ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/02 ገጽ 1
  • ውዕዉዕ ምላሽ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውዕዉዕ ምላሽ!
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣርዚንካ ኺሕሰበሉ ዘለዎ ቪድዮ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ—ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ከጥሪ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣዕሩኽካ ተጠንቂቕካ ምረጽ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 4/02 ገጽ 1

ውዕዉዕ ምላሽ!

1 ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ዝርከባ ክርስትያን ስድራ​ቤታት ነታ ያንግ ፒፕል ኣስክ​—⁠ሃው ካን ኣይ ሜክ ሪል ፍሬንድስ፧ ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ዘለወን ዓብዪ ሞሳ ገሊጸን ኢየን። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብር ኣቦ: ደቁ ነታ ቪድዮ ምስ ረኣይዋ ንዅሉ ኣብታ ቪድዮ ዝረኣይዎ ኸም እተረድኦም ገለጸ! ካብ ማላዊ ዝመጸ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ መንእሰያት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ቤት⁠-​ትምህርቲ ተመሳሳሊ ናይ መዛኑ ጸቕጥታት ስለ ዘጋጥሞም እቲ ዝረኣይዎ ተረዲእዎም ኢዩ። ኣብ ጀርመን ዝነብር ኣቦ ብዛዕባ እዛ ቪድዮ “ንጸሎተይ መልሲ ኸም ዝዀነት ገይረ ኢየ ዝቘጽራ” ኢሉ ተዛረበ። ሓንቲ ጐርዞ “የሆዋ ኸም ዝሓልየለይ ስለ ዘዘኻኸርኩምኒ አመስግነኩም” በለት። ኣብ ኒው ዚላንድ ዝነብር ሓደ ሽማግለ “ንሓንቲ ኻብ መንእሰያትና ናብ መገዲ ህይወት ንኽትምለስ ሓጊዛታ ኢያ” በለ። ሓንቲ በዓልቲ ሓዳር ከኣ ምስ ረኣየታ: “ኣብ ሓቂ ዝመላለስ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ነዛ ቪድዮ ኽርእያን ንሓቂ ናቱ ኽገብራን ተመነኹ” በለት። ስድራ​ቤታት: ንምንታይ እንደገና ዘይትርእይዋ፧ ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት እዚ ተመያየጡሉ።

2 መእተዊ:- ናይ ሓቂ ዓርኪ ዝበሃል ከመይ ኢዩ፧​—⁠ምሳ. 18:⁠24

3 ኣብ ዕርክነት ዘጋጥም መሰናኽላት:- እተጠለኻ ኰይኑ ምስ ዝስምዓካ ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧ (ፊል. 2:⁠4) ባህርያትካ ንኸተመሓይሽ ፍቓደኛ ኽትከውን ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ: ነዚ ንምግባርከ መን ክሕግዘካ ይኽእል፧ ዝያዳ ኣዕሩኽ ንምጥራይ ኣጋጣሚታት ክኸፍተልካ ዝኽእል እንታይ ኢዩ: ኣበይከ ኽትረኽቦም ትኽእል፧​—⁠2 ቈረ. 6:⁠13

4 ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ምግባር:- ምስ የሆዋ ርክብ ከተማዕብል እትኽእል ብኸመይ ኢኻ: ጻዕሪ ኽትገብረሉ ዝግባእ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧ (መዝ. 34:⁠8) ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ዕርክነት ብዝበለጸ ኸደልድሎ ዝኽእል መን ኢዩ፧

5 ሕማቕ ዕርክነት:- ሕማቓት ኣዕሩኽ ክዀኑኻ ዝኽእሉ መነመን ኢዮም፧ (1 ቈረ. 15:⁠33) ሕማቓት ኣዕሩኽ ናብ መንፈሳዊ ውድቀት ክመርሑኻ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ብዛዕባ ዲና ዝገልጽ ጸብጻብ እንታይ ይምህረካ፧​—⁠ዘፍ. 34:⁠1, 2, 7, 19

6 ዘመናዊ ድራማ:- ንታራ ጽምዋ ብኸመይ ኢዩ ጽልዋ ገይሩላ፧ ነቲ ምስ ዓለማውያን መንእሰያት ዝገበረቶ ምሕዝነት ዘመኻነየትሉ ብኸመይ ኢያ፧ ናብ ከመይ ዝበለ ሓደጋ ኢዮም ዘቃልዕዋ፧ ወለዳ ኣብ ሓደጋ ኸም ዘላ ኸስተውዕሉ ዘይከኣሉ ስለምንታይ ኢዮም: እንተዀነ ግን እንታይ ዓይነት ባህሪ ብምርኣይ ኢዮም ብመንፈስ ንኽትጥዒ ዝሓገዝዋ፧ ሓንቲ ፓይነር ንታራ ናይ ሓቂ መሓዛ ዝዀነታ ብኸመይ ኢያ፧ ክርስትያናት ነቲ ኣብ ምሳሌ 13:⁠20 ከምኡውን ኤርምያስ 17:⁠9 ዘሎ ምኽሪ ክስዕቡ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧ ታራ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢያ እተማህረት፧

7 መደምደምታ:- ካብዛ ቪድዮ እዚኣ እንታይ ትምህርቲ ወሲድካ፧ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብኸመይ ክትጥቀመላ ትኽእል፧​—⁠መዝ. 71:⁠17

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ