ኵላትና ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ግደ ኺህልወና ይኽእል
1 ሓደ ሰብ ወደ መዝሙር ኪኸውን ዚኽእል ብጻዕሪ ሓደ ሰብ ጥራይ ኣይኰነን። የሆዋ: ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ኪዓብዩ ንምሕጋዝ ንዅሎም ‘መዓይይቱ’ ኺጥቀም ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 3:6-9) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ካብ ልቢ ዝነቐለ ሓሳባት ክንህብ ከለና ጥራይ ዘይኰነስ: በቲ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ይዓዪ ኸም ዘሎ ጕሉሕ መርትዖ ዚህብ ጽቡቕ ጠባይና ኣቢልና እውን ንሓደስቲ ብውልቅና ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 13:35፣ ገላ. 5:22, 23፣ ኤፌ. 4:22, 23) ንሓደስቲ ሰባት ንምሕጋዝ እንታይ ካልእ ኪግበር ይከኣል፧
2 ኣብ ጉባኤ:- ነቶም ኣብ ኣኼባታት ኪካፈሉ ዝጀመሩ ሓደስቲ ሰባት ምዉቕ ሰላምታ ብምሃብን ቅድሚ እቲ ኣኼባን ድሕሪኡን ምስኦም ብምዕላልን ከም እንግደሰሎም ከነርእዮም ንኽእል ኢና። ሓደ ሰብኣይ ብዛዕባ እቲ ንፈለማ ግዜኡ ናብ ጉባኤ ዝመጸሉ ግዜ ኺዝክር ከሎ: “ኣብቲ ዝዓበኹሉ ቤተ-ክርስትያን ርእየዮ ዘይፈልጥ: ብሓቂ ፈቃራት ዝዀኑ ዘይፈልጦም ሰባት ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ረኸብኩ። ሓቂ ኸም ዝረኸብኩ ግሁድ እዩ ነይሩ” በለ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኻብታ ጉባኤ ንመጀመርታ ግዜኡ እተኻፈለላ መዓልቲ ድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ ተጠምቀ።
3 ንሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብር ከሎ ኻብ ልቢ ንኣዶ። ምጽራር ድዩ ዜሕልፍ ዘሎ፧ ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲሩ ይካፈልዶ ኣሎ፧ ሓሳባት ኪህብ ጀሚሩዶ፧ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተመዝጊቡዶ፧ ኣብ ኣገልግሎትከ ኺካፈል ጀሚሩዶ፧ ስለቲ ዝገበሮ ዕቤት ንኣዶ። እዚ መንፈሱ ኼሐድሶን ኬተባብዖን እዩ።—ምሳ. 25:11
4 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እንመርሓሉ እዋን:- ገለ ኣስፋሕቲ ኣብ ግዜ መጽናዕቲ ኻልኦት ኣስፋሕቲ ኸም ዜሰንይዎም ብምግባር ንተመሃሮኦም ምስ ኣባላት እታ ጉባኤ ኸም ዚላለዩ ገይሮም እዮም። ነቲ ተመሃራይ ብእተኻእለ መጠን ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ናብ ኣኼባታት ጉባኤ ኺመጽእ ዓድሞ። ኣብ ኣኼባታት ኪካፈል ምስ ጀመረ: ምስ ካልኦት ኣላልዮ። ከም ሽጋራ ምትኻኽ ዝኣመሰለ ሕማቕ ልማድ ንምግዳፍ ይቃለስ ድዩ ዘሎ፧ ካብ ስድራቤቱ ነቲ ዚገብሮ ዘሎ መጽናዕቲ ዚቃወሞ ኣለዎዶ፧ ምስ ሓደ ኸምቲ ናቱ ዚመሳሰል ሽግር ዝነበሮ እሞ: ብዓወት እተዋጽኣሉ ኣስፋሒ ምዝርራብ ኪጠቕሞ ይኽእል ይኸውን።—1 ጴጥ. 5:9
5 ሓደስቲ ሰባት ካብታ ጉባኤ መንፈሳዊ ደገፍ የድልዮም እዩ። ኵላትና ናይ ሓቂ ብሕታዊ ተገዳስነት ብምርኣይ ዕቤት ንኺገብሩ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።