ብዘይ ቃል ምምስካር
1 ፍጥረት የሆዋ: ብዛዕባ እቲ ዘይርኤ ባህርያት የሆዋ ብዘይ ቃል ብዙሕ እዩ ዚዛረብ። (መዝ. 19:1-3፣ ሮሜ 1:20) ብተመሳሳሊ: ሰናይ ጠባይና: ክርስትያናዊ ባህርያትና: ከምኡውን ሕንኪ ዘለዎ ኣከዳድናና ብዘይ ቃል ይምስክር እዩ። (1 ጴጥ. 2:12፣ 3:1-4) ነፍሲ ወከፍና በቲ እዱብ ጠባይና ‘ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኽንስልሞ’ ኣድላዪ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና።—ቲቶ. 2:10
2 ዘይፍጹማት ሰባት: ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚስሕብ ኪገብርዎ ዚኽእሉ ግን ብኸመይ እዮም፧ እዚ ብመሪሕነት ቃል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱስን ጥራይ እዩ ኺግበር ዚከኣል። (መዝ. 119:105፣ 143:10) ቃል ኣምላኽ ‘ህያውን መስለጥን ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕን እዩ።’ (እብ. 4:12) ኣብ ውሽጥና ኣዕሚቑ ብምእታው ሓድሽ ሰብነት ክንለብስ የኽእለና። (ቈሎ. 3:9, 10) መንፈስ ቅዱስ ከም እኒ ለውሃት: ሕያውነት: ህድኣት: ይኣኽለኒ ምባል ዝኣመሰለ ባህ ዜብል ባህርያት ከም እንፈሪ ይገብረና። (ገላ. 5:22, 23) ብብሕትና ቓል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱስን ኣብ ህይወትና ኺዓዪ ነፍቅድ ዲና፧—ኤፌ. 4:30፣ 1 ተሰ. 2:13
3 ካልኦት ይዕዘቡና እዮም:- ምስ መዓቀኒታት የሆዋ ተሰማሚዕና ኽንነብርን ባህርያቱ ንምንጽብራቕ ክንጽዕርን ከለና ኻልኦት ይዕዘቡና እዮም። ንኣብነት: ሓደ ሓጺር ብምዃኑ መሳርሕቱ ዜላግጹሉ ዝነበሩ ሰብኣይ ንርአ። ሓንቲ ምስኦም ትሰርሕ ዝነበረት ሓብቲ ግን ተኽብሮ ነበረት። እዚ ኸኣ ስለምንታይ ካብቶም ካልኦት እተፈለየት ምዃና ንኽሓታ ደረኾ። ከምዚ ኽትገብር ዝኸኣለት መምርሒታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወታ ስለ ዘውዓለቶ ምዃና ገለጸትሉ። ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ተስፋታት መንግስቲ ኣምላኽ እውን ነገረቶ። እቲ ሰብኣይ መጽናዕቲ ኺገብር ጀመረ ኣብ መወዳእታ ድማ ተጠምቀ። ናብ ዓዱ ምስ ተመልሰ ድማ ኣዝማዱ በቲ ዘርኣዮ ጽቡቕ ጠባይ ስለ እተመሰጡ ሓያሎ ኻባታቶም ሓቂ ተቐበሉ።
4 ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይውን ምስ ኣዝማድና ዀነ ጐረባብትና ኣብ እንገብሮ ርክብ: ኣብ ርእሲ እቲ እንህቦ ምስክርነት በቲ እነርእዮ ሰናይ ጠባይና እውን ሰባት ንኣምላኽ ክብሪ ኺህቡ ኽንድርኾም ንኽእል ኢና።—ማቴ. 5:16