ንሰባት እንሕግዘሉ መገዲ
ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ብስራት ንምዝርጋሕ ኣብ ዚፍጸም ኣገልግሎት ይሳተፉ እዮም። (ፊል. 2:17) ነዚ ንምፍጻም ድማ ብ20 ቋንቋታት እተዳለወ መሰረታዊ ፍልጠት ዝሓዘ ብሮሹራትን ትራክትታትን ዓንቀጻትን ኣብ መርበብ ሓበሬታ www.watchtower.org ኣብ ዚብል ዌብ ሳይት ኣትዩ ነይሩ። እዚ ዌብ ሳይት እዚ ንእዋናዊ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምዝርጋሕ እተዳለወ ኣይኰነን። የግዳስ: ዕላማኡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህሩ ርጡብ ሓበሬታ ንህዝቢ ንምቕራብ እዩ።
ኣብዚ ቐረባ እዋን ከኣ ኣብዚ ወግዓዊ ዌብ ሳይት እዚ ኣገዳሲ ጽሑፍ ተወሲኹ ኣሎ። እታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ብ220 ቋንቋታት ኣትያ ኣላ። ካብ ናይ 1 ጥሪ 2004 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ናይ 8 ጥሪ 2004 ሕታም ንቕሑ! ኣትሒዙ ድማ ናይዚ ዌብ ሳይት ኣድራሻ ኣብ ኵሉ እቲ እዚ መጽሔታት እዚ ዚሕተመሉ ቋንቋታት ኣብቲ ናይ ድሕሪት ገበር ኪወጽእ ጀሚሩ ኣሎ።
ነዚ መሳርሒ እዚ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል፧ ምናልባት ተገዳስነት ዘለዎ ግን ከኣ ካልእ ቋንቋ ጥራይ ዚፈልጥ ሰብ ትረክብ ትኸውን። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኺኣቱ ዚኽእል እንተ ዀይኑ: ነቲ ኣብ ናይ ድሕሪት ገበር መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ንቕሑ! ዚርከብ ኣድራሻ ዌብ ሳይት ክትሕብሮ ትኽእል ኢኻ። በዚ ኸምዚ ብቛንቋኡ ጽሑፍ ሒዝካሉ ኽሳዕ እትኸይድ ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ብቛንቋኡ ኺምርምራ ይኽእል። ወይ ከኣ ነዚ ሰብ እዚ ነታ በቲ ቛንቋኡ ንዚዛረቡ ሰባት እትከታተል ጉባኤ ወይ ጕጅለ ኸተረክቦ ትኽእል ኢኻ።