ኣብ ኣፍ ቤትን ብተሌፎንን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር
1, 2. ነቶም ብስራሕ ትሑዛት ዝዀኑ ሰባት ንምሕጋዝ: ናይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መደብና ብኸመይ ከነተዓራርዮ ንኽእል፧
1 ሎሚ ሰባት ብስራሕ ትሑዛት እኳ እንተዀኑ: ብዙሓት ግን ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ይግደሱ እዮም። ስለዚ: መንፈሳዊ ድሌቶም ንምዕጋብ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ (ማቴ. 5:3) ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣብ ኣፍ ቤት: ብተሌፎን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑ ኽኢሎም እዮም። በዚ ኸምዚ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ምኸኣልካዶ፧
2 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር: ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸብናሉ እዋን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ድሉዋት ክንከውን ኣሎና። ነዚ ኣበይን ብኸመይን ክንገብሮ ንኽእል፧
3. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕና ኽንጅምር ዘሎና ስለምንታይ እዩ: ከምዚ ኽንገብር እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧
3 ኣብ ኣፍ ቤት:- ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዘራረብ ፍቓደኛ ዝዀነ ሰብ ምስ እትረክብ: ብቐጥታ ነቲ ኣቐዲምካ ተዳሊኻሉ ዝጸናሕካ ሕጡብ ጽሑፍ: ከም ኣብ ብሮሹር ብቕዓት ትምህርቲ 1 ቝጽሪ 1 ዝኣመሰለ: ብምግንጻል ዘረባኻ ጀምር። ነቲ ሕጡብ ጽሑፍ ኣንቢብካ ነታ ሕቶ ተመያየጡላ: ካብቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ሓደ ወይ ክልተ ጥቕስታት እውን ተዘራረቡሉ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ሓሙሽተ ኽሳዕ ዓሰርተ ደቒቕ ብምውሳድ ኣብ ኣፍ ቤት ኴንካ ኺግበር ይከኣል እዩ። እቲ ሰብ ነቲ ምይይጥ ኪቕጽሎ እንተደኣ ደልዩ: ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ሕጡብ ጽሑፋት ካልኣይ ግዜ ተመሊስካ ኽትመያየጠሉ ቘጸራ ግበር።—መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ዚሕግዝ ተወሳኺ ቐጥታዊ ኣቀራርባ ኣብ ናይ ጥሪ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 6 ኺርከብ ይከኣል እዩ።
4. ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብር ከሎና: ኣብ ኣፍ ቤት ኴንና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጀምር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
4 ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር እውን ተመሳሳሊ ኣቀራርባ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ምስ ብሮሹር ብቕዓት ብምልላይ ንትምህርቲ 2 ኻብ ቍጽሪ 1-2 ዘሎ ሓሳባት ተጠቒምካ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ክትመያየጥ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕካ: ቝጽሪ 3-4 ተጠቒምካ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ እንታይ ከም ዚብል ክትዘራረበሉ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዚቕጽል ዝርርብኩም ንቝጽሪ 5-6 ክትመያየጡለን ትኽእሉ ኢኹም: ነቲ ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ ተጠቒምካ እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ ንኽትፈልጥ ብኸመይ ከም ዚሕግዝ ኣጕልሓሉ። እዚ ዅሉ ኣብ ኣፍ ቤቶም ደው ኢልካ ኸለኻ ኽትገብሮ ትኽእል ኢኻ።
5, 6. (ሀ) ገለ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብተሌፎን ኪምርሓሎም ዚደልዩ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ንሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብተሌፎን ኪገብሩ ኽንሓቶም ከሎና: ከመይ ዝበለ ኣቀራርባ ኽንጥቀም ንኽእል፧
5 ብተሌፎን:- ገለ ሰባት ኣብ ክንዲ ብኣካል ብተሌፎን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሎም ይመርጹ እዮም። እዚ ዚስዕብ ተመክሮ ርአ:- ሓንቲ ሓብቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እናሰበኸት ከላ: ሓንቲ ብስራሕ ትሕዝቲ ዝዀነት ኣደ ረኸበት። እታ ሓብቲ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ገዛኣ ኽትረኽባ ስለ ዘይከኣለት ተሌፎን ክትድውለላ ወሰነት። እታ ሰበይቲ: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመያየጥ ግዜ ኸም ዘይብላ ነታ ሓብቲ ገለጸትላ። እታ ሓብቲ ድማ “ብተሌፎን እውን ከይተረፈ: ኣብ ውሽጢ 10 ወይ 15 ደቒቕ ሓድሽ ነገር ክትመሃሪ ትኽእሊ ኢኺ” በለታ። እታ ሰበይቲ: “ብተሌፎን ዚከኣል እንተዀይኑ ደኣ ሕራይ!” በለት። ነዊሕ ከይጸንሓ ብተሌፎን ስርዓታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመራ።
6 ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሎም ወይ እትፈልጦም ሰባት ብተሌፎን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ይደልዩዶ ይዀኑ፧ ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣቀራርባ ኽትፍትኖ ወይ ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ:- “እንተደኣ ደሊኻ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብተሌፎን ክንዘራረብ ንኽእል ኢና። ከምኡዶ ምሓሸካ፧” ነቲ ናይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መደብና ምስ ናይ ካልኦት ኵነታት ብምስምማዕ: ሰባት ‘ንምፍላጥ ኣምላኽ ኪረኽብዎ’ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።—ምሳ. 2:5፣ 1 ቈረ. 9:23