ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/02 ገጽ 1
  • ንጽሑፋትና ሞሳ ነርኢ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንጽሑፋትና ሞሳ ነርኢ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትና ብጥበብ ተጠቐመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ንጽሑፋትና ብግቡእ ንጠቐመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ብእተፈላለየ ቛንቋታት ጽሑፋት ምብርካት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ካብ ዚኽዘን ተጠቐመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 9/02 ገጽ 1

ንጽሑፋትና ሞሳ ነርኢ

1 ንጉስ ዮስያስ ነታ ቤት መቕደስ ንምህናጽ ምድላዋት ክገብር ከሎ ነቶም ነቲ ዕዮ ኽዓዩ እተመዘዙ ሰባት ከምዚ በሎም:- “ብእምነት እዮም ዚገብርዎ እሞ: ነቲ ኣብ ኢዶም እተዋህበ ገንዘብ ኣይጸባጸብዎም።” (2 ነገ. 22:⁠3-7 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዞም ሰባት እዚኣቶም ንቕዱስ ነገራት ዝነበሮም ልዑል ክብሪ ነቲ ብሕድሪ እተዋህቦም ንብረት ኣብ ዝገበርዎ ኣተሓሕዛ ተጋሂዱ ኢዩ። ሎሚ እውን ኣብቲ ቅዱስ ዕዮ ወንጌል ኣምላኽ ክንጽመድ ከሎና ነቲ ሓላፍነትና ንምፍጻም እተዋህበና ነገራት ብተኣማንነት ኽንሕዞ ኸድልየና ኢዩ።

2 ኣብ ግራት ኣገልግሎት:- ነቲ ጽሑፋትና ሒዝዎ ዘሎ መልእኽትን ንመሕተሚኡ ዝወጽእ ገንዘብን ኣብ ግምት ምእታው ኣኽቢርና ንኽንርእዮ ይድርኸና። ነቶም ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ልባዊ ሞሳ ዘየርእዩ ሰባት ጽሑፋትና ብዘይ​ ኣፈላላይ ክንዕድል ኣይግብኣናን ኢዩ። ሓደ ሰብ ኣብቲ ብስራት ብዙሕ ተገዳስነት እንተደኣ ዘየርእዩ ኣብ ክንዲ ካልእ ጽሑፋት ትራክት ክንህቦ ንኽእል ኢና።

3 ንጽሑፋትና ብግቡእ ተጠቐመሉ። ተወሳኺ ጽሑፋት ቅድሚ ምውሳድካ ኣብ ገዛኻ ክንደይ ዝኸውን ጽሑፋት ከም ዘሎካ ርአ። ኵሉ ሳዕ ካብ ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ዝተርፈካ እንተደኣ ዀይኑ ትእዛዝካ ክትንክዮ ፈትን።

4 ናይ ብሕትና ጽሑፋት:- ዘድልየና ጽሑፋት ጥራይ ክንእዝዝ ኣሎና። ብፍላይ ከኣ ነቲ ዝያዳ ዋጋን ጻዕርን ዝሓትት ምልኩዕ መጽሓፍ ቅዱስ: መወከሲ ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ: ከምኡውን ከም እኒ ኮንኮርዳንስ: ኢንዴክስ: ኢንሳይት: ፕሮክለይመርስ ዝኣመሰለ መጻሕፍቲ ክንእዝዝ ከሎና ምስትውዓል ከነርኢ ኸድልየና ኢዩ።

5 ኣብ ናይ ብሕትኻ ቅዳሓት ስምካን ኣድራሻኻን ትጽሕፈሉ ዲኻ፧ ከምዚ ምስ እትገብር ድሓር ዝጐደለካ ጽሑፋት ንምምላእ ኢልካ ኣይትሽገርን ኢኻ። ናይ መዝሙር መጽሓፍ: መጽሓፍ ቅዱስ: ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት እንተደኣ ጠፊኡካ ምናልባት ኣብ ጉባኤ ኣብቲ ጠፊኡ እተረኽበ ኣቕሑ ዝእከበሉ ቦታ ክህሉ ይኽእል ኢዩ።​—⁠ሉቃ. 15:⁠8, 9

6 እምበኣር: ንጽሑፋትና ብግቡእ ክንጥቀመሉ ንጽዓር። እዚ ነቲ የሆዋ መንግስቱ ንምስፋሕ ክንጥቀመሉ ኢሉ ብሕድሪ ዝሃበና ጽሑፋት ኣኽቢርና ከም እንርእዮ ዝሕብር ኢዩ።​—⁠ሉቃ. 16:⁠10

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ