ኣገልግሎትና—ድንጋጽ ዜንጸባርቕ ዕዮ
1 የሱስ እቶም ንመልእኽቱ ዚሰምዑ ዝነበሩ ሰባት: “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ምንባሮም ተዓዘበ። (ማቴ. 9:36) ብለውሃትን ፍቕርን መገድታት የሆዋ መሃሮም: ኣጸናንዖም: ከምኡውን ብመንፈስ ዜድልዮም ነገራት ብድንጋጽ ኣማልኣሎም። ንተግባራት የሱስ ምስ እነስተንትነሉ: ከምቲ ንሱ ዚሓስቦን ዚስምዖን ዝነበረ ይስምዓና: እዚ ናይ ድንጋጽ ባህሪ እዚ ድማ ኣብ ኣገልግሎትና ይንጸባረቕ።
2 ሰባት ናይ ሓቂ ሓገዝ ደልዮም ንየሱስ ኪቐርብዎ ኸለዉ: ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ኣስተብህል። (ሉቃ. 5:12, 13፣ 8:43-48) ነቶም ፍሉይ ሓገዝ ዜድልዮም ይሓልየሎም ነበረ። (ማር. 7:31-35) ንስምዒት ካልኦት ይርዳእን ይግደሰሎምን ነበረ። ክንየው ደጋዊ ትርኢቶም ድማ ይርኢ ነበረ። (ሉቃ. 7:36-40) ብርግጽ: የሱስ ንድንጋጽ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኣንጸባሪቕዎ እዩ።
3 “ደንገጸሎም”:- የሱስ ግዴታ ተሰሚዕዎ ጥራይ ዘይኰነስ: ንሰባት ‘ይድንግጸሎም’ ብምንባሩ እውን እዩ ኣገልግሎቱ ዚፍጽም ነይሩ። (ማር. 6:34) ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ንሰባት መልእኽቲ ጥራይ ኣይኰንናን እነብጽሓሎም: ኣብ ክንዳኡስ ህይወቶም ከነድሕን ኢና እንጽዕር። እቶም እተዘራርቦም ሰባት ካብ ምንታይ ተበጊሶም ይምልሱልካ ኸም ዘለዉ ኽትርዳእ ጽዓር። ተጨኒቖም ወይ ተሻቒሎም ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧ ብጓሶት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እተነጽጉ ወይ እተታለሉ ድዮም፧ ኣብ ሰባት እነርእዮ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ነቲ ብስራት ንኺሰምዑ ኼለዓዕሎም ይኽእል እዩ።—2 ቈረ. 6:4, 6
4 ድንጋጽ: ልቢ ይትንክፍ እዩ። ንመረዳእታ:- ሓንቲ ሰበይቲ ሰለስተ ወርሒ ዝዕድሜኣ ጓላ ሞተታ። ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤታ ምስ መጻ: ብዛዕባቲ ኣምላኽ ስቓይ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ዜምጽእኦ መርትዖ ንኸተፍርስ ኢላ ኺኣትዋ ዓደመተን። ደሓር ግን እታ ሰበይቲ ኸምዚ በለት:- “ብድንጋጽ ነቲ ዘረባይ ሰምዓኒ: ኪኸዳ ኸለዋ ኸኣ ካብቲ ዝነበርክዎ ኣጸቢቑ ፍዅስ ስለ ዝበለኒ ኻልእ መዓልቲ መጺአን ክበጽሓኒ ተሰማማዕኩ።” ንዅሎም ኣብ ኣገልግሎት እትረኽቦም ሰባት ድንጋጽ ከተርእዮም ትጽዕርዶ፧
5 ድንጋጽ ምስ እነማዕብል: ንኻልኦት ከነጸናንዖም ኪሕግዘና እዩ። ከምዚ ብምግባር: ነቲ “ኣቦ ምሕረት” ዝዀነ የሆዋ ነኽብሮ።—2 ቈረ. 1:3