ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/05 ገጽ 7
  • ብዘይ ቃል ምምስካር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዘይ ቃል ምምስካር
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ንየሆዋ ዘኽብር ሰናይ ግብሪ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ጽቡቕ ጠባይ ብምርኣይ ምስክርነት ምሃብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • መንፈስ ኣምላኽ ንኺመርሓካ ትፈቅድዶ ኣለኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 8/05 ገጽ 7

ብዘይ ቃል ምምስካር

1 ፍጥረት የሆዋ: ብዛዕባ እቲ ዘይርኤ ባህርያት የሆዋ ብዘይ ቃል ብዙሕ እዩ ዚዛረብ። (መዝ. 19:1-3፣ ሮሜ 1:20) ብተመሳሳሊ: ሰናይ ጠባይና: ክርስትያናዊ ባህርያትና: ከምኡውን ሕንኪ ዘለዎ ኣከዳድናና ብዘይ ቃል ይምስክር እዩ። (1 ጴጥ. 2:12፣ 3:1-4) ነፍሲ ወከፍና በቲ እዱብ ጠባይና ‘ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኽንስልሞ’ ኣድላዪ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና።—ቲቶ. 2:10

2 ዘይፍጹማት ሰባት: ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚስሕብ ኪገብርዎ ዚኽእሉ ግን ብኸመይ እዮም፧ እዚ ብመሪሕነት ቃል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱስን ጥራይ እዩ ኺግበር ዚከኣል። (መዝ. 119:105፣ 143:10) ቃል ኣምላኽ ‘ህያውን መስለጥን ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕን እዩ።’ (እብ. 4:12) ኣብ ውሽጥና ኣዕሚቑ ብምእታው ሓድሽ ሰብነት ክንለብስ የኽእለና። (ቈሎ. 3:9, 10) መንፈስ ቅዱስ ከም እኒ ለውሃት: ሕያውነት: ህድኣት: ይኣኽለኒ ምባል ዝኣመሰለ ባህ ዜብል ባህርያት ከም እንፈሪ ይገብረና። (ገላ. 5:22, 23) ብብሕትና ቓል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱስን ኣብ ህይወትና ኺዓዪ ነፍቅድ ዲና፧—ኤፌ. 4:30፣ 1 ተሰ. 2:13

3 ካልኦት ይዕዘቡና እዮም:- ምስ መዓቀኒታት የሆዋ ተሰማሚዕና ኽንነብርን ባህርያቱ ንምንጽብራቕ ክንጽዕርን ከለና ኻልኦት ይዕዘቡና እዮም። ንኣብነት: ሓደ ሓጺር ብምዃኑ መሳርሕቱ ዜላግጹሉ ዝነበሩ ሰብኣይ ንርአ። ሓንቲ ምስኦም ትሰርሕ ዝነበረት ሓብቲ ግን ተኽብሮ ነበረት። እዚ ኸኣ ስለምንታይ ካብቶም ካልኦት እተፈለየት ምዃና ንኽሓታ ደረኾ። ከምዚ ኽትገብር ዝኸኣለት መምርሒታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወታ ስለ ዘውዓለቶ ምዃና ገለጸትሉ። ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ተስፋታት መንግስቲ ኣምላኽ እውን ነገረቶ። እቲ ሰብኣይ መጽናዕቲ ኺገብር ጀመረ ኣብ መወዳእታ ድማ ተጠምቀ። ናብ ዓዱ ምስ ተመልሰ ድማ ኣዝማዱ በቲ ዘርኣዮ ጽቡቕ ጠባይ ስለ እተመሰጡ ሓያሎ ኻባታቶም ሓቂ ተቐበሉ።

4 ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይውን ምስ ኣዝማድና ዀነ ጐረባብትና ኣብ እንገብሮ ርክብ: ኣብ ርእሲ እቲ እንህቦ ምስክርነት በቲ እነርእዮ ሰናይ ጠባይና እውን ሰባት ንኣምላኽ ክብሪ ኺህቡ ኽንድርኾም ንኽእል ኢና።—ማቴ. 5:16

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ