እታ ዘ ባይብል —ኢትስ ፓወር ኢን ዮር ላይፍ ዘርእስታ ቪድዮ እትገድፎ ጦብላሕታ
ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት መልሲ ኽትህብ ከሎኻ: እቲ ኣብዛ ናይ እንግሊዝኛ ቪድዮ እዚኣ ዝርከብ መልእኽቲ ዘሕደረልካ ልባዊ ጦብላሕታ ግለጽ። (1ሀ) ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ህይወቶም ንኸመሓይሹ ሓይሊ ዝረኸቡ ካብ ምንታይ ኢዮም፧ (እብ. 4:12) (1ለ) ነዚ ሓይሊ እዚ ንኽንረክብን ኣብ ናብራና ንኽንጥቀመሉን እንታይ ክንገብር የድልየና፧ (2) ናይ መርዓ ብጾት (ሀ) ዝገብርዎ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ንምምሕያሽ (ለ) ሕርቃኖም ንምቍጽጻር: ዝሕግዝ ኣየናይ ጥቕስታት ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧ (3) ክርስትያናት ንሓዳር ዘለዎም ኣረኣእያ ንናብራ ስድራቤት ዘመሓይሾ ብኸመይ ኢዩ፧ (ኤፌ. 5:28, 29) (4) የሆዋ ኣምላኽ ንውሉዳት ዘድልዮም ሰለስተ ነገራት ብምሃብ ፍጹም ኣብነት ዝገደፈ ብኸመይ ኢዩ: ሎሚ ዘለዉ ወለዲ ተመሳሳሊ ነገር ክገብሩ ዝኽእሉኸ ብኸመይ ኢዮም፧ (ማር. 1:9-11) (5) ወለዲ ንደቆም ባዕሎም መጽሓፍ ቅዱስ ክምህርዎም ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም: ዅሉ ሳዕ ክምህርዎም ከም ዘለዎም ዘርኢኸ እንታይ ኢዩ፧ (ዘዳ. 6:6, 7) (6) ወለዲ ንናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መሳጢ ኽገብርዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ (7) ወለዲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘይኰነስ እንታይ ተወሳኺ ነገራት ንውሉዳቶም ክገብሩሎም ኢዩ ቓል ኣምላኽ ዝድርኾም፧ (8) ስድራቤታት ብቝጠባ ዝመጸ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኽሕግዘን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (9) ኣየናይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ምስ ዝውዕል ኢዩ ጥዕናና ኣብ ምሕላው ዝሕግዘና፧ (10) ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ስርዓታት ኣብ ህይወትካ እንታይ ለውጢ ገይሩልካ፧ (11) ሓደ ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሉ ውልቀ-ሰብ: ነዛ ቪድዮ እዚኣ ኸም ዝርእያ ምግባር ጽንዓት ንኽጅምር ክሕግዞ ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧