ናይ ወረዳ ኣኼባ ድግማ
እዚ ጽሑፍ እዚ ነቲ ኣብ 2005 ናይ ኣገልግሎት ዓመት ዚውሰድ ናይ ወረዳ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ ትሕዝቶ ናይቲ ኣኼባ ዚድህስስን ድሕሪ ምውድኡ ድማ ደጊሙ ዜመያይጥን እዩ። እታ “ዓበይቲ ኣኼባታት ደጊምና ንምምርማር እተገብረ ሓድሽ ምድላው” ዘርእስታ ኣብ ገጽ 9 ናይዛ ሕታም እዚኣ እትርከብ ዓንቀጽ: እዚ ድግማ እዚ ብኸመይ ከም ዚውሰድ ትሕብረና እያ። ንዅሉ እዚ ኣብዚ ድግማ ዘሎ ሕቶታት ንምሕታት ግዜ ምእንቲ ኽትረክብ: ነቲ እተዋህበካ ግዜ ብግቡእ ኣመቓርሓዮ። እዚ ድግማ እዚ ነቲ ኣብ ናይ ወረዳ ኣኼባ ዝቐረበ ትምህርትታት ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ዜጕልሕ ኪኸውን ኣለዎ።
ናይታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ቅድሚ ቐትሪ ኣኼባ
1. ጥበብ ኣምላኽ ንምርካብ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
2. እቶም ኣብዛ ወረዳ ዚርከቡ ኣሕዋት እቲ ብስራት ንብዙሓት ሰባት ንምብጻሕ እንታይ ጻዕርታት እዮም ዝገበሩ፧
ናይታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ኣኼባ
3. ክርስትያናት ውሽጦም ንጹሃት ኪዀኑ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ከምዚ ንምግባር እንታይ ይሓትት፧
4. ምስ ኣሕዋትና ብሰላም ክንነብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
5. ልእመት እንታይ ማለት እዩ: ኣብ ኣጠቓቕማ ግዜና ኸነንጸባርቓ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧
6. ካብ ኣብነት ሳኦልን ኖህን እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ በየናይ መገድታት ኢና ‘ሰማዕቲ’ ምዃንና ኸነርኢ እንኽእል፧ (ያእ. 3:17)
7. ክርስትያናት ክልተ ዓይነት ናብራ ኻብ ምንባር ኪሕለዉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
8. ብዛዕባ ጥበብ ኣምላኽ ብምዝራብ ዝመጸ ናይ ጳውሎስ ኣብነት ክንቀድሕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ናይታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ናይ ቅድሚ ቐትሪ ኣኼባ
9. እንስዕቦ ንጥፈታት ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና: ከምዚ ንምግባር ኪሕግዘና ዚኽእልከ እንታይ እዩ፧
10. እቶም ኣብዛ ወረዳ ዚርከቡ ኣሕዋት: ስርዓታውያን ኰይኖም ኣኼባታት ንምክፋል እንታይ ጻዕርታት እዮም ዚገብሩ ዘለዉ: ከምዚ ብምግባሮምከ እንታይ ጥቕምታት እዮም ዝረኸቡ፧
11. ርእስታት ስድራቤት ነንቤቶም ኪሃንጹ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
12. ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ንወረዳና ዜድሊ ነገራት እዩ እተዘርበሉ፧
ናይታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ኣኼባ
13. ከምቲ ኣብ ህዝባዊ ዝርርብ እተጠቕሰ: እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ እንታይ ፍረ ጽድቂ እያ እተፍሪ፧
14. ኣብ ገዛእ ርእስና ወይውን ኣብቶም ብጥበብ ኣምላኽ ዘይምርሑ ሰባት ትውክልቲ ምግባር ዕሽነት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ኢና ጥንቁቓት ክንከውን ዜድልየና፧
15. ጥበብ ኣምላኽ ካብ ከመይ ዝበለ መፈንጠራታት እያ እተዕቍበና፧
16. ነቲ ኣብ ናይ ወረዳ ኣኼባ እተዋህበና ምኽርታት ኣብ ግብሪ ምውዓል ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧