ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/06 ገጽ 1
  • ኣርዚንካ ኺሕሰበሉ ዘለዎ ቪድዮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣርዚንካ ኺሕሰበሉ ዘለዎ ቪድዮ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ውዕዉዕ ምላሽ!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ—ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከጥሪ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ኣዕሩኽካ ተጠንቂቕካ ምረጽ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • “እዚ ብሓቂ ሓድሽ ኣቀራርባ እዩ!”
    ንቕሑ!—2016
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 9/06 ገጽ 1

ኣርዚንካ ኺሕሰበሉ ዘለዎ ቪድዮ

“እዛ ቪድዮ እዚኣ ኸም እትሓስብ እያ እትገብረካ!”

“ውሽጠይ እያ ተንኪፋትኒ!”

“ልበይ ተለዓዓለ!”

1 ነታ ያንግ ፒፕል ኣስክ—ሃው ካን ኣይ ሜክ ሪል ፍሬንድስ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ንፈለማ ግዜኻ ምስ ርኣኻያ: ከምዚዶ ተሰሚዑካ፧ ገለ ዓመታት ይገብር ሓደ መንእሰይ ሓው ብሰንኪ እቶም ዚመረጾም ኣዕሩኽ ኣብ ህይወቱ ኸቢድ ጸገማት ኣሕለፈ። ኣብ ሓቂ ዝነበሮ ተገዳስነትን ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብን ከም ዜጥፍእ ገበርዎ። ድሕሪኡ እዛ ቪድዮ እዚኣ ወጸት። ንሱ: “ነታ ቪድዮ ደጋጊመ ኽርእያ ኸለኹ: ንብዓት ይስዕረኒ ነበረ። ንየሆዋ ስለቲ ኣብ ግዜኡ ዝገበረለይ ሓገዝ ኣመስጊነዮ እየ” በለ። እዛ ቪድዮ እዚኣ ኣብ ህይወቱ ዓበይቲ ለውጥታት ኪገብርን ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ኬጥርን ኣለዓዒላቶ እያ። ወሲኹ እውን “ንስኻትኩም ማዕረ ማዕረ እቲ ንመንእሰያት ዚጸልዎም ዘሎ ጸገማት ከም እትስጕሙ ፍሉጥ እዩ” በለ። ወለድን መንእሰያትን ነዛ ቪድዮ እዚኣ ኣብ ዚቕጽል ግዜ ኣብ ዚህልወኩም ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ንምንታይ ደጊምኩም ዘይትርእይዋ፧ ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ እታ ቪድዮ: ደው እናበልኩም: ነዚ ኣብ ዚቕጽል ሕጡብ ጽሑፋት ዘሎ ሕቶታት ብግልጽን ብቕንዕናን ሓቢርኩም ተመያየጥሉ።

2 መእተዊ:- ናይ ሓቂ ዓርኪ ዚበሃል ከመይ ዝበለ እዩ፧—ምሳ. 18:24

3 ኣብ ዕርክነት ዜጋጥም መሰናኽላት:- እተጠለኻ ዀይኑ ምስ ዚስምዓካ ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧ (ፊል. 2:4) ባህርያትካ ንኸተመሓይሽ ፍቓደኛ ኽትከውን ዘሎካ ስለምንታይ እዩ፧ ነዚ ንምግባርከ መን ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ዝያዳ ኣዕሩኽ ንምጥራይ ኣጋጣሚታት ኪኸፍተልካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ኣበይከ ኽትረኽቦም ትኽእል፧—2 ቈረ. 6:13

4 ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ምግባር:- ምስ የሆዋ ርክብ ከተማዕብል እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ጻዕሪ ኽትገብረሉ ዚግባእ ዚኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧ (መዝ. 34:8) ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ዕርክነት ብዝበለጸ ኼደልድሎ ዚኽእል መን እዩ፧

5 ሕማቕ ዕርክነት:- ሕማቓት ኣዕሩኽ ኪዀኑኻ ዚኽእሉ መነመን እዮም፧ (1 ቈረ. 15:33) ሕማቓት ኣዕሩኽ ናብ መንፈሳዊ ውድቀት ኪመርሑኻ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ እቲ ብዛዕባ ዲና ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ እንታይ ይምህረካ፧—ዘፍ. 34:1, 2, 7, 19

6 ዘመናዊ ድራማ:- ንታራ ጽምዋ ብኸመይ እዩ ጽልዋ ገይሩላ፧ ነቲ ምስ ዓለማውያን መንእሰያት ዝገበረቶ ምሕዝነት ዘመኻነየትሉ ብኸመይ እያ፧ ናብ ከመይ ዝበለ ሓደጋ እዮም ዘቃልዕዋ፧ ወለዳ ኣብ ሓደጋ ኸም ዘላ ኼስተውዕሉ ዘይከኣሉ ስለምንታይ እዮም፧ እንተዀነ ግን: እንታይ ዓይነት ባህርይ ብምርኣይ እዮም ብመንፈስ ንኽትጥዒ ዝሓገዝዋ፧ ሓንቲ ፈላሚት ንታራ ናይ ሓቂ መሓዛ ዝዀነታ ብኸመይ እያ፧ ክርስትያናት ነቲ ኣብ ምሳሌ 13:20 ኸምኡውን ኤርምያስ 17:9 ዘሎ ምኽሪ ኺስዕቡ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ ታራ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ እያ እተማህረት፧

7 መደምደምታ:- ካብዛ ቪድዮ እዚኣ እንታይ ትምህርቲ ወሲድካ፧ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብኸመይ ክትጥቀመላ ትኽእል፧—መዝ. 71:17

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ