መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ወትሩ ድሉው ኩን
1. እቲ ኣብ ማቴዎስ 28:19, 20 ዘሎ ትእዛዝ የሱስ ምፍጻም እንታይ የጠቓልል፧
1 የሱስ፡ “እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዚብል ትእዛዝ ሂቡና እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ስለዚ፡ ኣብታ ኣብ መወዳእታ ሰሙን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር እተመደበት ፍልይቲ መዓልቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ወትሩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር ድሉዋት ክንከውን ንደሊ ኢና። እዚ ስዒቡ ዘሎ ሓሳባት ድማ ከምኡ ንኽትገብር ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ።
2. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺገብሩ ንመን ክትዕድም ትኽእል፧
2 ዕድመ ኣቕርበሎም፦ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር ዝያዳ ዕድመ ብዘቕረብና መጠን፡ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ናይ ምርካብ ኣጋጣሚና እናሰፍሐ እዩ ዚኸይድ። (መክ. 11:6) ቀጥታዊ ኣቀራርባ ፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ ኣባላት ሓንቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትርከብ ጉባኤ፡ ንሓደ ወርሒ ዚኸውን ነዚ ኺፍትንዎ ስሙር ጻዕሪ ገበሩ። ን42 ሓደስቲ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጀምሩ ብምኽኣሎም ከኣ ኣዝዮም ተሓጐሱ። እቶም ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሎም ሰባት፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምህሮም ፍቓደኛ ምዃንካ ይፈልጡ እዮም ኢልካ ኣይትሕሰብ። ኣብ ዚቕጽል ክትበጽሖም ከለኻ፡ መጽናዕቲ ኺገብሩ ንምንታይ ዘይትዕድሞም፧ ንዕድመኻ እንተ ደኣ ዘይተቐቢሎም፡ ምንም ጸገም የብሉን። ድሌት ንኼሕድሩ ብቐጻሊ ኽትጽዕር ትኽእል ኢኻ። ንጐረባብትኻን ንኣዝማድካን ንመሳርሕትኻን ንመማህርትኻን፡ ምሳኻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ሓቲትካዮምዶ ትፈልጥ፧ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እትምህሮም ሰባት እውን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ድሌት ዘለዎም ኣዕሩኽ ወይ ኣዝማድ እንተ ኣልዮምዎም ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ።
3. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር እትሕግዝ እንታይ ጠቓሚት መሳርሒት ኣላትና፧ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታትከ ኽንጥቀመላ ንኽእል፧
3 ጠቓሚ መሳርሒ፦ እታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር እትሕግዝ ጠቓሚት መሳርሒት እያ። ካልእ ጽሑፋት ንእተቐበለ ዀነ ንዘይተቐበለ ብዓል ቤት፡ ከተበርክተሉ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታትን ኣብ መገድን ክትምስክር፡ ደብዳበታት ክትልእኽ፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ ነዛ ትራክት እዚኣ ኽትጥቀመላ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ቤቶም ንዘይርከቡ ሰባት እውን ነታ ትራክት ሕደገሎም። ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ኣብ ዕዳጋ፡ ኣብ ስራሕካ ምእንቲ ኽትጥቀመላ ምሳኻ ተማሊእካያ ንምንታይ ዘይትኸይድ፧ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ እታ ትራክት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚግበር ዚገልጽን ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ዜፋልጥን ሓበሬታ ኣሎ።
4. ነታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር ብኸመይ ክንጥቀመላ ንኽእል፧
4 ንሓደ ሰብ እታ ትራክት ምስ ሃብካዮ፡ ኣብቲ ገበር ንዘሎ ሕቶታት ኣርእዮ፣ “ካብዚ ሕቶታት እዚ ንዓኻ ኣዝዩ ዜገድስካ ኣየናይ እዩ፧” ኢልካ ኸኣ ሕተቶ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣብታ ትራክት ዚርከብ መልሲ ብሓንሳእ ርኣይዎ፡ ነቲ ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ዘሎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚግበር ዚገልጽ ሓበሬታ ድማ ኣንብቦ ወይ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጾ። ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዝያዳ ሓበሬታ ኸም ዚርከብ ከተርእዮ ትኽእል ኢኻ፣ ነታ መጽሓፍ ኣበርክተሉ፡ ተመሊስካ ንምብጻሕን ነቲ ምይይጥ ንምቕጻልን ከኣ ቈጸራ ግበር።
5. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር ወትሩ ድሉዋት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧
5 ኣብ ክልና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ኪፈልጡ ሃንቀው ዚብሉ ሰባት ኵሉ ሳዕ ኣለዉ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምር ወትሩ ድሉዋት ምስ እንኸውን፡ ነቲ ንኻልኦት ኣብታ ናብ ህይወት እትመርሕ መገዲ ንኺመላለሱ ብምሕጋዝ ዚርከብ ሓጐስ ዝያዳ ኸነስተማቕሮ ኢና።—ማቴ. 7:13, 14።