: ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ዓይነት ስርሖምን ዘጋጥሞም ጸገማትን ዝገልጽ እዋናዊ ዓንቀጻት ምረጹ።

4 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ሓንቲ ሓብቲ ንሓደ ዳኛ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ከይዳ ኣዘራረበቶ። ጽቡቕ ምይይጥ ድሕሪ ምግባሮም ከምዚ በላ:- “ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፈትዎም ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጢዶ፧ ካብኡ ምንቕ ዘይብልሉ ጽኑዕ ስርዓታት ኣለዎም።” ነዚ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ሰብ ጽቡቕ ምስክርነት ተዋሂብዎ ኢዩ።

5 ኣልባብ ሰባት ከነንብብ ኣይንኽእልን ኢና። እንተዀነ ግን: ንዝረኸብናዮ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብምዝራብ: ኣምላኽ ዕዮና ንምምራሕ ክእለት ከም ዘለዎ ንኣምን ምዃንና ነርኢ። ብተወሳኺውን: ከምዚ ብምግባርና ሰባት መልእኽቲ ናይቲ ተስፋ ክሰምዑን ምላሽ ክህብሉን መሰል ይረኽቡ። (1 ጢሞ. 2:⁠3, 4) ብእተኻእለና መጠን እቲ ብስራት ንዅሎም ሰባት ብምብጻሕ ንግዜና ብጥበብ ንጠቐመሉ: ነቲ ኣድልዎ ዘይብሉ የሆዋ ኸኣ ንምሰሎ።​—⁠ሮሜ 2:⁠11፣ ኤፌ. 5:⁠1, 2

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ