ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/04 ገጽ 5
  • ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ወረዳ ኣኼባ ድግማ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • መንፈሳውነትና ንኽንሕሉ ዚሕግዘና ኣኼባ ወረዳ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ነታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኣብ ህይወትካ ትዓይየላዶ ኣለኻ፧
    ንየሆዋ ቕረቦ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 10/04 ገጽ 5

ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣኼባ መደብ

ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚኣተን: ጥበብ ኣምላኽ ብምጥራይ ስምረቱ ኽንረክብ የድልየና። (2 ጢሞ. 3:1) እቲ ኣብ ናይ 2005 ናይ ኣገልግሎት ዓመት ዚውሰድ ናይ ወረዳ ኣኼባ: “በታ ‘ናይ ላዕሊ ጥበብ’ ተመርሑ” ዚብል ቀንዲ ኣርእስቲ ብምሓዝ ግብራዊ ምኽርን ምትብባዕን ኪህበና እዩ።—ያእ. 3:17

እቲ “ነታ ‘ናይ ላዕሊ ጥበብ’ ኣብ ህይወትና ምንጽብራቕ” ዘርእስቱ ቐዳማይ ዓውደ-መጽናዕቲ: ንጹህ: ሰላማዊ: ልኡም: ከምኡውን ሰማዕ ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ከም ዜጠቓልል ንኽንርዳእ ኪሕግዘና እዩ። ድሕርዚ እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኣተኵሮኡ ኣብ ካልእ ሰለስተ መዳያት ጥበብ ኣምላኽ ኪገብር እዩ። እቲ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ: ገሊኦም ሰባት ንክርስትያን ኣገልገልቲ ኸም “ዘይተማህሩ ጭዋታት” ገይሮም እኳ እንተ ረኣይዎም: ብዛዕባ ጥበብ ኣምላኽ ንምዝራብ ግን ብኸመይ ከም እተዓጥቁ ብምግላጽ ነታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኺዛዝማ እዩ።—ግብ. 4:13

ኣብታ ኻልኣይቲ መዓልቲ “ሃናጺ ነገራት ንስዓብ” ዘርእስቱ ዓውደ-መጽናዕቲ: ነቲ ብመንፈስ ኬድክመና ዚኽእል ነገራት ከነለልዮን ከነርሕቖን ኪሕግዘና እዩ። ኣብ ጉባኤና ንዘለዉ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንእንረኽቦም: ከምኡውን ንኣባላት ስድራቤትና ብኸመይ ክንሃንጾም ከም እንኽእል እውን ኪገልጸልና እዩ። እቲ “ጥበብ ኣምላኽ ብኸመይ እያ እትጠቕመና፧” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ: ነቲ መለኮታዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ እንረኽቦ በረኸታት ዘሎና ሞሳ ዜዕቢ እዩ። እቲ “ብጥበብ ኣምላኽ ምምልላስ ዕቝባ ይዀነና” ዘርእስቱ ናይ መዕጸዊ ዝርርብ እውን ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ጥበብ ንምርካብ ካብ የሆዋ ሓገዝ ክንደሊ ኼበራትዓና እዩ።

ጥምቀት እቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ: እቲ ዝበለጸ ኽፍሊ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዓብዪ ኣኼባ እዩ። ኣብቲ ኣኼባ ናይታ ሰሙን ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርትን ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛን ኪቐርብ እዩ። የሆዋ: ኵላትና ኻብቲ ንሱ ዚህበና ጥበብ ክንጥቀም እዩ ዚደልየና። በቲ ኣብ ናይ ወረዳ ኣኼባ ዚጽበየና ዘሎ ምኽርን ምትብባዕን ብመንፈስ ክንብልጽግ ኢና።—ምሳ. 3:13-18

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ