ምስክርነት ተሌፎን ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል
1 ኣብ ኣገልግሎትና ንምስክርነት ተሌፎን ክንሓስበሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ፡ ንሰባት ናብ ድሕነት ዚመርሕ ቅኑዕ ፍልጠት ንኺረኽቡ ኽንሕግዘሉ እንኽእል መገዲ እዩ። (2 ጴጥ. 3:9) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንእውጀሉ እንኽእል ቀንዲ መገዲ ኻብ ቤት ናብ ቤት እኳ እንተ ዀነ፡ ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይርከቡ ምእንቲ ኽንረኽቦም ካልእ መገድታት እውን ንጥቀም ኢና።—ማቴ. 24:14፣ ሉቃ. 10:1-7፣ ራእ. 14:6።
2 ብኸመይ ይውደብ፦ ከምቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት ወፍሪ መሰናድዎ ዚግበረሉ፡ ንምስክርነት ተሌፎን ዚኸውን ክሊ እውን ንኣስፋሕቲ ይወሃብ እዩ። ሓደ ኣስፋሒ በይኑ ወይ ካብ ክልተ ወይ ሰለስተ ዘይበዝሑ ኣስፋሕቲ ብሓባር ኰይኖም ምስክርነት ተሌፎን ኪህቡ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ዚኸውን ቦታ፡ ነቲ ዕዮ ዚምሽእ ኪኸውን ኣለዎ። ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣብ ጥቓ ሰደቓ ኾፍ ኢሎም፡ ኣብ ቅድሚኦም ካብ ቤት ናብ ቤት ኪሰብኩ ኸለዉ ዚጥቀሙሉ ጽሑፋት ምሓዝ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም።
3 ብተሌፎን ምስክርነት ዚወሃበሉ መገዲ፦ ብተሌፎን ምስክርነት ክንህብ ከለና፡ ንዘራረብ ከም ዘለና ዄንና ኽንቀርብ ኣሎና። ነዚ ዓይነት ምስክርነት እዚ ጀመርቲ ዝዀኑ ኣስፋሕቲ፡ ብቐጥታ ኼንብቡ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ እቲ ዜንብብዎ ግን ይዘራረቡ ኸም ዘለዉ ዀይኑ ኪቐርብ ይግባእ። ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ዘርእስታ ጽሕፍቲ ዀነ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዚርከብ መእተዊታት፡ ከምኡውን ኣብታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ዘሎ ሓበሬታ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ርእስኻ መእተዊ ኸተዳሉ ኸለኻ፡ ፍረ ነገር እቲ መልእኽትኻ ወስን፡ ሕቶ ኣዳሉ፡ መልሲ ዚኸውን ሒደት ጥቕስታት ንምክፋል ድማ ድሉው ኩን። ብሓፈሻኡ፡ እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚብርከት ጽሑፋት ኢኻ እተበርክት። ነዚ ዚስዕብ መዘኻኸሪታት ድማ ዕየየሉ፦ ነብስኻ ኣይትእሰሮ፡ ህድእ ኢልካ እውን ተዛረብ። ብተሌፎን እውን እንተ ዀነ፡ እዱብን ዓቃልን ምቕሉልን ኩን። እቲ ብዓል ቤት ዚህበካ ሓሳባት ስምዓዮ፣ ድሕሪኡ፡ ሓሳባቱ ኸም ዝሰማዕካዮ ኣረጋግጸሉ፡ ኣመስግኖ ኸኣ። ወፈያ ኺግበር ከም ዚከኣል እንተ ጠቒስካ፡ ገንዘብ ንምርካብ ብተሌፎን እትልምን ዘለኻ ስለ ዚመስሎም፡ ከምኡ ኣይትግበር።
4 እቲ ብተሌፎን እተዘራርቦ ሰብ ዓዲ ውዒል ወይ ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ምስክርነት ብቐሊሉ ዘይርከብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኦም ከኣ ኣብ እተሓጽረ ቦታታት ወይ ብቐሊሉ ኺእቶ ኣብ ዘይከኣል ህንጻታት ይነብሩ እዮም። ስለዚ፡ ኣገልግሎትና ብእተማልአ መገዲ ንምፍጻም፡ ነቲ ውጽኢታዊ ኪኸውን ዚኽእል ምስክርነት ተሌፎን ንሕሰበሉ።
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
1. ምስክርነት ተሌፎን ኣገዳሲ ኽፋል ኣገልግሎትና ጌርና ኽንርእዮ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
2. ምስክርነት ተሌፎን ብኸመይ እዩ ዚውደብ፧
3. ብተሌፎን ክንምስክር ከለና፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧
4. ምስክርነት ተሌፎን ንኽልና እንታይ ክንገብር የኽእለና፧