ንዅሎም እቶም እተወሰነ ተገዳስነት ዜርእዩ ተመሊስካ ብጽሓዮም
1 ብዙሓት ካብቶም ሎሚ ኣብ ሓቂ ዘሎና: ካልኦት ነቲ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘርኣናዮ ኣወንታዊ ምላሽ ኣስተውዒሎም ተገዳስነትና ንምዅስኳስ ብትዕግስቲ ምናልባት እውን ንብዙሕ እዋናት ተመላሊሶም ስለ ዚበጽሑና እዩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ: ንዅሎም እቶም እተወሰነ ተገዳስነት ዜርእዩ ሰባት ከይረሳዕና ኽንበጽሖም ኣሎና። ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር ኣብቲ ‘ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር’ መዝነትና እቱው እዩ።—ማቴ. 28:19, 20
2 ንተገዳስነቶም ኣስተብህለሉ:- ሓደ ሰብ ዋላኳ ጽሑፋት እንተ ዘይተቐበለና: እቲ ኣብ ገጹ ዚርአ መግለጺታት: ቃና ድምጹ: ወይ ዚጥቀመሉ ቓላት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘለዎ እተወሰነ ተገዳስነት ኬንጸባርቕ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ተመርኲስና ተመላሊስካ ምብጻሕ ክንገብረሉ ንኽእል ኢና። ሓደ ሓው: ንሓደ ሰብ ጽሑፋት ከይሃበ ንሓሙሽተ ተኸታተልቲ ሰሙናት ተመላሊስካ ምብጻሕ ገበረሉ። ኣብ ሻድሻይ ምብጻሑ: እቲ ሰብ ጽሑፋት ተቐበለ: ኣብ መወዳእታ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ።
3 ሓደ ሰብ ተገዳስነት ከም ዘለዎ እንተ ደኣ ፈሊጥካ: ብቐሊሉ ኽትረኽቦ እትኽእል ጽቡቕ መዘኻኸሪ ብምሓዝ: ድሕሪ ሒደት መዓልትታት እውን ኪኸውን ይኽእል: ቀልጢፍካ ተመሊስካ ብጽሓዮ። ነቲ ኣብ ልቢ እቲ ሰብ እተዘርአ ዘርኢ: “እቲ ኽፉእ” ኪምንጥሎ ዕድል ኣይትሃቦ። (ማቴ. 13:19) ድሕሪ እተወሰነ እዋን ንኽትምለሶ እንተ ደኣ ቘጺርካዮ: ቈጸራኻ ኣኽብር።—ማቴ. 5:37
4 ኣብ ምስክርነት መገዲ:- ኣብ ምስክርነት መገዲ ወይ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንዝረኻብካዮ ተገዳስነት ክትከታተል ትጽዕር ዲኻ፧ ኣብ መወዳእታ ምይይጥኩም: “እዚ ዕላልና ደስ ዜብል እዩ ነይሩ። ካልእ መዓልቲ ተራኺብና ምእንቲ ኸነዕልል: ኣበይ ክረኽበካ እኽእል፧” ክትብሎ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንተ ደኣ ዀይኑ: ገሊኦም ኣስፋሕቲ ነቲ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ቍጽሪ ተሌፎኖም ይህብዎ ወይ ናይ ክልቲኦም ቍጽሪ ተሌፎን ይለዋወጡ። ሰባት ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ወትሩ ኣብ ምስክርነት መገዲ ተጸሚድካ ምስ ዚርእዩኻ: ቍጽሪ ተሌፎኖም ወይ ኣድራሻኦም ንኺህቡኻ ኣይወላወሉን ይዀኑ። ኣድራሻኦም ኪህቡኻ ፍቓደኛታት ምስ ዘይኰኑ: ኣብ መገዲ ኣብ እትረኽቦም እዋን ተገዳስነቶም ንምዅስኳስ ክትጽዕር ትኽእል ኢኻ።
5 ማይ ዘስተናዮን ዝዀስኰስናዮን ኣታኽልቲ ጨብጪቡ ኽንርኢ ኸለና ንሕጐስ ኢና። ብተመሳሳሊ: ንሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባርን ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዓብዩ ብምሕጋዝን እውን ብዙሕ ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና። (1 ቈረ. 3:6) ንዅሎም እቶም እተወሰነ ተገዳስነት ዜርእዩ ሰባት ተመሊስካ ኽትበጽሖም ሸቶኻ ግበሮ።