ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
ካብ ጥሪ 2001 ኣትሒዙ ዝጅምር ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም “በእምሮ ሰብኡት ኩኑ” ዝብል ቀንዲ ኣርእስቲ ኣለዎ። (1 ቈረ. 14:20) ኣብዚ ኣኼባ እዚ ክንካፈል ጠቓሚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ብኽፍኣት ኣብ ዝመልአት ዓለም ኢና ንነብር ዘሎና። ነዚ ምቅዋሙ ምእንቲ ኽንክእል ማለት ነቲ እከይ ብሰናይ ምእንቲ ክንስዕሮ በእምሮ ክንዓቢ ኣሎና። ነዚ ንኽሕግዘና ተባሂሉ ኢዩ እዚ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም ተዳልዩ።
ቅድሚ ቐትሪ እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምርዳኡ ዝመጸ ሰብኡት ንምዃን ዝሕግዙ ነገራት” ክገልጸልና ኢዩ። ኣብ ክርስትያናዊ እምነት ብኸመይ ጽኑዓት ከም እንኸውን ከብርሃልና ኢዩ። እቲ በጻሒ ተዛራባይ ነቲ “ልቦናኹም ብምልምማድ መንፈሳውነትኩም ሓልዉ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ክፍሊ ከቕርብ ከሎ: ዓሚቝ ምስትውዓል ንምጥራይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብግቡእ ኣብ ግብሪ ምውዓል ብኸመይ ኣድላዪ ምዃኑ ከጕልሕ ኢዩ።
መንእሰያት እውን ኣእምሮኦም ከም ዝሰፍሕ ክገብሩ ኣለዎም። እዚ ኸኣ “ብኽፍኣት ሕጻናት ምዃን ዝድለየሉ ምኽንያት” ከምኡውን “ኣብ ግዜና ዘለዉ ምርዳእ ዘጥርዩ መንእሰያት” ኣብ ዘርእስቱ ክፍልታት ክግለጽ ኢዩ። መንእሰያት ነቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ እኩይ ተግባራት ንኽፈልጡ ክሓድሮም ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ህንጡይነት ምእንቲ ክቈጻጸርዎን ካብ ሽግር ምእንቲ ከምልጡን ገዛእ ርእሶም ብመንፈስ ንምድልዳል እንታይ ከም ዝገበሩ ከዘንትዉ ከለዉ ስማዕ።
ኣብ ህይወት ዝያዳ ሓጐስ ብኸመይ ክንረክብ ንኽእል፧ እቲ በጻሒ ተዛራባይ “ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተረዲእኩም ኣብ ግብሪ ብምውዓል ተጠቐሙ” ኣብ ዘርእስቱ መዕጸዊ ዝርርብ ነዚ ክገልጾ ኢዩ። ንቓል ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ምውዓል ጸገማት ንምፍታሕ: ውሳነታት ንምግባር: ከምኡውን ካብቲ የሆዋ ዝምህረና ዘሎ ንምጥቃም ከም ዝሕግዘና ዝሕብር ኣብነታት ክህብ ኢዩ።
እቶም ኣብቲ ኣሰምብሊ ህይወቶም ንየሆዋ ከም ዝወፈዩ ብጥምቀት ከርእዩ ዝደልዩ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ንኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ከፍልጥዎ ኣለዎም። እቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ መዓስ ከም ዝግበር ምልክታ ምስ ተነግረ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕካ ምልክት ግበር: ካብቲ ስቡሕ ፕሮግራም ንምጥቃም ድማ መደብ ግበር። ሃየ እምበኣር ካብቲ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ንኸምልጠካ ኣይትፍቀድ! ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ንኽትጽመሞን ንየሆዋ እሙን ኴንካ ንኽትቅጽልን ክገብረካ ኢዩ።