ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/01 ገጽ 7-8
  • ንኸተገልግል ድሉው ምዀንካዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኸተገልግል ድሉው ምዀንካዶ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እዚ ዝበለጸ ዓይነት ሞያ ምዀነካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ዘይርሳዕ ሰናይ ግብሪ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ንዅሉ ዝቐረበ ዕድመ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ቤት-ኤል እንታይ እዩ፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
km 10/01 ገጽ 7-8

ንኸተገልግል ድሉው ምዀንካዶ፧

1 ብ778 ቅ.ኣ.ዘ. ፍልይ ዝበለ ፍጻመ ኣጋጢሙ ነበረ። ነብዪ ኢሳይያስ “እግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ” ብራእይ ረኣየ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ እቶም ሱራፌል ንየሆዋ “ቅዱስ: ቅዱስ: ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” እናበሉ ኽውድስዎ ሰምዐ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዘደንቕ ኰን ኢዩ ነይሩ! ኣብቲ ግዜ እቲ የሆዋ “ንመን ክልእኽ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ፧” ዝብል በዳሂ ሕቶ ኣቕረበ። ዓይነት ናይቲ ዕዮ ወይ እቲ ወለንተኛ ዝረኽቦ ጥቕሚ ኣሎ ድዩ የለን እተዋህበ መግለጺ ኣይነበረን። እንተዀነ ግን: ኢሳይያስ ከይተወላወለ “እኔኹ ልአኸኒ” በለ።​—⁠ኢሳ. 6:⁠1, 3, 8

2 የሆዋ ንዝሓቶ ዕዮ ፍቓደኛ ዄንካ ናይ ምዕያይ መንፈስ መለለዪ ህዝቡ ኢዩ። (መዝ. 110:⁠3) ሕጂ ኸኣ ነቶም ንኸገልግሉ ድሉዋት ክዀኑ ዝኽእሉ ፍሉይ ጻውዒት ይግበር ኣሎ። ከም ኢሳይያስ ብናይ ወለንታ መንፈስ ምላሽ ንምሃብ ድሉው ዲኻ፧

3 ኣሕዋትን ኣሓትን: ስርዓታውያንን ፍሉያትን ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ይድለ ኣሎ። እዚ ኸኣ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ንምሃብ ሓያል ባህጊ ምህላው ከምኡውን ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ንምድጋፍ ዝድለ ዘበለ ኵሉ ንምግባር ፍቓደኛ ምዃን ዝሓትት ኢዩ። (ማቴ. 6:⁠33) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስኻ ንኸተገልግሎ ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ ኢዩ። ብኸመይ፧

4 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘምጽኦ በረኸት:- እቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እተጸምዱ ብዛዕባ እቲ ናይ ኣገልግሎት መሰሎም ከመይ ይስምዖም፧ ሓደ መንእሰይ “ ‘ኣብ ሓዳስ ዓለም ምስ ኣተኹ: ነቶም ናይ ጥንቲ እሙናት ሰባት ዝበዝሐ ክፍሊ ህይወተይ ደድሕሪ ገንዘብ ዘይኰነስ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከም ዘሕለፍክዎ ኽነግሮም ክሳዕ ክንደይ ባህ ዘብል ምዃኑ’ ክሓስብ ትዝ ይብለኒ” ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ።

5 ሓደ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብድምር 59 ዓመታት ዘሕለፈ ሓው “ብዝሰራሕክዎ ዘይተሓጐስኩላ መዓልቲ የላን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንየሆዋ ምሉእ ነፍስና ኽንህቦ ኸሎና ‘ነቲ ኽንገብሮ ዝግብኣና ኸም ዝገበርና’ ብምፍላጥና እንረኽቦ ዕግበት ስለ ዘሎና ኢዩ” በለ።​—⁠ሉቃ. 17:⁠10

6 ካልእ ን62 ዓመታት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዝዀነ ሓው “ምሉእ ህይወተይ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምጽማደይ ፈጺሙ ኣጣዒሱኒ ኣይፈልጥን። ነቲ ዘደንቕ ዕቤት ናይዛ ምድራዊት ማሕበር የሆዋ ብዓይነይ ክርእን ኣብኡ ኽካፈልን ምኽኣለይሲ ኸመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ኣምጺኡለይ!” በለ።

7 መንእሰያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ንምዃን ካብ ሕጂ ተዳለዉ:- መንእሰያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ንምዃን እንታይ ምድላው ክገብሩ ይኽእሉ፧ የሱስ “ካባኻትኩምከ: ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ . . . ንመወድኢኡ ዚአኽሎ ገንዘብ እንተለዎ: ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ: እንታዋይ እዩ፧” በለ። (ሉቃ. 14:⁠28) ዝዀነ ይኹን ፕሮጀክት ህንጸት ዕዉት ንኽኸውን ምድላውን መደብ ምግባርን ኣድላዪ ካብ ኰነ: መንእሰያት ኣብ መጻኢ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንዘለዎም ግደ ብኸመይ ይሃንጹ ኸም ዘለዉ ኸስተብህሉስ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ዀን ኢዩ! መንፈሳዊ ሸቶታት ምእንቲ ኽህልዎም ካብ ንእስነቶም መሰረት ከንብሩ ኣለዎም። ከም መንእሰይ መጠን: ድልዱል መሰረት ተንብርዶ ኣሎኻ፧ ነዚ ዝስዕብ ተጠንቂቕካ ምስ እትሓስበሉ ብዙሕ ክትጥቀም ኢኻ።

8 ነዚ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ‘ቦታ ሃቦ’:- ኣብ ማቴዎስ 19:⁠12 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንጽል ኴንካ ንምንባር ‘ቦታ ኽህብዎ’ (NW ) ኣተባብዖም። ስለምንታይ፧ ንብሕታዊ ምኽንያት ዘይኰነስ “ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም” ክገብርዎ ኸም ዘለዎም ገሊጽሎም ኢዩ። ጳውሎስ እውን ብተመሳሳሊ ‘ብጽንዓት ከይተናቓነቕካ ብጐይታ ኽትጸንዕ’ ዘኽእል ናብራ ኣተባቢዑ ኢዩ። (1 ቈረ. 7:⁠32-35) እቲ ዘሕዝን ግን: ብዙሓት ሰባት ብንእሽቶኦም ስለ ዝምርዓዉ: ንጽል ፓይነር ኰይኖም ንኸገልግሉ ዘለዎም መሰል የምልጦም ኢዩ። መንእሰያት ኣሕዋትን ኣሓትን ገና ናይ ስድራ​ቤት ሓላፍነታት ከይተሰከሙ ኸለዉ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክጽመዱ ኢና እነተባብዖም። ጸኒሖም ክምርዓዉ እንተ ደልዮም ካብ ናብራን ክርስትያናዊ ኣገልግሎትን ዝያዳ ተመክሮ ስለ ዝረኽቡ ዝሓሹ ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ኢዮም ዝዀኑ። ገሊኣቶም ንብዙሕ ዓመታት ድሕሪ ምግልጋል: ተመርዕዮምን ምስ ናይ መርዓ ብጻዮም ኰይኖም ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ቀጺሎምን ኢዮም።

9 ደድሕሪ ስጋዊ ጥሪት ክትከይድ ክትብል መገድኻ ኣይትስሓት:- ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ‘ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ ምሉእ ግዜይ ኣብ ዓለማዊ ስራሕ ድየ ኸሕልፎ ወይስ ንየሆዋ ኢየ ብምሉእ ግዜይ ከገልግሎ፧’ ኢሉ ንርእሱ ምስ ዝሓትት ሰናይ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: እዛ ኻልኣይቲ ስጕምቲ መስዋእትታት ትሓትት ኢያ። ዓለማዊ ስራሕ ምሓዝ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን! ኣብ መወዳእታ ግን ኣየናይ መገዲ ኢዩ ነባርን ጠቓምን ፍረ ዘለዎ፧ የሱስ ንጹር መልሲ ኢዩ ሂቡና። ኣብ ማቴዎስ 6:⁠19-21 ከምዚ በለ:- “መዝገብካ ኣብ ዘለዎ: ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ: ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ: ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ: ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር: ብልዒ ኣብ ዚበልዖ: ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ: ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።” ኣልባብና ዓለማዊ ስራሕ ወይ ጥሪት ዘይኰነስ ብምሉእ ነፍስና ንየሆዋ ናብ ምግልጋል ይምርሓና። ክንስዕቦ ዝግባእ እንኮ ሸቶ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ምጥራይ ምዃኑ ኽንግንዘብ ኣሎና: ከምዚ ብምግባር ድማ ንልቡ ነሐጕሶ። (ምሳ. 27:⁠11) ኣብ ግዜ ንእስነትና ንየሆዋ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ምሃብ: ነየናይ ነገር ኣኽቢርና ኸም እንርእን መንግስቲ ኣምላኽ ንዓና ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲት ምዃናን ኢና እነርኢ። ‘በረኸት እግዚኣብሄር ከም ዘሀብትም: ሽጋርውን ገለ ከም ዘይውስኸሉ’ ድማ ኣይንረስዕ። (ምሳ. 10:⁠22) መንእሰያት ነቲ የሆዋ ዝገበረሎም ዘበለ ዅሉ ውሬታ ብምምላስ ልቦም ኣበይ ከም ዘሎ ንኸርእዩ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኣለዎም።

10 ፓይነራት ብስነ⁠-​ምግባር ንጹሃት ክዀኑ ኣለዎም:- እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧” ኢሉ ሓተተ። “ከም ቃልካ [ቃል የሆዋ] ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ” ኢሉ ድማ መለሰ። (መዝ. 119:⁠9) ከም ቃል የሆዋ ገይርካ ንነፍስኻ ምጥንቃቕ ክበሃል ከሎ ኻብዚ ብስነ⁠-​ምግባር ብልሹው ዝዀነ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ምርሓቕ ዘጠቓልል ኢዩ። ገለ ኻብቲ መንእሰያትና ንመንፈሳዊ ሸቶታቶም ንኸይበጽሕዎ ሰይጣን ዝጥቀመሉ መፈንጠራታት ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ስእለ⁠-​ጽዩፍ: ምስ ኣንጻር ጾታ ዝህሉ ዘይእዱብ ጠባይ: ጽዩፍ ሙዚቃ: ዘይጥዑይ መዘናግዒ: ከምኡውን ትሕቲ ዕድመ ኸሎኻ መስተ ምስታይ ኢዩ። ነዚ ውዲታት እዚ ንምጽራር ብርቱዕ ቈራጽነት ይሓትት ኢዩ። ገለ ኻብዚ እተጠቕሰ ኣመላት እንተድኣ ሃልዩካ: ኣብ ጉባኤኻ ንዝርከቡ ሽማግለታት ኣዘራርቦም: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ንምዃን ቅድሚ ምምልካትካ ድማ ነዚ ጸገም እዚ ፍትሓዮ። ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንምግልጋል ንጹህ ሕልና ግድን ኣድላዪ ኢዩ።​—⁠1 ጢሞ. 1:⁠5

11 ምስ ካልኦት ተሳኒኻ ምንባር ልመድ:- ምስ ካልኦት ተሳኒኻ ምንባር ምስ እትለምድ ዕዉት ፓይነር ንኽትከውን ብዙሕ ይሕግዘካ ኢዩ። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ምስ እትሓትት ሰናይ ኢዩ:- ‘ካልኦት ምስ ሓሳባተይ ምስ ዘይሰማምዑ ብቐሊሉ እቕየም ድየ፧ ካልኦት ምሳይ ተሳንዮም ንኽነብሩ ዘጸግም ድየ፧’ ኣብዚ መዳይ እዚ ምምሕያሽ ዘድልየካ እንተ ዀይኑ: ካብ ሕጂ ዕየየሉ። ከምዚ ምግባርካ ምስ ካልኦት ኣብ እትነብረሉን እትዓየሉን እዋን ብቐሊሉ ምትዕርራይ ንኽትገብር ይሕግዘካ ኢዩ።

12 ስለዚ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ብምምዕባል መንፈሳዊ ሰብ ንምዃን ጽዓር። ጽቡቕ መደብ ብሕታዊ መጽናዕቲ ግበር: ሓደ ኻብዚ እውን ንመጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ምንባብ ኢዩ። ነቲ ብስራት ንኻልኦት ኣብ ምክፋል ንጡፍ ኩን። ነዚ ነገራት እዚ ኣብ ግብሪ ምስ እተውዕል: ብመንፈስ እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ ክግለጽ ኢዩ። (1 ጢሞ. 4:⁠15) ነቶም ህይወቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኸሕልፍዎ ኻብ ሕጂ ዝዳለዉ ዘለዉስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘደንቕ ተስፋታት ኰን ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ!

13 ወለዲ ንደቅኹም ኣሰልጥንዎም:- መንእሰያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሸቶ ንኽህልዎም ወለዲ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧ የሱስ “ተምሂሩ ዝወድኤ ዅሉ ግና ከም መምህሩ እዩ ዚኸውን” በለ። (ሉቃ. 6:⁠40) መብዛሕትኡ ግዜ ምሉእ ስልጠና ዝረኸበ ተማሃራይ ንሰናይ ባህርያት ናይቲ ውፉይ መምህሩ ኢዩ ዘንጸባርቕ። ክርስትያናት ወለዲ ንደቆም ‘ኣምልኾ ኸላምድዎም’ ክጽዕሩ ኸለዉ ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኣብ ኣእምሮኦም ክሕዝዎ ኣለዎም። (1 ጢሞ. 4:⁠7) ቈልዑ ብባህሪኦም ነቲ ወለዶም ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ዘለዎም ኣረኣእያ ስለ ዘንጸባርቑ: ወለዲ ገዛእ ርእሶም ከምዚ ኢሎም እንተ ሓተቱ ሰናይ ኢዩ:- ‘ንረብሓታት ናይ ሓቂ ኣምልኾ የሆዋ ንምድንፋዕ ተባሂሉ ኣብ ቤትኤልን ኣብ ግራት ኣገልግሎትን ዝግበር ዕዮ ብብሕትና ነማስወሉ ዲና፧ ደቅና ኣብ ህይወቶም ክገብርዎ ኻብ ዝኽእሉ ነገራት እቲ ዝበለጸ ንየሆዋ ምግልጋል ምዃኑ ንኣምነሉ ዲና፧’ ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎትን ነቲ ብናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዝግበር ዘሎ ዕዮን ዘሎና ልባዊ ሞሳ ኣብ ደቅና ተመሳሳሊ ሞሳ ኸነስርጽ ክሕግዘና ኢዩ።

14 ኤልቃናን ሃናን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዓሚቝ ሞሳ ነበሮም። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ወለዲ ኸተኵሩሉ ዝግባእ ኣብነት ገዲፎምሎም ኢዮም። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: እስራኤላውያን ሰብኡት ጥራይ ኢዮም ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ‘ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ’ ማለት ኣብ ማሕደር ‘ክመጹ’ ዝነበሮም። ይኹን እምበር: ኤልቃና ምስ ምሉእ ስድራ​ቤቱ ኣብዚ ኣምልኾ የሆዋ ዝካየደሉ ቦታ መስዋእቲ ንምቕራብ ኣስታት 30 ኪሎ ሜትር ኣቢሉ “በብዓመት” ይጓዓዝ ነበረ: ነዚ ጕዕዞ እውን ብእግሩ ኢዩ ዝገብሮ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል። (ዘጸ. 23:⁠17፣ 1 ሳሙ. 1:⁠3, 4, 9, 19፣ 2:⁠19) እዚ ርእሲ ስድራ​ቤት እዚ ብምሉኦም ስድራ​ቤቱ ልክዕ ከምኡ ንመንፈሳዊ ነገር ተገዳስነት ከሕድሩ ይደሊ ምንባሩ ንጹር ኢዩ።

15 ሃና ልክዕ ከም ሰብኣያ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ተገዳስነት ነበራ። ነቲ ኣብቲ ማሕደር ዝግበር ዝነበረ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድጋፍ ግዴታ ኸም ዘለዋ ተሰሚዕዋ ኢዩ። የሆዋ ውሉድ እንተ ሂብዋ: ኣብ ማሕደር ንኸገልግል ከም እትውፍዮ ተመባጽዐት። (1 ሳሙ. 1:⁠11) ሰብኣይ ነቲ ሰበይቱ ዝገበረቶ ዘይግቡእ መብጽዓ ኸፍርሶ ሕጊ ሙሴ የፍቅድ ነይሩ ኢዩ። (ዘሁ. 30:⁠7-9) እንተዀነ ግን: ኤልቃና ነቲ ሃና ዝገበረቶ መብጽዓ ብንጹር ኣጽደቖ: እዚውን ነቲ መግለጺ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይድግፎ ምንባሩ ዘርኢ ኢዩ!​—⁠1 ሳሙ. 1:⁠22, 23

16 ሳሙኤል እቲ ወለዱ ዘርእይዎ ዝነበሩ ሞሳን ሰናይ ኣረኣእያን ኣወንታዊ ጽልዋ ገይርሉ ድዩ፧ ብዓጀባ እምበር። ንእሽቶ ኸሎ ነቲ እተመደበሉ ዕዮ ብወለንታን ብተኣማንነትን ይፍጽም ነበረ: ንዝዓበየ መሰላት ኣገልግሎት ኣምላኽ ድማ ስልጠና ረኸበ። ሳሙኤል ኣብ ማሕደር ከገልግል ምስ ጀመረ ኤልቃናን ሃናን ኣብቲ ዕዮኡ ዝነበሮም ተገዳስነት ኣየብቅዐን። ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸሚድሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ንኸተባብዕዎን ንኽድግፍዎን ኢሎም ቀጻሊ ይበጽሕዎ ነበሩ።​—⁠1 ሳሙ. 2:⁠18, 19

17 ኤልቃናን ሃናን ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ወለዲ ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዮም ዝገደፉ! ደቅና ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሎና ልባዊ ሞሳ ምስ ዝሰምዑን ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ዝግበር ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ምስ ዝርእዩን: ንሳቶም እውን ንኻልኦት ናይ ምግልጋል ዝንባለ ዘለዎ ልቢ የጥርዩ። ብዙሓት ወለዲ ነዚ ሰናይ ዝንባለ እዚ ንደቆም ይሰርጹሎም ኣለዉ። ሓንቲ ጓል ሸውዓተ ዓመት ቈልዓ ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ምስ ዓበኹ: ቤትኤል ክኣቱ ኢየ ዝደሊ: ኣብኡ ድማ (1) ንመጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብናይ ጽሕፈት ማኪና ኽሃርም: (2) ኣብ ክፍሊ ስእሊ ኽዓዪ: (3) እተሓጽበ ክዳውንቲ ኽዓጽፍ እደሊ ኢየ። ካብዚ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ኽወሃበኒ ፍቓደኛ ኢየ።” ኣብ ኣልባብ ደቅና ኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ወለንታ መንፈስ ክዓቢ ምርኣይሲ ኽሳዕ ክንደይ ንልቢ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ!

18 መንእሰያት ነቲ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ዝብል ኣይትረስዕዎ። (1 ዮሃ. 2:⁠17) መንፈሳዊ ሸቶታት ስዓቡ: እዚ እውን ነቲ ፍሉይ መሰል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘጠቓልል ኢዩ። ወለዲ: ነቶም ኣብ ጥንቲ ዝነበሩ ንደቆም ኣምልኾ ክዅስኵሱ ዘተባብዑ እሙናት ምሰልዎም። (2 ጴጥ. 3:⁠11) ኵላትና እውን መንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነቲ ዓቢ ፈጣሪና ብምሉእ ዓቕሞም ከገልግልዎ ንምሕጋዞም እጃምና ነበርክት: ከመይሲ እዚ “ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ አለዎ።”​—⁠1 ጢሞ. 4:⁠8፣ መክ. 12:⁠1

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ