መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር እተመደበት ፍልይቲ መዓልቲ
1 ካብ ጥሪ ኣትሒዙ፡ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ኣብ ወርሒ ሓደ ቐዳም ወይ ሰንበት፡ ምናልባት ኣብታ ቐዳመይቲ ሰሙን፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ከተተኵር እያ። እዚ ኸከም ከባቢኡ፡ ቀዳም ወይ ሰንበት ኪኸውን እዩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ዋላ እውን እቲ ብዓል ቤት ነቲ ዝቐረበሉ ኣጋጣሚ ምቕባል እንተ ኣበየ፡ ኣስፋሕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ወይ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ መጽሔት ኬበርክቱሉ ይኽእሉ እዮም። ኵሎም ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኣብዚ ንጥፈታት እዚ ምሉእ ተሳትፎ ኺህልዎም ኣለዎ፡ ንኣስፋሕቲ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጀምሩ ኺሕግዝዎም ኣለዎም።
2 ኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ ኣብ ኣየነይቲ መዓልቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ከም ዜተኵሩ ኺውስኑ እዮም። ኣስፋሕቲ ምእንቲ ኺዳለዉ፡ ከምኡውን ካብ ቤት ናብ ቤት ኬገልግሉ ኸለዉ ዀነ ነቶም ኣቐዲሞም ተገዳስነት ዘርኣዩ ኺበጽሕዎም ከለዉ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ምእንቲ ኺገብሩ፡ በብእዋኑ መዘኻኸሪ ኺንገሮም ኣለዎ።
3 ብኸመይ ከም እትዳሎ፦ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ዚሕግዝ ሓሳባት ኣብ ናይ ጥሪ 2006 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው፡ ከምኡውን ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን እትበሃል ጽሕፍቲ ኣብ ገጽ 4ን 5ን ክንረክብ ንኽእል ኢና። ገሊኣቶም ከምታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ዝኣመሰለ ትራክት ኪጥቀሙ ይደልዩ ይዀኑ። ኣብ ናይ ነሓሰ 2007 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ 6 እትርከብ ዓንቀጽ እውን፡ ነቶም መጽሔታት እተቐበሉና ኽንበጽሖም ከለና ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እነጀምር ሓሳባት ሒዛ ኣላ። ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ካብ 10 ኽሳዕ 15 ደቒቕ ዚኸውን ሕጽር ዝበለ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺመርሑ እዮም፣ ኣብቲ ኣኼባ ኸኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ሓደ ወይ ክልተ ግብራዊ ሓሳባት ምይይጥ ኪግበረሉ ወይ ብመርኣያ ኪቐርብ እዩ።
4 ልክዕ እዩ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅምሩ ወይ ንንውሕ ዘበለ እዋን ኪቕጽሉ ፍቓደኛታት ዚዀኑ ዅሎም ሰባት ኣይኰኑን። እንተዀነ ግን፡ ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ሰባት ናብ ውድብ የሆዋ ዚስሕቦም የሆዋ ባዕሉ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ኣሉታዊ ምላሽ ድሕር ኬብለና የብሉን። (ዮሃ. 6:44) ዘርኢ ሓቂ ናይ ምዝራእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ሱር ኪሰድድ ዝጀመረ ናይ ምዅስኳስን ማይ ናይ ምስታይን ሓላፍነት ኣሎና፣ እዚ ድማ ምስቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር የጠቓልል። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ መዓይይቲ ኣምላኽ ኴንና ኢና እነገልግል ዘለና።—1 ቈረ. 3:9