ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትና ብጥበብ ተጠቐመሉ
1, 2. ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ጽሑፋትና እንታይ ይስምዖም፧ እዚኸ እንታይ ሕቶ የልዕል፧
1 “ጽሑፋትኩም ካብ 1965 ኣትሒዘ ኸንብቦ ጸኒሐ እየ። ከንብብ ከለኹ መጽሓፍ ቅዱስ እውከስ እየ: ኵሉ እቲ ኣብ ጽሑፋትኩም ዘሎ ሓሳባት ድማ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ እዩ። ብዛዕባ ኣምላኽን የሱስን ወትሩ እቲ ሓቂ ኽፈልጥ እደሊ ነይረ: ነዚ ድማ ካብ ጽሑፋትኩምን መጽሓፍ ቅዱስን እረኽቦ ኣለኹ።” እዚ ሓደ ሰብኣይ ናብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጸሓፎ ደብዳበ እዩ። ኣብዛ ደብዳበ እዚኣ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ ሓተተ።
2 ልክዕ ከምዚ መማሰዊ ሰብኣይ: ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዜዳልዎ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ጽሑፋት የማስዉሉ እዮም። (ማቴ. 24:45) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ‘ናብ ፍልጠት ሓቂ ኺመጹ’ ንምሕጋዝ ማእለያ ዘይብሉ ጽሑፋት እዩ ዚዳሎ። (1 ጢሞ. 2:4) ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትና ብጥበብ ክንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3. ጽሑፋት ካብ ምብኻን ክንቍጠብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ኣይተባኽን:- ድሕሪ ነዊሕ ግዜ: ክንጥቀመሉ ኻብ እንኽእል ንላዕሊ ጽሑፋት ኣብ ኣባይትና ኽእከብ ይኽእል እዩ። ነዚ ጠቓሚ ዝዀነ ጽሑፋት እዚ ኸይነባኽን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ንኣገልግሎት ዚዀነና ጽሑፋት ክንወስድ ከለና: ምስትውዓል ከነርኢ ኣድላዪ እዩ። ብዙሕ ጽሑፋት ኣብ ክንዲ እንወስድ ሓደ ወይ ክልተ ጽሑፋት ጥራይ ወሲድና ንዕኡ ምስ ዓደልናዮ ተመሊስና ተወሳኺ ኽንወስድ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ብዙሕ ጽሑፋት ኣብ ኣባይትና ኸይእከብ ይሕግዘና። ብተመሳሳሊ ዘይዓደልናዮ ብዙሕ ጽሑፋት እንተሎ: እቲ ኺወሃበና እንሓቶ ጽሑፋት ከነውሕዶ ግቡእ እዩ።
4. ሓንቲ ጉባኤ ኣብ መኽዘና ዝያዳ ጽሑፋት ምስ ዚህሉ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
4 ኣብ መኽዘን ዘሎ ዝያዳ ጽሑፋት:- ሓንቲ ጉባኤ ኣብ መኽዘና ኻብቲ ኽትጥቀመሉ እትኽእል ንላዕሊ ጽሑፋት ምስ ዚህልዋ: እቲ ኣተሓባባሪ ጽሑፋት ካልእ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ጉባኤ ነቲ ጽሑፋት ክትጥቀመሉ ትኽእል እንተ ዀይና ኺሓትት ይኽእል እዩ። ኣስፋሕቲ ነቲ ናይ ቀደም ጽሑፋት ንዘይኣምኑ ኣባላት ስድራቤቶምን ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ንኻልኦትን ኪዕድልዎ ይኽእሉ እዮም። ሓደስቲ ኣባላት እታ ጉባኤ እውን ነዚ ናይ ቀደም ጽሑፋት ንብሕቶም ኪጥቀሙሉ ኬቐምጥዎ ይደልዩ ይዀኑ።
5. ንጽሑፋትና ዘሎና ሞሳ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
5 ጽሑፋትና ዕላማኡ ኺወቅዕ: ማለት ንቕኑዓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ዕላማታት የሆዋ ብዝያዳ ንኺምሃሩ ኣብ ምሕጋዝ ክንጥቀመሉ ኢና እንደሊ። ልክዕ ከምቲ የሱስ ነቶም ህዝቢ ብተኣምራዊ መገዲ ምስ መገቦም ነቲ ተረፍ ዘይጐሓፎ: ንሕናውን ነቲ ጠቓሚ ዝዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኽቡር ጽሑፋትና ብዚግባእ ክንጥቀመሉ ሸቶ ኽንገብር ይግባእ። (ዮሃ. 6:11-13) ጽሑፋትና ኣብ እንዳ መጻሕፍትና ወይ ቦርሳና ተኸዚኑ ጥራይ ዚተርፍ እንተደኣ ዀይኑ: እቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት በቲ ኣብ ጽሑፋትና ዚርከብ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ ኺትንከፉ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ እምበኣር: ንኣገልግሎት ዚዀነና ጽሑፋት ክንወስድ ከለና ሚዛናውያን ክንከውንን ካልኦት ምእንቲ ኺረብሑ ብጥበብ ክንጥቀመሉን ኣሎና።—ፊል. 4:5