መደብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ 2010
1. (ሀ) ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እተወስደ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ፡ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍረ ነይርዎ፧ (ለ) ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣብ እተገብረ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ፡ ንኣገልግሎትካ ብፍላይ ዝሓገዘካ ገለ ነጥብታት ኣሎዶ፧
1 ገለ ኻብቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝቐረበ ፍረ ነገር መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ፡ “እቲ ዚሓይሽ መርምሩ፡” “ከም ሓደ መጓሰ ቐጥ ኢልኩም ቁሙ፡” “ንሓቂ መስክሩ፡” “ንሕና መሬት ኢና፡ የሆዋ ድማ ሰራሒና እዩ” ዚብል እዩ። (ፊል. 1:9, 10, 27፣ ዮሃ. 18:37፣ ኢሳ. 64:8) ኣብቲ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2010 ዚግበር መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ንኽትእከብ ተሃንጢኻዶ ኣለኻ፧ ፍረ ነገር እቲ ኣኼባ፡ ካብ 1 ቈረንቶስ 7:29 እተወስደ ዀይኑ፡ “እቲ ዘመን ሓጺር እዩ” ዚብል ኪኸውን እዩ።
2. ነዚ ኣኼባ እዚ ውዕዉዕ ስምዒት ከም ዚህሉ ንምግባር እንታይ ኪግበር ይከኣል፧
2 መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ እትግበረላ መዓልቲ ኣብ ጉባኤኹም ምልክታ ምስ ተነግረ፡ ብዛዕባኡ ውዕዉዕ ምይይጥ ግበር። ገሊኦም ወለዲ ነታ ዕለትን ሽዑ ዜድሊ ነገራትን ኣብ ናይ ስድራ ቤቶም ዓውደ-ኣዋርሕ ብምጽሓፍን በብእዋኑ ኽንደይ መዓልቲ ኸም ዝተረፋ ብምምልካትን፡ ደቆም ነታ መዓልቲ ብሃንቀውታ ኸም ዚጽበይዋ ይገብሩ። ኣብታ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚግበረላ ምሸት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ዝቐረበ ነጥብታት ደጊምኩም ክትርእይዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነቲ ኣብታ ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 13-16 ዚርከብ “ከመይ ጌርካ ኸም እትሰምዕ ተጠንቀቕ” ዚብል ትምህርቲ ብምምርማር እውን፡ ንልብኻን ንልቢ ስድራ ቤትካን ከተዳሉ ትኽእል ኢኻ።—ሉቃ. 8:18።
3. ካብቲ ዚቐርብ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ፦ ብዙሓት ሰባት ደድሕሪ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባ፡ “ብሓቂ ጽቡቕ ትምህርቲ ኢና ተማሂርና!” ይብሉ እዮም። እዚ ኣኼባ እዚ፡ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ዘዳለዎ ሓያሎ መሰናድዎታት ስለ ዝዀነ፡ ብሓቂ ጽቡቕ ትምህርቲ እንረኽበሉ ኢና። (ምሳ. 10:22) እቲ ትምህርቲ ፍረ ንኺፈሪ ግን፡ ከተስተንትነሉን ክትዓቝሮን ኣሎካ። (ሉቃ. 8:15) ካብቲ ኣኼባ ናብ ቤትካ ኽትከይድ ከለኻ፡ ምስ ኣባላት ስድራ ቤትካ ወይ ምሳኻ ብማኪና ምስ ዚጐዓዙ ሰባት ተመያየጠሉ። ናይ ንሓድሕድኩም ሸቶታትን ኣብ ኣገልግሎትካ ዚሕግዘካ ነጥብታትን ተመያየጡሉ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ድሕሪ እቲ ኣኼባ እውን ንነዊሕ ግዜ ኻብቲ ትምህርቲ ኽትጥቀም ኢኻ።—ያእ. 1:25።
4. እዚ ኣኼባ እዚ ንዓና ፍሉይ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
4 ብልክዕ ዜድልየና ውህበት ኪወሃበና ኸሎ፡ ፍሉይ ስምዒት ይስምዓና እዩ። ኣብ እትቕጽል መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባና፡ የሆዋ እንታይ ኣዳልዩልና ኸም ዘሎስ ብሃንቀውታ ደይኰንናን እንጽበዮ፧ ብዅሉ መዳይ ግብራዊ ኸም ዚኸውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ፡ ነቲ ንሱ ዝመደበልና ዕዮ ንኽንፍጽም ዜኽእለና መተባብዕን ስልጠናን ብምሃብ፡ ብልክዕ ዜድልየና ውህበት ከም ዚህበና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—2 ጢሞ. 4:2፣ ያእ. 1:17።