ብኻልእ ቋንቋ ዚሕተም ጽሑፍ ብቕልጡፍ ክትረክብ ምስ እትደሊ
ሓድሓደ ግዜ ብኻልእ ቋንቋ እተዳለወ፡ ኣብ ጉባኤና ዘየለ ጽሑፍ ዚደልዩ ሰባት የጋጥሙና እዮም። ኢንተርነትን ሓታሚትን ክትጥቀም ትኽእል እንተ ደኣ ዄንካ፡ ብ400 ቛንቋታት እተዳለወ ጽሑፋት ክትሓትም ከም እትኽእል ትፈልጥዶ፧ በዚ ዚስዕብ መገዲ ተጠቒምካ ኽትሓትም ትኽእል ኢኻ፦
• ነቲ www.watchtower.org ዚብል ወግዓዊ ወብ ሳይትና ኽፈት።
• ኣብቲ ብሸነኽ የማን ዘሎ “መእተዊ” (Home page)፡ ቋንቋታት ብኸፊል ተዘርዚሩ ኣሎ። ንዅሉ ዝርዝር ቋንቋታት ንኽትርኢ፡ ኣብ ስእሊ ግሎብ ክፈት።
• ነቲ እትደልዮ ቛንቋ ኽፈት። ክትሓትሞ እትኽእል ከም ትራክትታት፡ ብሮሹራት፡ ዓንቀጻት ዝኣመሰለ ጽሑፍ ክትረክብ ኢኻ። በቲ ዝመረጽካዮ ቛንቋ እተጻሕፈ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ኣርእስትታት እንተ ዘይፈሊጥካዮ ኣይትጨነቕ።
• ንሓዲኡ ኽፈቶ። እቲ ጽሑፍ ኣብቲ ኮምፕዩተር ክርአ እዩ፡ ድሕሪኡ “ሕተም” (Print) ዚብል መሪጽካ ኽትሓትሞ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ወብ ሳይትና ዘሎ ጽሑፋት መርኣዪ ጥራይ እዩ፣ ተወሳኺ ጽሑፋት ብጉባኤኻ ኣቢልካ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት እንተ ረኺብካ፡ ብኽፍሊ ጽሑፍ ኣቢልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ።