መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
9 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 7 (51)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። እታ ጉባኤ ንተገደስቲ ሰባት ናብቲ “ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ክትቀስኑ ትኽእሉ ኢኹም!” ዘርእስቱ ኣብ ሰንበት ዚግበር ፍሉይ መደረ ኽትዕድም ኣዘኻኽራ። ኵሎም ነቲ ኣብ ዚመጽእ ሰሙን ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ዚግበር ምይይጥ ንምድላው ነታ ያንግ ፒፕል ኣስክ—ዋት ዊል ኣይ ዱ ዊዝ ማይ ላይፍ (መንእሰያት ዝሓትዎ—ንህይወተይ ኣብ ምንታይ መዓላ እየ ዘውዕላ፧) ዘርእስታ ዲቪዲ ኺርእይዋ ኣተባብዓዮም። ካብታ “ዝርዝር ቀንዲ ትሕዝቶ” (Main Menu) እትብል ሳጹን: ነታ ዲቪዲ ብኸመይ ከም ዚጥቀሙላ ግለጽ። ነቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 1 መጋቢት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ መጋቢት ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያ እዚ: እቲ ኣስፋሒ ኣብ ዚቕጽል ምብጻሑ ዚምልሳ ሕቶ ኸም ዜልዕል ግበር።
15 ደቒቕ:- “ኵላትና ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ግደ ኺህልወና ይኽእል።” ንሕጡብ ጽሑፍ 4 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ቅድሚ ምጥማቖም ኣባላት እታ ጉባኤ ብኸመይ ከም ዜተባብዕዎም ኪገልጹ ንሰማዕቲ ዓድሞም። ሓደ ወይ ክልተ ሓሳባት ዚህቡ ኣስፋሕቲ ኣቐዲምካ ኸተዳሉ ትኽእል ኢኻ።
20 ደቒቕ:- ሓደ ሽማግለ ኣብታ “ብገንዘብ ዓመጻ ኣዕሩኽ ግበሩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ: ካብ ሕጡብ ጽሑፍ 1-14 ተመርኲሱ ዜቕርቦ መደረ። ቀዳማይ ዜና መዋእል 29:14, 17 ኣንብብ። ነቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 10 ዚርከብ እታ መበለት ዝገበረቶ ውጽኢት ሓሳብ ሃበሉ። እቲ ዝተረፈ ኽፋል እታ ዓንቀጽ ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ከም ዚቐርብ ጥቐስ።
መዝሙር 4 (43)ን መዕጸዊ ጸሎትን
16 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 6 (45)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። ጸብጻብ ሕሳብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ኻብ ማሕበር ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ።
15 ደቒቐ:- “ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንገር።” ግዜ ኸም ዜፍቅዶ: ሰማዕቲ ኣብቲ እተጠቕሰ ጥቕስታት ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም።
20 ደቒቕ:- “ንህይወትካ ኣብ ምንታይ መዓላ ኢኻ እተውዕላ”—1ይ ክፋል። ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 1-2 ሕጽር ዝበለ ሓሳባት ድሕሪ ምሃብካ: ብቐጥታ ነቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 3-4 ዚርከብ ነፍሲ ወከፍ ሕቶታት ተመያየጠሉ። ነታ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 3 ዘላ ራብዓይቲ ሕቶ ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ንኽልቲአን ጥቕስታት ኣንብበን። ኣብ መዛዘሚ ነታ “ዝርዝር ቀንዲ ትሕዝቶ” (Main Menu) እትብል ሳጹን ድገማ። ኵሎም ነቲ ኣብ ዚመጽእ ሰሙን ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ዚግበር ምይይጥ ንምድላው ነቲ “ቃለ-መጠይቓት” ከምኡውን “ተወሳኺ ትሕዝቶ” (“Supplementary Material”) ዚብል ክፋል ኪርእይዎ ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 12 (113)ን መዕጸዊ ጸሎትን
23 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 23 (200)
8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 15 መጋቢት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ሚያዝያ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።
17 ደቒቕ:- ሓደ ሽማግለ ኣብታ “ብገንዘብ ዓመጻ ኣዕሩኽ ግበሩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ: ካብ ሕጡብ ጽሑፍ 15-23 ተመርኲሱ የቕርቦ። ውጽኢታት ብዛዕባ ምግባር ግቡእ ኣረኣእያ ንኺህሉ ኣጕልሕ።
20 ደቒቕ:- “ንህይወትካ ኣብ ምንታይ መዓላ ኢኻ እተውዕላ”—2ይ ክፋል። ነቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 5-7 ዚርከብ ነፍሲ ወከፍ ሕቶታት ተጠቒምካ ብቐጥታ ምይይጥ ግበር። በቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 8 ዘሎ ምዉቕ ጻውዒት ጌርካ ዛዝም።
መዝሙር 27 (221)ን መዕጸዊ ጸሎትን
30 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 22 (130)
12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ሚያዝያ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም። ካብታ “ካብዚ ዘለኻሉ ከባቢ ናይ ምግዓዝ መደብ ኣለካ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ (km 10/99 ገጽ 7) ቀንዲ ነጥብታት ኣቕርብ: ካብታ ኣብ km 5/99 ገጽ 2 እትርከብ ሕቶ ሳጹን ድማ ምስኡ ዚተሓሓዝ ነጥብታት ኣቕርብ።
13 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
20 ደቒቕ:- ብመንፈስ ኣጸቢቕካ ትምገብዶ ኢኻ፧ ሓደ ሽማግለ ኣብታ ናይ 15 ሚያዝያ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 28-31 ተመርኲሱ ዜቕርቦ መደረ ዀይኑ: ናይ ድግማ ሕቶታት ድማ ይህልዎ።
መዝሙር 11 (85)ን መዕጸዊ ጸሎትን
7 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 19 (164)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- ንቦታታት ኣምልኾ እተሰርዐ ስርዓት። ኣብ ምዕራፍ 11 እታ ኦርጋናይዝድ ቱ ዱ ጂሆቫስ ዊል ዘርእስታ መጽሓፍ ተመርኵስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን።
20 ደቒቕ:- “ሰባት ኣብ ቤቶም ምስ ዘይጸንሑና።” ብሓላው ኣገልግሎት ዚቐርብ።
መዝሙር 26 (212)ን መዕጸዊ ጸሎትን