መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሓምለ
“ሰባት እተፈልየ ዘርኢ ወይ ዜግነት ወይውን ካልእ ቋንቋ ስለ ዚዛረቡ ጥራይ ኪግፍዑ ኸለዉስ ይገርመካዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ኣብዚ ተዋሂቡ ዘሎ ምኽንያት ኣስተብህለሉ። [1 ዮሃንስ 4:20 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: ዓሌታዊ ስኒት ይከኣል ድዩ፧ ንዚብል ሕቶ ትምልስ።”
Awake! July
“ሰባት ከምቶም ብባህረት ዚንቀሳቐሱ እንስሳታት ዘይኰኑስ ኪነብሩሉ ዚኽእሉ መዐቀኒታት ናይ ምውጻእ ክእለት ኣለዎም። ዜተኣማምን መምርሒ ኻበይ ኪርከብ ዚከኣል ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ: ብድሕሪኡ መዝሙር 119:105 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መምርሒ ዘለዎ ብሉጽነት ትገልጽ።”
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሓም.
“ሞት እተፍቅሮ ሰብ ብዙሕ ኬሕዝነካ ይኽእል እዩ። ካብቶም እነፍቅሮም ሰባት ተፈልያ ምንባር እትቕጽል ነገር ዘላዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] የሱስ ነዚ ዜጸናንዕ መብጽዓ ሂቡ እዩ። [ዮሃንስ 5:28, 29 ኣንብብ።] የሱስ ትንሳኤ ዚህልወሉ ግዜ ‘ኽትመጽእ እያ’ ስለ ዝበለ: እዛ መጽሔት እዚኣ ምዉታት ሕጂ ኣበይ ከም ዘለዉ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ትገልጽ።”
Awake! Aug.
“ወለዲ ብሓቂ ኺሕግዞም ዚኽእል ምኽሪ ኻበይ ኪረኽቡ ዚኽእሉ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መብጽዓ እሞ ኣስተብህለሉ። [2 ጢሞቴዎስ 3:16 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ: መጽሓፍ ቅዱስ ሕጉሳት ውሉዳት ኣብ ምዕባይ ዚሕግዝ ግብራዊ ሓሳብ ኪህብ ከም ዚኽእል ተርኢ።”